ብሓንቲ ኢድ ክትስከሞ እትኽእል ቤተ መጻሕፍቲ
ብ7 ጥቅምቲ 2013፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንንባብን ንመጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን JW Library ዚብሃል ኣብ ሞባይል ዚጽዓን ኣፕሊኬሽን ኣውጺኦም። እዚ ናጻ ኣፕሊኬሽን መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብእንግሊዝኛ ሽዱሽተ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ኪንግ ጄምስ ቨርሽንን ብ2013 ዝወጸ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለምን ዝሓዘ እዩ። a
ስለምንታይ ተዳልዩ፧
ሚልዮናት ሰባት ምስ ስራሖምን ምስ ልውውጥ ሓበሬታን ብእተተሓሓዘ ስማርትፎን፡ ታብለት፡ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ መሳርሒ ይጥቀሙ እዮም። ተጠቀምቲ ሞባይል ንንባብን ንመጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚኸውን ነገራት ኣብ jw.org ዚረኽቡ ኻብ ኰኑ፡ ስለምንታይ JW Library ተዳልዩ፧
ቀዳማይ፡ እቲ ኣፕሊኬሽን ሓንሳእ ምስ ተጻዕነ፡ ኢንተርነት ከይወላዕካ ኺዓዪ ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ ኣንበብቲ ብቐሊሉ ጥቕስታት ኪግንጽሉን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኺገብሩን ተባሂሉ እዩ ተነዲፉ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ኽንገብር ዜኽእለና፧
JW Library ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕግዝ
JW Library ንፈለማ ግዜ ምስ ከፈተ፡ ስማት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዜርኢ። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ምስ ተሓርየ፡ ቀጺሉ ኣብቲ እተሓርየ መጽሓፍ ዘሎ ምዕራፋት የርኢ። እዚ ድማ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ዘሎ ፍቕዲ ወይ ክፋል ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት ክትረኽቦ የኽእለካ። እቲ ኣፕሊኬሽን ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ እዚ ዚስዕብ ናውቲ እውን ኣለዎ፦
ኣማራጺ ትርጉምን ካልእ ድሕረ ባይታዊ ሓበሬታን ዝሓዘ እግረ ጽሑፋት
ናብ ተዛማዲ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብር መወከሲታት
ቃል ወይ ሓረግ ናብ ዚርከበሉ ዘበለ ቦታ ዚወስድ መድለዪ
ኣብ መመጀመርታ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትሕዝቶ
መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ መን ከም ዝጸሓፎ፡ እተጻሕፈሉ ቦታ፡ ዚሽፍኖ ግዜ ዚገልጽ ሰሌዳ
ሕብራዊ ካርታታትን ሰሌዳታትን ስእልታትን
JW Library ከም ኵሉ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜሕትምዎ ሕትመት፡ ብዘይ ክፍሊት እዩ ዚርከብ። እዚ ናጻ ኣፕሊኬሽን መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብፍታው ብዚግበር ወፈያ እዩ ዚምወል፣ ድሮ እኳ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሳዕ ተራጊፉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 9:7) እሞኸ ነዚ ብሓንቲ ኢድካ ኽትስከሞ እትኽእል ፍሉይ ቤተ መጻሕፍቲ ስለምንታይ ዘይትፍትኖ፧
a ኣብ ጥሪ 2014፡ እቲ ኣፕሊኬሽን ዘሚኑ እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ጥቕሲ ዕለትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ መጽሓፍ መዝሙርን ኣለዎ።