በቲ ውጽኢት ተገሪማ
ሓንቲ ውላዳ በይና እተዕቢ ደሲካር እተባህለት ኣደ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ብምዃን ኣገልግሎታ ኸተስፍሕ ደለየት። እቲ እትነብረሉ ቨነዝወላ ግና ብዙሕ ቍጠባዊ ጸገም ዘለዎ ሃገር እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈላሚት ክትከውን ቈሪጻ ስለ ዝነበረት፡ ፈላሚት ድማ ኰነት። በዚ ሕጕስቲ እኳ እንተ ነበረት፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ለበዳ ኮቪድ 19 ጀሚሩ።
ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ደሲካር ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ተሰማሚዓ ኸተገልግል ከቢድዋ ነይሩ። ደብዳበታት ምጽሓፍ ብድሆ እዩ ዀይኑዋ። ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከይተገልግል ከኣ፡ ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክቡር እዩ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ከም ቀደመይ ከገልግል ስለ ዘይከኣልኩ፡ ተስፋ ቘሪጸ ነይረ። ዘይውጽኢታዊት ፈላሚት ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።”
ኣብ ጥሪ 2021፡ ኣብ ቨነዝወላ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፍሉይ ወፈራ ስብከት ኪግበር ፍቓድ ሃበ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ 60 መደበራት ረድዮን ኣብ 7 መስመራት ተለቪዥንን እተወሰነ ህዝባዊ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍኖ ምድላዋት ተገብረ። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ነቲ መደብ ኪከታተሉ ንኺዕድምዎም ተተባቢዖም እዮም። እቲ ጨንፈር ምስ ነፍሲ ወከፍ መደረ እተተሓሓዘ ሕቶታትን ጥቕስታትን እውን ኣዳልዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ደብዳበ ኺጽሕፉ ኸለዉ ወይ ብተሌፎን ኪመያየጡ ኸለዉ ኺጥቀሙሉ ይኽእሉ። ብተወሳኺ እቲ ጨንፈር፡ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ተክስት ኪጥቀሙ ኣተባቢዑ እዩ። እዚ ድማ ንብዙሓት ኣብ ቨነዝወላ ዚነብሩ ኣሕዋት ሓድሽ ሜላ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ።
ደሲካር፡ ኣብቲ ወፈራ ኽትሳተፍ ተሃንጥያ እያ ነይራ። ቅድሚኡ ብተክስት ኣገልጊላ እኳ ዘይትፈልጥ እንተ ዀነት፡ ክትፍትኖ ወሰነት። ሓገዝ ግና የድልያ ነይሩ። ደሲካር፡ “ተክኖሎጂ ጽቡቕ ገይረ ኣይመልኮን እየ” ብምባል ትእመን። ስለዚ ንጓላ ኽትምህራ ሓተተታ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ኣብቲ ወፈራ ንምክፋል ድልውቲ ዀነት።
ደሲካር ንብዙሓት እትፈልጦም ሰባት፡ መደረ ኺሰምዑ ብተክስት ገይራ ዓደመቶም። በቲ ዝረኸበቶ ወጽኢት ድማ ተገረመት። ከመይሲ፡ ብዙሓት ካብቶም ዝለኣኸትሎም፡ ነቲ መደረታት ምስ ሰምዑ ሕቶታት ሓተትዋ። እቶም ኪሰምዑ ዘይከኣሉ ኸኣ ንደሲካር እቲ መደረታት ብዛዕባ እንታይ ከም ዝነበረ ሓተትዋ። ደሲካር ብዛዕባኡ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ኣኼባ ኻብ ዝጸሓፍክዎ መዘኻኸሪታት ገለ ነጥብታት ኣካፈልክዎም። ቅድሚኡ ኻብ 5 ንላዕሊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ሃልዩኒ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ መደምደምታ እቲ ወፈራ ግና 112 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብር ክኢለ እየ።” a
ደሲካር ነታ ጐረቤታ ዝዀነት ዘይኣማኒት ሓብታ እውን ነቲ መደረታት ብረድዮ ኽትሰምዖ ዓደመታ። ብዛዕባ እቲ ተመክሮ ኽትገልጽ ከላ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ሓብተይ ነቲ ዕድመይ ምስ ተቐበለቶ፡ ተገሪመ እየ። ወትሩ ሰንበት ሰዓት 8 ቅ.ቐ.፡ ናብ ገዛኣ እናኸድኩ ብሓንሳእ ኴንና ንሰምዕ ኔርና። ኣብ መንጎ እቲ ፕሮግራምን እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአን ብዙሕ ሕቶታት ትሓትት ነይራ።” ሓብቲ ደሲካር፡ ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ እተገብረ ዝኽሪ ሞት የሱስ እውን ተኻፊላ እያ። ብዘይካዚ ንደሲካር ነቲ ናታ ኢንተርነት ከተገልግል ፈቐደትላ።
ደሲካር፡ “ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ንሽማግለታት ጉባኤ እውን ስለቲ ዝገበሩለይ ምትብባዕ አመስግኖም እየ። ሳላ ሓገዞም ከኣ ኸም ቀደመይ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስ ክረክብ ክኢለ እየ” በለት። (ኤርምያስ 15:16) ደሲካር ፈላምነት ቀጺላ፡ ነቶም ብተክስት ኣቢላ ዝረኸበቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ድማ ትከታተሎም ኣላ።
a ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስቲ ኣብ ሃገሮም ዚስርሓሉ ሕግታት ምሕላው ሓበሬታ ተሳንዮም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ እዮም።