ብኽብሪ ንዕድመካ
ዝኽሪ ሞት የሱስ
ቀዳም 12 ሚያዝያ 2025፡ ብጎርጎርዮሳዊ ኣቈጻጽራ፣ ቀዳም 4 ሚያዝያ 2017፡ ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ
ናብዚ ኽልተ መደብ ብኽብሪ ንዕድመካ
ፍሉይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ
ዝኽሪ ሞት የሱስ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ ዝዀነ ዝኽሪ ሞቱ የብዕሉ እዮም።—ሉቃስ 22:19።
ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
መን ኪመጽእ ይኽእል፧
እዚ ዕድመ ንዅሉ እዩ። ሰብካ እውን ሒዝካ ምጻእ።
እቲ መደብ ክንደይ ሰዓት ይወስድ፧
እቲ ፍሉይ መደረ፡ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ እዩ ዚወስድ። ድሕሪኡ ድማ ሰማዕቲ ዚሳተፉሉ ኣብ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርእሰ ነገር እተመስረተ ምይይጥ ይግበር።
እቲ በዓል ዝኽሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይወስድ።
ኣበይ እዩ ኺብዓል፧
ኣበይ ከም ዚብዓል ንምፍላጥ “በዓል ዝኽሪ ድለ” ወይ “ፍሉይ መደረ ድለ” ዚብል ጠውቕ።
ክትእከብ ክፍሊት ወይ ግዴታ ኣለዎ ድዩ፧
የብሉን።
እናዞርካ ገንዘብ ይእከብ ድዩ፧
ኣይፋልን። ኣብ ኣኼባታትና እናዞርካ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ።—ማቴዎስ 10:8።
እተፈልየ ዓይነት ኣከዳድና የድሊ ድዩ፧
ኣይፋልን። እንተዀነ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሕትናን ኣኽብሮትን ዜርኢ ኣከዳድና ኺስዕቡ ይጽዕሩ እዮም።
ኣብ በዓል ዝኽሪ እንታይ እዩ ዚግበር፧
እቲ ኣኼባ ዚጅመርን ዚዛዘምን ብመዝሙርን ሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዜቕርቦ ጸሎትን እዩ። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ፡ ኣገዳስነት ሞት የሱስን ካብቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ዚገልጽ መደረ ኪቐርብ እዩ።
ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕሉሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
ኣብ መጻኢ በዓል ዝኽሪ መዓስ እዩ ዚብዓል፧
2025፦ ቀዳም 12 ሚያዝያ
2026፦ ሓሙስ 2 ሚያዝያ
2027፦ ሰኑይ 22 መጋቢት
ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ቪድዮታት ርአ፦
እቲ በዓል ብኸመይ ከም ዚብዓል ርአ፡ ብሞት የሱስ ኣቢልካ ዚርከብ ዜደንቕ መጻኢ ድማ ፍለጥ።
የሱስ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም ዝሞተ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ግናኸ፡ መስዋእቲ ሓደ ሰብሲ ብሓቂዶ ንሚልዮናት ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ፧
ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧
ኣብኡ እንታይ ከም ዚግበር እስከ ርአ።