ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክጥመቕዶ፧—3ይ ክፋል፦ እንታይ እዩ ዓጊቱኒ ዘሎ፧

ክጥመቕዶ፧—3ይ ክፋል፦ እንታይ እዩ ዓጊቱኒ ዘሎ፧

 ርእስኻ ንየሆዋ ብዛዕባ ምውፋይን ብዛዕባ ምጥማቕን ክትሓስብ ከለኻ፡ ፍርሂ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንፍርህኻ ኸተሰንፍ ክትሕግዘካ እያ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ድሕሪ ጥምቀት ከቢድ ጌጋ እንተ ገበርኩኸ፧

 ጠንቂ እዚ ሻቕሎት፦ ምናልባት ኣብ ጉባኤኻ ኸቢድ ኣበሳ ብምፍጻሙ እተወገደ ሰብ ትፈልጥ ትኸውን። (1 ቈረንቶስ 5:11-13) ከምኡ ኸየጋጥመካ ኸኣ ትፈርህ ትኸውን።

 “ብዛዕባ ጥምቀት ንፈለማ ግዜ ምስ ሓሰብኩ፡ ድሕሪኡ ኸቢድ ጌጋ ኸይገብር ኣፍሪሁኒ። እዚ ንወለደይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜዋርዶም ክግምቶ እኽእል እየ።”—ሪበካ።

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “እኩይ መገዱ . . . ይሕደግ፣ ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ።”—ኢሳይያስ 55:7

 ነዚ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ፦ ዘይንስሑ ኣበስቲ ኻብ ጉባኤ ዚውገዱ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግና ነቶም ብትሕትና ዚንስሑን ጌጋታቶም ዚቕበሉን ይምሕሮም እዩ።—መዝሙር 103:13, 14፣ 2 ቈረንቶስ 7:11

 ብዘይካዚ፡ ዘይፍጹም እኳ እንተ ዀንካ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ንፈተና ኽትቃወሞ ትኽእል ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ንተግባራትካ መን ድዩ ዚውስኖ፧ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ፧

 “ድሕሪ ጥምቀት ከቢድ ጌጋ ኸይገብር እፈርህ ነይረ፣ ድሕሪኡ ግና፡ እንተ ዘይተጠሚቐ ጌጋ እገብር ከም ዘለኹ ተገንዚበ። ጽባሕ ገለ ኸይፍጠር ዚብልዎ ፍርሂ፡ ሎሚ ኺዓግተኒ ኸም ዘይብሉ ተገንዚበ።”—ካረን።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ እንተ ደሊኻ፡ ካብ ከቢድ ሓጢኣት ክትርሕቕ ትኽእል ኢኻ፣ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ነዚ ይኽእልዎ እዮም።—ፊልጲ 2:12

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧” ርአ።

 ጥምቀት ዜምጽኦ ሓላፍነት እንተ ኣፍርሃኒኸ፧

 ጠንቂ እዚ ሻቕሎት፦ ንኣብነት፡ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ካብ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ተፈልዮም ናብ ርሑቕ ቦታ ብዛዕባ ዝገዓዙ መንእሰያት ትፈልጥ ትኸውን። ከምኡ ዓይነት ትጽቢት ከይግበረልካ ትጭነቕ ትኸውን።

 “ጥሙቕ ክርስትያን ዝዓበየ መሰላት ኪረክብ ይኽእል እዩ፣ ገሊኦም ሰባት ግና ገዛእ ርእሶም ንምቕራብ ድሉዋት ኣይኰኑን ወይ ኵነታቶም ኣይፈቕደሎምን እዩ።”—መሪ።

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ጥራይ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላትያ 6:4

 ነዚ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ፦ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣብ ክንዲ እተወዳድር፡ ኣብቲ ኣብ ማርቆስ 12:30 ዚርከብ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ . . . ኣፍቅሮ” ዚብል ቃላት ኣተኵር።

 ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ኢኻ ኸተፍቅሮ ዘሎካ፣ ስለዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ምስ ናይ ካልእ ዓቕሚ ኸተወዳድር የብልካን። ንየሆዋ ብሓቂ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ፡ ብዓቕምኻ ንዕኡ እተገልግለሉ መገድታት ክትረክብ ኢኻ።

 “ጥምቀት ረዚን ስጕምቲ እኳ እንተ ዀነ፡ ከቢድ ጾር ግና ኣይኰነን። ምስ ጥዑያት ኣዕሩኽ እንተ ተዓራሪኽካ፡ ንሳቶም ኪሕግዙኻ እዮም። በብቝሩብ ሓላፍነታት ምስካም ከኣ፡ ዝያዳ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልካ። ካብ ጥምቀት እንተ ሃዲምካ፡ ገዛእ ርእስኻ ኢኻ እትጐድእ።”—ጁልያ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘርኣየካ ፍቕሪ ዘሎካ ሞሳ ኣዕዝዞ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ውሬታኡ ንምምላስ ዚከኣለካ ንምግባር ክትለዓዓል ኢኻ።—1 ዮሃንስ 4:19

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓላፍነት ዚስምዓኒ፧” ርአ።

 ንየሆዋ ንምግልጋል ብቕዓት ዘይብለይ ኰይኑ እንተ ተሰምዓኒኸ፧

 ጠንቂ እዚ ሻቕሎት፦ የሆዋ ልዑላዊ ገዛኢ ዩኒቨርስ እዩ። ሰባት ምስኡ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሑን እዮም! የሆዋ ምህላውካ ዚፈልጠካ እንተ ዀይኑ እኳ ትሓስብ ትኸውን።

 “ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀኑ፡ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ዕርክነት ካባታቶም ‘ዝወረስክዎ’ ጥራይ ከይከውን፡ ማለት ‘የሆዋ ንዓይ ብውልቂ ዝሰሓበኒ እንተ ዘይኰንኩኸ፧’ ዚብል ሓሳብ የጨንቐኒ ነይሩ።”—ናታሊ።

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን።”—ዮሃንስ 6:44

 ነዚ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ፦ ክትጥመቕ ትሓስብ ምህላውካ ጥራይ፡ የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኽትከውን ይስሕበካ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር። እሞ ደኣ ነቲ ዕድመኡ ምላሽ ክትህቦዶ ኣይግባእን፧

 ንመን ከም ዚስሕብ መለክዒታት ዜውጽእ ድማ የሆዋ ባዕሉ ደኣ እምበር፡ ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ዘይምዃኑ ኣይትረስዕ። ቃሉ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡካ ኣሎ።—ያእቆብ 4:8

 “ብዛዕባ የሆዋ ኽትፈልጥ ምኽኣልካን ንዕኡ ትቐርቦ ምህላውካን፡ ንሱ ኸም ዜፍቅረካ እዩ ዚሕብር። ስለዚ፡ ኣእምሮኻ ኸም ዘይትበቅዕ ኺነግረካ ኸሎ፡ ንሱ ምስዚ ኸም ዘይሰማማዕ ዘክር። የሆዋ ድማ ወትሩ ቕኑዕ እዩ።”—ሰሊና።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥምቀት ዚሓትቶ ብቕዓታት እንተ ኣማሊእካዮ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ ብቑዕ ኢኻ። ኣምልኾኻ ኸኣ ይግብኦ እዩ።—ራእይ 4:11

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧” ርአ።