ክርስትያናዊ ህይወት
ንየሆዋ ብምሉእ ህይወትካ ወድሶ
ህይወት ክቡር ውህበት እዩ። ነዚ ውህበት እዚ እንጥቀመሉ መገዲ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ የርኢ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና፡ ንተውህቦናን ንኽእለትናን ነቲ ወሃብ ህይወትና ዝዀነ የሆዋ ንምኽባርን ንምውዳስን ክንጥቀመሉ ንጽዕር ኢና። (መዝ 36:9፣ ራእ 4:11) ምስናይዚ ግና፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም መዓልታዊ ዜጋጥመና ጭንቀት፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ብቐሊሉ ዕሽሽ ከም እንብሎ ኺገብረና ይኽእል እዩ። (ማር 4:18, 19) ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ንየሆዋ ብሓቂዶ ዝበለጸ እህቦ እየ፧ (ሆሴ 14:2) ዕዮይ ወይ ሞያይ ናበይ እዩ ዚመርሓኒ ዘሎ፧ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ሸቶታት እዩ ዘሎኒ፧ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ኽዓዪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ምምሕያሽ ዜድልዮ መዳያት ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ሓገዝ ክትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ዜድሊ ምትዕርራያት ከኣ ግበር። ንየሆዋ በብመዓልቱ ምስ እትውድሶ፡ ኣብ ህይወትካ ዕግበትን ሓጐስን ክትረክብ ኢኻ።—መዝ 61:8።
ነታ ተውህቦኻ ንየሆዋ ንምግልጋል ተጠቐመሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ተውህቦኻ ንናይ ሰይጣን ዓለም ምውፋይ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (1ዮሃ 2:17)
-
እቶም ንየሆዋ ዝበለጸ ዚህብዎ ሰባት እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧
-
ንተውህቦኻን ንኽእለትካን ኣበየናይ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት ኢኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧