ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 6-8

“ልክዕ ከምኡ ገበረ”

“ልክዕ ከምኡ ገበረ”

6:9, 13-16, 22

ኖህን ስድራ ቤቱን ብዘይ ዘመናዊ ናውትን ሜላታት ህንጸትን ነታ መርከብ ኪሰርሑ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ጻዕሪ ኸም ዝገበሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

  • እታ መርከብ ኣስታት 133 ሜተር ዝንውሓታ፡ 22 ሜተር ዝግፍሓ፡ 13 ሜተር ከኣ ዝቝመታ ብምንባራ፡ ኣዝያ ዓባይ እዩ ነይራ

  • ኣእዋም ኪቘርጹን ኪጽልጽሉን ኪጓርቱን ነይርዎም

  • ነታ ዓባይ መርከብ ብውሽጣን ብደጊኣን ብቕጥራን ኪልቕልቕዋ ነይርዎም

  • ንስድራ ቤት ኖህን ነቶም እንስሳታትን ንሓደ ዓመት ዚኸውን ምግቢ ኺእክቡ ነይርዎም

  • እቲ ዕዮ፡ ምናልባት ካብ 40 ኽሳዕ 50 ዓመት ወሲዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ

የሆዋ ዚብለና ዘበለ ኽንገብር ኣጸጋሚ ዀይኑ ምስ እንረኽቦ፡ እዚ ዛንታ እዚ ኼተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧