“ልክዕ ከምኡ ገበረ”
ኖህን ስድራ ቤቱን ብዘይ ዘመናዊ ናውትን ሜላታት ህንጸትን ነታ መርከብ ኪሰርሑ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ጻዕሪ ኸም ዝገበሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ።
-
እታ መርከብ ኣስታት 133 ሜተር ዝንውሓታ፡ 22 ሜተር ዝግፍሓ፡ 13 ሜተር ከኣ ዝቝመታ ብምንባራ፡ ኣዝያ ዓባይ እዩ ነይራ
-
ኣእዋም ኪቘርጹን ኪጽልጽሉን ኪጓርቱን ነይርዎም
-
ነታ ዓባይ መርከብ ብውሽጣን ብደጊኣን ብቕጥራን ኪልቕልቕዋ ነይርዎም
-
ንስድራ ቤት ኖህን ነቶም እንስሳታትን ንሓደ ዓመት ዚኸውን ምግቢ ኺእክቡ ነይርዎም
-
እቲ ዕዮ፡ ምናልባት ካብ 40 ኽሳዕ 50 ዓመት ወሲዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ
የሆዋ ዚብለና ዘበለ ኽንገብር ኣጸጋሚ ዀይኑ ምስ እንረኽቦ፡ እዚ ዛንታ እዚ ኼተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧