ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን”

“ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን”

ኣብታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ምምጻእ ጳውሎስ ተሰምዐ፡ እተወሰኑ ጕጅለ ኣሕዋት ከኣ ንዕኡ ኪቕበልዎ ኣስታት 64 ኪሎ ሜተር ተጓዕዙ። እታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሮም ንጳውሎስ ዝተንከየቶ ብኸመይ እያ፧ “ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን።” (ግብ 28:15) ጳውሎስ ይበጽሐን ንዝነበረ ጉባኤታት የተባብዐን ነይሩ እዩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ግና እሱር ስለ ዝነበረ ንሱ ባዕሉ ምትብባዕ የድልዮ ነበረ።—2ቈረ 13:10

ሎሚ፡ ሓለውቲ ወረዳ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ንምትብባዕ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ይጕዓዙ እዮም። ከም ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ድማ፡ ሓድሓደ እዋን ይደኽሙን ይጭነቑን ተስፋ ይቘረጹን እዮም። ሓላው ወረዳን ሰበይቱን ንጉባኤኹም ኣብ ዚቕጽል ኪበጽሕዋ ኸለዉ፡ ‘ንሓድሕድኩም ንምትብባዕ’ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧—ሮሜ 1:11, 12

  • ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ተኣከብ። እቲ ሓላው ወረዳ፡ ኣብታ ንሱ ዚበጽሓላ ፍልይቲ ሰሙን፡ ካብ ዚግበር ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሎም እቶም ኣስፋሕቲ መስዋእቲ ምስ ዚኸፍሉ ይተባባዕ እዩ። (1ተሰ 1:2, 3፣ 2:20) ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ጻዕሪ ግበር። ምስኡን ምስ ሰበይቱን ሓቢርካ ኽትዓዪ፡ ወይ ድማ ንሓዲኦም ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕድሞም ትኽእልዶ፧ እቲ ሓላዊ ወረዳን ብዓልቲ ቤቱን ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ፡ እንተላይ ምስ ሓደስትን ኣብ ኣገልግሎት ብቕዓት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ምስ ዚስምዖምን ምዕያይ ባህ ይብሎም እዩ።

  • ኣብ ቤትካ ተቐበሎም። መዕረፊ ወይ ምግቢ ኸተዳሉ ትኽእልዶ፧ ከምዚ ምግባርካ ነቲ ሓላው ወረዳን ንሰበይቱን ከም እተፍቅሮም ዜርኢ እዩ። ንሳቶም ከኣ ብዙሕ እተጋነነ ነገራት ኣይጽበዩን እዮም።—ሉቃ 10:38-42

  • ንዚህበካ መምርሕን ምኽርን ስምዓዮን ኣብ ግብሪ ኣውዕሎን። ሓላው ወረዳ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንታይ ምምሕያሽ ክንገብር ከም እንኽእል ብፍቕሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ እዋን፡ ትርር ዝበለ ምኽሪ ይህብ ይኸውን። (1ቈረ 5:1-5) ተኣዘዝትን ተገዛእትን ምስ እንኸውን ድማ ይሕጐስ እዩ።—እብ 13:17

  • ሞሳኻ ግለጸሎም። ንሓላው ወረዳን ንብዓልቲ ቤቱን እቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐመካ ንገሮም። ነዚ ድማ ብቓልካ ወይ ብጽሑፍ ወይ ብካርድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።—ቈሎ 3:15