22-28 ሰነ
ዘጸኣት 1-3
መዝሙር 7ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ”፦ (10 ደቒቕ)
[መእተዊ ዘጸኣት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]
ዘጸ 3:13—ሙሴ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ዝያዳ ኺፈልጥ ደለየ (w13 15/3 25 ¶4)
ዘጸ 3:14—የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜድሊ ዘበለ ይኸውን (kr 43፡ ሳጹን)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘጸ 2:10—ንሙሴ፡ ጓል ፈርኦን ከም ዘዕበየቶ ምእማን ርትዓዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (g04 8/4 6 ¶5)
ዘጸ 3:1—የትሮ እንታይ ዓይነት ካህን እዩ ነይሩ፧ (w04 15/3 24 ¶4)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘጸ 2:11-25 (th መጽናዕቲ 11)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ኣብ ክልኻ ልሙድ ንዝዀነ ሓደ ተቓውሞ ድማ ምላሽ ሃበሉ። (th መጽናዕቲ 16)
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ እቲ ብዓል ቤት ንዘበገሶ ርእሰ ነገር እትምልስ እዋናዊት መጽሔት ኣበርክት። (th መጽናዕቲ 12)
መደረ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w02 15/6 11 ¶1-4—ፍረ ነገር፦ ካብ መዛግብቲ ግብጺ ዝበዝሐ። (th መጽናዕቲ 13)
ክርስትያናዊ ህይወት
ዓርኪ የሆዋ ኹን—ስም የሆዋ፦ (6 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ኣቐዲምካ ዝሓረኻዮም ቈልዑ ናብ መድረኽ ዓዲምካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕተቶም፦ ስም የሆዋ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ እንታይ እዩ ፈጢሩ፧ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
መለኮታዊ ስም ኣብ ስካንዲነቭያ ልዕል ኢሉ፦ (9 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተቶም፦ ቅድሚ መበል 16 ዘመን፡ መለኮታዊ ስም ብብዝሒ ዘይፍለጥ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣብ ስካንዲነቭያ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም እትፈትዎ ስለምንታይ ኢኻ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 70
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
መዝሙር 144ን ጸሎትን