1-7 ሰነ
ዘፍጥረት 44-45
መዝሙር 130ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ይቕረ ኢሉሎም”፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 44:1, 2—ዮሴፍ ንውሽጣዊ ድራኸ ኣሕዋቱ ፈተኖ (w15 1/5 14-15)
ዘፍ 44:33, 34—ይሁዳ ምእንቲ ብንያም ለመነ
ዘፍ 45:4, 5—ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ይቕረ ብምባል ንየሆዋ መሰሎ
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 44:13—ክዳን ምቕዳድ እንታይ የመልክት፧ (it-2 813)
ዘፍ 45:5-8—ግፍዒ ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (w04 15/8 15 ¶15)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘፍ 45:1-15 (th መጽናዕቲ 10)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ፦ (10 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ንሰማዕትኻ ዜስተምህር ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ መጽናዕቲ 18 እታ ምምሃር እትብሃል ብሮሹር ዘሎ ሓሳባት ተመያየጡሉ።
መደረ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w06 1/2 31—ፍረ ነገር፦ ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 44:5, 15 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ዮሴፍ ፋል ኪፈልጥ ኢሉ ጽዋእ ብሩር ይጥቀምዶ ነይሩ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 18)