ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
ንእሽቶ ወይ ዓብዪ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ‘የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧’ ኢልና ንርእስና ንሓትት ዲና፧ ንሓሳብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና፡ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ” ብቑዓት ምእንቲ ኽንከውን ግና ኣብ ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ። (2ጢሞ 3:16, 17፣ ሮሜ 11:33, 34) የሱስ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣስተውዒሉን ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ሂብዎን እዩ። (ዮሃ 4:34) ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነ ንምግባር ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።—ዮሃ 8:28, 29፣ ኤፌ 5:15-17።
ነታ ፍቓድ የሆዋ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ (ዘሌ 19:18) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ንናይ ሙዚቃ ምርጫና ኺጸልዎ ዘለዎ፧
-
እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ኪጸልዎ ዘለዎ፧
-
ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንታይ ካልእ መዳያት ህይወትና ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዘሎና፧
-
ነቲ ፍቓድ የሆዋ ኸነስተውዕል ዘሎና ኽእለት ከነመሓይሾ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧