ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ቈረንቶስ 10-13

የሆዋ እሙን እዩ

የሆዋ እሙን እዩ

10:13

የሆዋ ንፈተናና ኼወግዶ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ “መዋጽኦ” ዚገብረልና፡ ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ክንጻወሮ ብምድጋፍ እዩ።

  • ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን በቲ ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግብን ኣቢሉ ንኣእምሮናን ንልብናን ንስምዒትናን ኬህድኣልና ይኽእል እዩ።—ማቴ 24:45፣ ዮሃ 14:16፡ እ.ጽ.፣ ሮሜ 15:4

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታትን ስርዓታትን ዘኪርና ቕኑዕ ስጕምቲ ምእንቲ ኽንወስድ፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኺመርሓና ይኽእል እዩ።—ዮሃ 14:26

  • ምእንታና ንመላእኽቱ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።—እብ 1:14

  • ኣመንቲ ብዝዀኑ ብጾትና ኣቢሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ቈሎ 4:11