እስራኤላውያን ንየሆዋ ረሲዖምዎ
የሆዋ ነቲ ነቓጽ ትዕቢት ይሁዳን የሩሳሌምን ኬጥፍኦ ወሲኑ ነበረ፣ ኤርምያስ ድማ ነዚ ጥፍኣት እዚ ብምሳሌ ዜብርህ ኣጸጋሚ ዕዮ ተዋሂብዎ ነበረ።
ኤርምያስ፡ ዕጣቕ በፍታ ኣምጽአ
-
እታ ዕጣቕ ኣብ ሕቘ ምጥባቓ፡ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ህዝቡን ኪህሉ ዚኽእል ዝነበረ ጥብቂ ርክብ የመልክት
ኤርምያስ ነታ ዕጣቕ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ወሰዳ
-
ኣብ ነቓዕ ከውሒ ሓቢእዋ ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ
ኤርምያስ ነታ ዕጣቕ ኬምጽኣ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ተመልሰ
-
እታ ዕጣቕ ተበላሽያ ነበረት
ኤርምያስ ነቲ ዕዮ ምስ ፈጸሞ፡ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ኣብርሆ
-
ኤርምያስ ኣብቲ ጢጥ ቅሚጥ ዚመስል ነገር እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ልቡ ንየሆዋ ይእዘዞ ምንባሩ፡ ኣብቲ የሆዋ ንልቢ እቶም ህዝቢ ንምትንካፍ ዝገበሮ ጻዕሪ ግደ ነይርዎ እዩ