ክርስትያናዊ ህይወት
ሓሶት ከይትነዝሕ ተጠንቀቕ
ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ብጽሑፍ፡ ብረድዮ፡ ብተለቪዥን፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ኣብ ሓጺር እዋን ሓበሬታ ይበጽሖም እዩ። እቶም ን“ኣምላኽ ሓቂ” ዜምልኹ ሰባት ግና ዋላ እውን ብዘይፍላጥ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኺነዝሑ ኣይደልዩን እዮም። (መዝ 31:5፣ ዘጸ 23:1) ብዛዕባ ኻልኦት ሓሶት ምንዛሕ ዓብዪ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ንሓቅነት ሓደ ነገር ከተረጋግጽ ከለኻ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ርእስኻ ሕተት፦
-
‘እቲ ምንጪ እሙን ድዩ፧’ እቲ ዜውሪ ሰብ ዘይፈልጦ ነገራት ይህሉ ይኸውን። ወረ ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ኪመሓላለፍ ከሎ መወዳእታኡ ይቕየር እዩ፣ ስለዚ፡ ምንጪ እቲ ወረ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ ተጠንቀቕ። እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኣኽቢርካ ስለ ዚርኣዩ፡ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ኸየመሓላልፉ ኣዝዮም ኪጥንቀቑ ኣለዎም
-
‘እቲ ሓበሬታ ዜካፍእ ድዩ፧’ ንጽቡቕ ስም ሓደ ሰብ ወይ ጕጅለ ዜጸልም እንተ ዀይኑ፡ ኪዝረብ የብሉን።—ምሳ 18:8፣ ፊል 4:8
-
‘ሓቅነት ዘለዎ ዚመስል ድዩ፧’ ሓደ ዜስደምም ወረ ወይ ተመክሮ እንተ ሰሚዕካ ተጠንቀቕ
ነታ ንሕሜት ብኸመይ ክዓግቶ እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦