ክርስትያናዊ ህይወት
ንቝጠባዊ ጸገማት ብምትእምማን ተዋጽኣሉ
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ህይወት ብጸገም ዝመልአት እያ። ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብዝቐረብና መጠን፡ ጸገማት እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ርግጽ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ እተፈላለየ ነገራት ሕጽረት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። (ኣን 3:16-18) ንቝጠባዊ ጸገማት ብምትእምማን ክንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ወትሩ ብኣምላኽና የሆዋ ኽንተኣማመን ኣሎና። ንኣገልግሎቱ ኸም ዚከናኸን ቃል ኣትዩ እዩ፣ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ዜድልየና ኼማልኣልና እውን ይኽእል እዩ።—መዝ 37:18, 19፣ እብ 13:5, 6።
ክትገብሮ እትኽእል፦
-
የሆዋ መምርሕን ጥበብን ደገፍን ኪህበካ ለምኖ።—መዝ 62:8
-
ቅድሚ ሕጂ ሰሪሕካዮ ዘይትፈልጥ ስራሕ ክትሰርሕ ፍቓደኛ ኹን።—g-E 1/10 8-9፡ ሳጹን
-
ንጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳትካ ዓቅቦ፣ እዚ ኸኣ፡ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ የጠቓልል
ነታ ዚጻወር ቤት ህነጽ—‘በቲ ዘሎካ ዕገብ’ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ገሊአን ስድራ ቤታት እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምወን፧
-
ኣብ ህይወት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እንታይ እዩ፧
-
ቍጠባዊ ጸገማት ንዘጋጠሞም ክንሕግዞም እንኸእል ብኸመይ ኢና፧