ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሓት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። (ኢሳ 55:6) ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐጻሊ ምእንቲ ኽንምህሮም፡ ደጋጊምና ኽንበጽሖም ኣሎና። ሰባት እተፈላለየ ውልቃዊ ጸገማት ስለ ዘለዎም፡ እቲ ተገዳስነቶም ንምዅስኳስ እንጥቀመሉ መገዲ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክንበጽሖም ቅድሚ ምኻድና ብግቡእ ንዳሎ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ከኣ ሸቶ ንገብር እንተ ዄንና፡ ውጽኢታውያን ክንከውን ኢና።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ቀልጢፍካ ኽትምለስ ጻዕሪ ግበር።—ማቴ 13:19
-
ምቕሉልን ኣኽባርን ሕዉስን ኩን
-
ብስሙ ጸዊዕካ፡ ምዉቕ ሰላምታ ኣቕርበሉ። ንምንታይ ዕላማ ኸም እተመለስካ ግለጸሉ። ምናልባት ኣብ ፈለማ ምብጻሕ ዘልዓልካዮ ሕቶ ኽትምልሰሉ፡ እዋናዊ መጽሔት ከተብጽሓሉ፡ ምስ ወብ ሳይትና ኸተላልዮ፡ ቪድዮ ኸተርእዮ፡ ወይ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚካየድ ከተርእዮ ኸም እትደሊ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ካልእ ኣርእስቲ ተገዳስነት ምስ ዜርኢ፡ ተዓጻጻፊ ኹን።—ፊል 2:4
-
ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርአ ዘርኢ ሓቂ ማይ ምእንቲ ኸተስትዮ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ከተካፍሎን ጽሑፋት ክትገድፈሉን ትኽእል ኢኻ። (1ቈረ 3:6) ምስኡ ዕርክነት ክትምስርት ጽዓር
-
ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር