ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ስለቲ ፍቕርኹም ንየሆዋ ነመስግኖ

ስለቲ ፍቕርኹም ንየሆዋ ነመስግኖ

ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ጸበባ እናሃለዉ ኽነሶም፡ ንክርስትያናት ብጾቶም ፍቕሪ ኣርእዮም እዮም። (2ተሰ 1:3, 4) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ንዓለምለኻዊ ሕውነት ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ። እታ ኣብ jw.org እትርከብ “ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል” ዘርእስታ ዓምዲ፡ ወፈያኹም ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ንኣሕዋትኩም ዚድግፎም ዘሎ ብኣየናይ መገድታት ከም ዝዀነ ተጕልሕ እያ። ስለቲ ፍቕርኹምን ልግስኹምን ኣዚና ነመስግነኩም።

ነታ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

• ገለ ኻብቲ ብወፈያና ዚድገፍ ንጥፈታት እንታይ እዩ፧

• ንእተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ገንዘባዊ ሓገዝ ክንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧—ነታ ኣብ jw.org እትርከብ “ተረፍ ገሊኦም፡ ንጐደሎ ኻልኦት ይምልእ” ዘርእስታ ዓምዲ እውን ርኣ።