ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ቈሎሴ 1-4

ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥኩም፡ ሓድሽ ልበሱ

ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥኩም፡ ሓድሽ ልበሱ

3:5-14

ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ ኣብ ባህርያትካ ዓበይቲ ለውጥታት ጌርካዶ፧ የሆዋ በቲ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ኸም እተሓጐሰ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ህዝ 33:11) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣረጊት ስብእና መሊሱ ምእንቲ ኸይደግሰካን ነቲ ሓድሽ ስብእና ምእንቲ ኸተርእን፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽትገብር የድልየካ እዩ። ኣበየናይ መዳይ ከም እተመሓይሽ ንምርኣይ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ንሓደ ዝበደለኒ ሰብ ተቐይመዮ ኣለኹ ድየ፧

  • ተሃዊኸ ወይ ደኺመ እውን ከይተረፈ፡ ዓቕሊ አርኢ ድየ፧

  • ርኹስ ሓሳባት ምስ ዚመጸኒ፡ ቀልጢፈ አወግዶ ድየ፧

  • ካልእ ዓሌት ወይ ዜግነት ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ኣሉታዊ ስምዒት ኣሎኒ ድዩ፧

  • ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብቓለይ ዝጐዳእክዎ ወይ እተቘጣዕክዎ ሰብ ኣሎዶ፧