ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥኩም፡ ሓድሽ ልበሱ
ሓቂ ምስ ፈለጥካ፡ ኣብ ባህርያትካ ዓበይቲ ለውጥታት ጌርካዶ፧ የሆዋ በቲ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ኸም እተሓጐሰ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ህዝ 33:11) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣረጊት ስብእና መሊሱ ምእንቲ ኸይደግሰካን ነቲ ሓድሽ ስብእና ምእንቲ ኸተርእን፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽትገብር የድልየካ እዩ። ኣበየናይ መዳይ ከም እተመሓይሽ ንምርኣይ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ንሓደ ዝበደለኒ ሰብ ተቐይመዮ ኣለኹ ድየ፧
-
ተሃዊኸ ወይ ደኺመ እውን ከይተረፈ፡ ዓቕሊ አርኢ ድየ፧
-
ርኹስ ሓሳባት ምስ ዚመጸኒ፡ ቀልጢፈ አወግዶ ድየ፧
-
ካልእ ዓሌት ወይ ዜግነት ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ኣሉታዊ ስምዒት ኣሎኒ ድዩ፧
-
ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብቓለይ ዝጐዳእክዎ ወይ እተቘጣዕክዎ ሰብ ኣሎዶ፧