Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ቀሊል ናብራ ምንባር ንኣምላኽ ክንውድሶ ይሕግዘና

ቀሊል ናብራ ምንባር ንኣምላኽ ክንውድሶ ይሕግዘና

ሎሚ ናብራና ብብዙሕ ነገራት ብቐሊሉ ኺተሓላለኽ ይኽእል እዩ። ንብረት ንምዕዳግን ንምጥቃምን ንምክንኻንን ንምሕላውን ብዙሕ ግዜን ጕልበትን እዩ ዜድሊ። የሱስ ዝዀነ ይኹን ነገር ብዘየድሊ ምኽንያት ካብ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ኸየጐናድቦ ቐሊል ናብራ ይነብር ነበረ።—ማቴ 8:20

ሰብ ሓዳር ኣብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣበርክቶ ምእንቲ ኽትገብር ቀሊል ናብራ ኽትነብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ካብ ኣባላት ስድራ ቤትካ እተወሰነ ምትዕርራይ ገይሩ ፈላሚ ኪኸውን ዚኽእል ኣሎዶ፧ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እኳ እንተ ኣለኻ፡ ስጋዊ ነገራት በብቝሩብ ንህይወትካ ኺሓላልኾ ፈቒድካሉ ዲኻ፧ ንየሆዋ ብምግልጋል እንነብሮ ቐሊል ናብራ፡ ሕጉሳትን ዕጉባትን ክንከውን እዩ ዚሕግዘና።—1ጢሞ 6:7-9

ናብራኻ ኸተቕልል እትኽእለሉ መገድታት ጽሓፍ።