ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

25-31 ነሓሰ

ምሳሌ 28

25-31 ነሓሰ

መዝሙር 150ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣብ መንጎ እኩይን ጻድቕን ዘሎ ፍልልይ

(10 ደቒቕ)

እኩይ ፈራህ እዩ፣ ጻድቕ ግና ድምብርጽ ኣይብሎን (ምሳ 28:1w93 15/5 26 ¶2)

እኩይ ብግቡእ ኬመዛዝን ኣይክእልን፣ ጻድቕ ግና ዝሓሸ ውሳነታት ይገብር (ምሳ 28:5it-2 1139 ¶3)

ካብ ሃብቲ እኩይ፡ ድኽነት ጻድቕ ይሓይሽ (ምሳ 28:6it-1 1211 ¶4)

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 28:14—እዛ ጥቕሲ እንታይ መጠንቐቕታ ሒዛ ኣላ፧ (w01 1/12 11 ¶3)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ውግእን ዓመጻን ከም ዜኽትም ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 5)

5. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ውግእን ዓመጻን ከም ዜኽትም ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 4)

6. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ውግእን ዓመጻን ከም ዜኽትም ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)

7. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ውግእን ዓመጻን ከም ዜኽትም ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 112

8. ዓመጻ ትጸልእ ዲኻ፧

(6 ደቒቕ) ምይይጥ።

ምንጪ ዓመጻ፡ እቲ የሱስ “ቐታል ነፍሲ” ዝበሎ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ዮሃ 8:44) መላእኽቲ ኣብ ዕልወት ሰይጣን ስለ ዝሓበሩ መላእ ዓለም ብዓመጻ መልአት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ተበላሸወት። (ዘፍ 6:11) መወዳእታ እዛ ዓመጻ ዝመልኣ ናይ ሰይጣን ዓለም ይቐርብ ኣሎ፣ ሰባት ከኣ ጨካናትን ርእሶም ዘይገትኡን ይዀኑ ኣለዉ።—2ጢሞ 3:1, 3

መዝሙር 11:5 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዓመጻ ዚፈትዉ ሰባት እንታይ ይስምዖ፧ ስለምንታይከ፧

  • ነቲ ኣብ ስፖርትን መዘናግዕን ዚንጸባረቕ ዓመጻ፡ ሰባት ዚፈትውዎ ስለምንታይ እዮም፧

ምሳሌ 22:24, 25 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ነቲ ኣብ መዘናግዕን ኣዕሩኽን እንገብሮ ምርጫ፡ ንዓመጻ ዘሎና ኣርኣእያ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

  • እንመርጾ መዘናግዒ፡ ዓመጻ ኸም እንፈቱ ኼርኢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9. ኣብ መስከረም ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

(9 ደቒቕ)

ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። እታ ጉባኤ ንፍሉይ ወፈራ ዝገበረቶ ምድላዋት ብውዕዉዕ ስምዒት ግለጽ።

ነታ ኪሰፍን’ዩ ሰላም! (መዝሙር ኣኼባ ዞባ 2022) ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።

10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 12-13

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 113ን ጸሎትን