ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

8-14 ሓምለ

መዝሙር 60–62

8-14 ሓምለ

መዝሙር 2ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. የሆዋ ድሕንነት ይህበናን የዕቍበናን የህድኣናን

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ኸም “ጽኑዕ ግምቢ” እዩ (መዝ 61:3it-2 1118 ¶7)

የሆዋ ኣብ ድንኳኑ ኣጋይሹ ኽንከውን ይፈቕደልና (መዝ 61:4it-2 1084 ¶8)

የሆዋ ኸም ከውሒ እዩ (መዝ 62:2w02 15/4 16 ¶14)


ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ንየሆዋ ዝያዳ ብምፍላጠይን ኣብኡ ብምእማነይን ህይወተይ ዝሓሸ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 62:11—‘ብርታዐ ናይ ኣምላኽ’ ዝዀነ ኣብ ምንታይ መዳይ እዩ፧ (w06 1/6 11 ¶7)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ምስ ዝለውሃልካ ሰብ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ በዓል ቤት ብዛዕባ JW Library® ኣፕሊኬሽን ንገሮ፡ ብኸመይ ከም ዚጽዕኖ ድማ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) w22.02 4-5 ¶7-10—ፍረ ነገር፦ መምርሒ ኺውሃበካ ኸሎ ብየሆዋ ተኣመን (th መጽናዕቲ 20)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 12

7. ‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ዚኽእል’ ዋላ ሓንቲ የሎን

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ንሓውና ኒረንደ ኣብ እዋን መስጐጕቲ፡ የሆዋ ኣብ ኣየናይ መዳይ እዩ ሓልዮት ኣርእይዎ፧

8. ዓርኪ የሆዋ ኹን—ናብ ጥምቀት ዚመርሕ ስጕምትታት

(5 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ኣቐዲምካ ንዝሓረኻዮም ቈልዑ (እንተ ኣልዮም) ናብ መድረኽ ዓዲምካ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦ ንምጥማቕ ካብ ዕድመ ንላዕሊ ዝያዳ ዜገድስ እንታይ እዩ፧ ንኽትጥመቕ እትወስዶ ገለ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 63ን ጸሎትን