ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

29 ሓምለ–4 ነሓሰ

መዝሙር 69

29 ሓምለ–4 ነሓሰ

መዝሙር 13ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. እቲ ኣብ ህይወት የሱስ እተፈጸመ፡ ኣብ መዝሙር 69 ብትንቢት እተነግረ ብኸመይ እዩ፧

(10 ደቒቕ)

የሱስ ብዘይምኽንያት ተጸሊኡ (መዝ 69:4፣ ዮሃ 15:24, 25w11 15/8 11 ¶17)

የሱስ ንቤት የሆዋ ቕንኣት ነይርዎ (መዝ 69:9፣ ዮሃ 2:13-17w10 15/12 8 ¶7-8)

የሱስ ስምዒታዊ ስቓይ ኣጋጢምዎ፡ ምስ ሓሞት እተሓወሰ ወይኒ እውን ኪሰቲ ተዋሂብዎ (መዝ 69:20, 21፣ ማቴ 27:34፣ ሉቃ 22:44፣ ዮሃ 19:34g95 22/10 31 ¶4it-2 650)


ንምስትንታን ዚኸውን፦ የሆዋ ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጠቓለል ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 69:30, 31—እዘን ፍቕድታት ትሕዝቶ ጸሎትና ኸነመሓይሽ ዚሕግዛና ብኸመይ እየን፧ (w99 15/1 18 ¶11)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ትዕግስቲ—የሱስ እንታይ ገይሩ፧

(7 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ፡ ድሕሪኡ፡ ን​lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 1-2 ተመያየጡላ።

5. ትዕግስቲ—ንየሱስ ምሰሎ

(8 ደቒቕ) ኣብ lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3-5 ኸምኡ ድማ፡ “ኣብዚ እውን ርአ” ተመርኲስካ ዚቐርብ ምይይጥ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 134

6. ነታ ጉባኤ ዜድሊ

(5 ደቒቕ)

7. ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ ጥሪ 2009፡ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ተጠርኒፉ እዩ። እዚ ድማ፡ ንኣባላት ስድራ ቤታት ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ኪምድቡ ኣኽኢሉ እዩ። ብዙሓት እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ምስ የሆዋን ንሓድሕዶምን ኪቀራረቡ ስለ ዝሓገዞም፡ ሞሳኦም ገሊጾም እዮም።—ዘዳ 6:6, 7

ንርእስታት ስድራ ቤት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ዕዉት ኪኸውን ዚሕግዞም እንታይ መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ፧

  • ስሩዕ ግበሮ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ሰሰሙን ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብረሉ ግዜ መድብ። ዘይተሓስበ ነገር ምስ ዜጋጥም መሐለውታ እትኸውን መዓልቲ እውን መድብ

  • ተዳሎ። ምስ ብዓልቲ ቤትካ ተማኸሩ፡ ሳሕቲ ደቕኹም ርእይቶ ኺህቡ ድማ ዓድሞም። ብፍላይ ስድራ ቤትኩም ኣብ ሰሰሙን ተመሳሳሊ ንጥፈታት ትገብር እንተ ዀይና፡ ጽዑቕ ምድላው ክትገብር ኣየድልየካን እዩ

  • ንስድራ ቤትኩም ከም ዚጥዕም ግበሮ። ቈልዑ ኺዓብዩ ኸለዉ ድሌቶምን ክእለቶምን ይቕይር እዩ። እዚ መደብ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ዚሕግዝ ኪኸውን ኣለዎ

  • ተፈታውን ፍዅስ ዝበለን ግበሮ። ጽቡቕ ክሊማ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ግዳም ኴንኩም ከተጽንዑ እትኽእሉሉ ዅነታት ሕሰበሉ። ኬድሊ ኸሎ ዕረፍቲ ግበሩ። ኣብዚ መደብ ደቅኻ ብዛዕባ ዜሕልፍዎ ዘለዉ ዅነታት ክትመያየጥ ኣሎካ፣ ይኹን እምበር፡ ንምንቃፍ ወይ ንመግናሕቲ ኣይትጠቐመሉ

  • እተፈላለየ ሜላታት ተጠቐም። ንኣብነት፡ ነዚ መደብ ንኣኼባ ንምድላው፡ ኣብ jw.org ዘሎ ቪድዮታት ርኢኻ ንምምይያጥ፡ ንኣገልግሎት ንምድላው ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ቀንዲ ዕላማ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ብስድራ ዄንካ ምምይያጥ ምግባር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ መደብ እዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኺገብሩ እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ

ነዛ እትስዕብ ሕቶ ተመያየጡላ፦

  • ነዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብኸመይ ክትትግብሮ ፈቲንካ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 114ን ጸሎት