ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

CreativeDesignArt/DigitalVision Vectors via Getty Images

ንቕሑ!

ዓሌታዊ ማዕርነትሲ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዓሌታዊ ማዕርነትሲ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ዓሌታዊ ማዕርነት፡ ንብዙሓት ሰባት ዘይፍጸም ሕልሚ እዩ ዀይንዎም ዘሎ።

  •   “ዓሌትነት ንትካላትን ንማሕበራዊ መዋቕራትን ንመዓልታዊ ህይወት ኵሉ ሕብረተ ሰብን ይምርዝ ኣሎ። ቀንዲ ጠንቂ ዘይማዕርነት ኰይኑ ኣሎ።”—ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።

 እሞ ደኣ ዓሌታዊ ማዕርነትሲ እምበርዶ ኺብጻሕ ይከኣል እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ብዛዕባ ዓሌታዊ ማዕርነት ዘለዎ ኣረኣእያ

 ኣምላኽ፡ በበይኑ ዓሌት ንዘለዎም ሰባት ብኸመይ ከም ዚርእዮም መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ።

  •   “[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:26

  •   “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

 ኵሎም ሰባት ካብ ሓደ ሰብ ከም እተወልዱን ኣምላኽ ንዅሉ ዓሌት ከም ዚቕበልን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

ዓሌታዊ ማዕርነት ብኸመይ ከም ዚመጽእ

 እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዓሌታዊ ማዕርነት ከተምጽእ እያ። እታ መንግስቲ እቲኣ ንሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ኺህልዎም ዚግባእ ግቡእ ርክብ ክትምህር እያ። ሰባት ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ዓሌትነት ብኸመይ ከም ዜወግድዎ ኺምሃሩ እዮም።

  •   “ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ [ኺምሃሩ] እዮም።”—ኢሳይያስ 26:9

  •   “ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ናይ ሓቂ ጽድቂ ድማ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 32:17

 ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ንኻልኦት ብኣኽብሮት ብዛዕባ ምሓዝ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምሃሩ ኣለዉ።