መዝሙር 92
ንስምካ እትኸውን ቤት
-
1. ዓብዪ ኽብሪ’ዩ፡ ኦ የሆዋ፡
ቤት ምህናጽ ንዓብዪ ስምካ።
ብታሕጓስ ንውፍያ’ለና፡
ንኽብርኻ፡ ንዝናኻ።
’ንህበካ ዘበለ ዅሉ፡
ዝመጸና’ዩ ኻብ ኢድካ።
ጕልበትና፡ ሞያና፡ ጥሪትና፡
ተሓጒስና ንህበካ።
(ኣዝማች)
እዛ ቤት ትኹን ንዓኻ፡
ዚውደሰላ ስምካ።
ነዛ ቤት ንውፍየልካ፡
ክትከውን ነምልኾኻ።
-
2. ’ዛ ቤት ክትመልእ’ዩ ትምኒትና፡
ብዜማ፡ ብውዳሰኻ፣
መገድኻ ኻብ ዚምሃሩ፡
ብዚዓርግ ንኽብርኻ።
ነዛ እነምልኸላ ቦታ፡
ክንከናኸና ኢና።
ምስክር ኰይና ትቝመልና፣
’ትድግፍ ንመልእኽትና።
(ኣዝማች)
እዛ ቤት ትኹን ንዓኻ፡
ዚውደሰላ ስምካ።
ነዛ ቤት ንውፍየልካ፡
ክትከውን ነምልኾኻ።
(1 ነገ. 8:18, 27፣ 1 ዜና 29:11-14፣ ግብ. 20:24 እውን ርአ።)