መዝሙር 161
ምግባር ፍቓድካ’ዩ ደስታይ
1. ብማይ ምስ ተጠምቀ ወድኻ፡
ልቡ ምስ ተመልአ ቓልካ፡
ተንሲኡ ኺፍጽም ፍቓድካ፡
ኣንቂዱ ኬኽብረካ፣
ከቶ ’ይወጸን ካብ ሕግታትካ፡
ቀናእ እንድዩ ንስምካ፡
ኣነ’ውን ክገብር እጃመይ፡
ከኽብረካ’ዩ ባህገይ።
(ኣዝማች)
ምግባር ፍቓድካ’ዩ ደስታይ፡
እንሀልካ ሓይለይ፡ ልበይ፣
ኣየ ሓጐስ ንኣእጋረይ፡
ብርሃንካ ’ንድዩ መገደይ።
ምግባር ፍቓድካ’ዩ ደስታይ፡
’ወ ርግጽ’ዩ፡ ድሙቕ ተስፋይ፣
ተፍቅረኒ፡ እሞ ንዓይ፡
ውዳሰኻ’ዩ ሸቶይ፡
’ወ ’ዩ ደስታይ።
2. ንዓኻ ምፍላጠይ የሆዋ፡
ሓጐስ መሊኡ’ሎ ውሽጠይ፡
ኣይክኽውሎን’የ ጽድቅኻ፡
ኣይሓብኦን’የ ኣብ ልበይ።
ከዘንቱ’የ ዅሉ ግብርኻ፡
ሓቢረ ምስ ኣሕዋተይ፡
ብስምካ ዝጽዋዕ ምዃነይ፡
ዓብዪ ኽብሪ’ዩ ንዓይ።
(ኣዝማች)
ምግባር ፍቓድካ’ዩ ደስታይ፡
እንሀልካ ሓይለይ፡ ልበይ፣
ኣየ ሓጐስ ንኣእጋረይ፡
ብርሃንካ ’ንድዩ መገደይ።
ምግባር ፍቓድካ’ዩ ደስታይ፡
’ወ ርግጽ’ዩ፡ ድሙቕ ተስፋይ፣
ተፍቅረኒ፡ እሞ ንዓይ፡
ውዳሰኻ’ዩ ሸቶይ፡
’ወ ’ዩ ደስታይ።
ፍቓድካ’ዩ ደስታይ።