መዝሙር 125
‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’
(ማቴዎስ 5:7)
-
1. መሓሪ’ዩ ያህ ኣምላኽና፣
ካብ ልቡ’ዩ ዚምሕረና፣
ወትሩ ሰናይ ይገብረልና፣
ይህበና እንጌራና።
ንዚንስሑ ይምሕሮም፣
ይሰምዖ ንልማኖኦም።
ሓመድ ምዃንና ይዝክር፣
ስለዚ ድማ ይምሕር።
-
2. ከም ሰብ መጠን ’ተ ሓጢእና፡
ሕድገት ክንልምን ከለና፡
የሱስ ነዚ ምሂሩና፡
’ታይ ከም ’ንብል ኣብ ጸሎትና፣
“ከም ዝሓደግናሎም ንሕና፡
በደልና ’ባ ሕደገልና፡”
ኢልና በደል ’ተ ሓዲግና፡
ሰላም ይኸውን ህይወትና።
-
3. ንሰብ ክንምጽውት ከለና፡
ንሃብ ደኣ ኻብ ልብና፣
ኣይንግበሮ ንኽንውደስ፣
ንሃብ እምበር ከነሐጕስ።
ኣምላኽ ድማ ነዚ ርእዩ፡
ብግህዶ ኪኽሕሰና’ዩ።
’ወ ሕጉሳት’ዮም መሓርቲ፣
ኣብ ቅድሚ ያህ ተፈተውቲ።
(ማቴ. 6:2-4, 12-14 እውን ርአ።)