መዝሙር 12
የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ
-
1. ዓብዪ ኣምላኽና፡ ስምካ የሆዋ፡
ብሓይሊ ዀነ ጥበብ
መዳርግቲ ዘይብልካ፣
ፈቃር፡ ፍትሓዊ፡ ሰናይ ኢኻ’ሞ፡
ውዳሰና ይብጻሕካ።
-
2. ኣየ ለውሃትካ ኽንደይ ይጥዕም!
ሓመድ’ኳ ኽነስና፡
ኵሉ ሳዕ ትሓልየልና፣
ትሕብሕበና፡ ተስተምህረና፡
ትሰምዖ’ውን ጸሎትና።
-
3. ሰማይን ምድርን ይዝምሩልካ።
ልዕል ነብለካ’ና
ድምጽና ዓው ኣቢልና።
ዓብዪ ኣምላኽና፡ ስምካ የሆዋ፡
ተቐበል ውዳሰና።
(ዘዳ. 32:4፣ ምሳ. 16:12፣ ማቴ. 6:10፣ ራእ. 4:11 እውን ርአ።)