መዝሙር 11
ፍጥረት ንኣምላኽ ይውድሶ
(መዝሙር 19)
-
1. ኦ ኣምላኽና፡ ድንቂ’ዩ ግብርኻ፣
ሰማያት’ውን ይነግር ክብርኻ።
ኵሎም ፍጥረት የውስኡ መልእኽቶም፣
ከይተሰምዐ ኣብ ኣእዛንና ቓሎም።
ኵሎም ፍጥረት የውስኡ መልእኽቶም፣
ከይተሰምዐ ኣብ ኣእዛንና ቓሎም።
-
2. ዚፈርሃካ ጥበብ’ዩ ዜጥሪ፣
ይልብም’ውን ብቓል ኰነ ግብሪ።
ትእዛዛትካ የለብም ንዅሉ፣
ብሉጽ እዩ ኣበር ዘይወጸሉ።
ትእዛዛትካ የለብም ንዅሉ፣
ብሉጽ እዩ ኣበር ዘይወጸሉ።
-
3. ትርጉም ህይወት ረኺብና ሳላኻ፣
ጥዑም ህይወት ንመርሕ ብቓልካ።
ክብሪ እዩ ምዃን ገላዉኻ፣
ከነበርክት ኣብ ምቕዳስ ስምካ።
ክብሪ እዩ ምዃን ገላዉኻ፣
ከነበርክት ኣብ ምቕዳስ ስምካ።