Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበርትርጕም ዘለዎ ህይወት ምንባር ይከኣል እዩ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምንባር ይከኣልዶ፧

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምንባር ይከኣልዶ፧

“ዕድሜና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝኅ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፥ እዚ ኸኣ ጻዕርን መከራን እዩ ዜምጽኣልና።”​—መዝሙር 90:10፡ ትርጕም 1990።

እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ምድሪ ዚወድቃ ኣይኰናን። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎና ህይወት፡ “ጻዕርን መከራን” ዝመልኦ እዩ። ምናልባት፡ ‘ንምዃኑ ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪርከብ ይከኣልዶ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ንኣብነት፡ ንማሪያ ንውሰድ። ኵሉ ሳዕ ኣዝያ ንጥፍቲ እያ ነይራ፣ ሕጂ፡ ኣብ 84 ዓመት ዕድሚኣ ግና፡ ዓዲ ውዒል ኰይና ኣላ። ኣእምሮኣ ንጡፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰብነታ ግና ጠሊምዋ እዩ። እዚ ዓይነት ህይወት እዚ እሞ ኸመይ ኢሉ እዩ ትርጕም ከም ዘለዎ ዀይኑ ኺስምዓ፧

ንዓኻ እውን ህይወትካ ትርጕም ዘለዎ እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዒሉካ ይኸውን። ስራሕካ ተደጋጋምን ኣድካምን ኣሰልካይን ኰይኑካ ይህሉ ይኸውን። ንእትገብሮ ጻዕሪ ወይ ስራሕ ብዙሓት ኣየቕልቡሉን ይዀኑ። እተወሰነ ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸብካ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ግና ትሰግእ ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ጽምዋ ወይ ጭንቀት ይስምዓካ ይኸውን። ናብራ ስድራ ቤትካ ግጭትን ባእስን ዝመልኦ ዀይኑ ይህሉ ይኸውን። እትፈትዎ ሰብካ ሞይቱካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣንድሬ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ኣቦኡ ኣዝዩ ይቀራረብ ነበረ፣ ግናኸ፡ ኣቦኡ ብሃንደበት ሓሚሙ ሞተ። ሽዑ፡ ኣንድሬ ኣዝዩ ሰምበደ፡ ኣብ ውሽጡ ኸኣ ፈጺሙ ኺመልኦ ዘይክእል ባዶነት ተሰምዖ።

ዜጋጥመና መከራ ብዘየገድስ፡ ሓደ ኽንፈልጦ እንህንጠዮ ነገር ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ‘ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምንባር ይከኣልዶ፧’ ዚብል እዩ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ህይወት እቲ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር ኣብ ምድሪ ዚነብር ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። የሱስ ብዙሕ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እዩ ነይርዎ። ንሕና እውን ኣብነቱ እንተ ስዒብና፡ ከምኡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪህልወና ይኽእል እዩ።