መጽሓፍ ቅዱስ ብመዓልታዊ ቛንቋ
“መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰብ እተላእከ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ እንተ ኣሚንካ፡ ኣምላኽ ሓሳቡ የመሓላልፈልና ኣሎ ማለት እዩ። . . . ሃይማኖትካ ንምሉእ ህይወትካ ዚጸሉ እንተ ዀይኑ፡ ቋንቋ [መጽሓፍ ቅዱስ] እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እንጥቀመሉ ኪኸውን ኣለዎ።” ኣለን ደቺ ዚብሃል ምሁር፡ ኣብታ ባይብል ትራንስሌሽንስ፦ ኤንድ ሃው ቱ ቹዝ ቢትዊን ዘም (ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኣየናዩ ድማ ከም እትመርጽ) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ጸሓፈ።
ኣፍቀርቲ ቓል ኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ምስዚ ይሰማምዑ እዮም። “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንትምህርትን ንመግናሕትን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን ከኣ ዚጠቅም” ምዃኑ ብጽኑዕ ይኣምኑ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ዜሰልኪ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንዜጋጥም ጸገማት ናይ ሓቂ ፍታሕ ዚህብ፡ “ህያውን ዚዓይን እዩ።” (እብራውያን 4:12) ኣንበብቲ እቲ ቕዱስ መጽሓፍ እቲ፡ ነቲ መልእኽቱ ተረዲኦም ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ግና፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ብዚዝረብ ቋንቋ ኪቐርብ ኣለዎ። ከመይሲ፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ እውን፡ በቲ ኸም እኒ ፕላቶ ዝኣመሰሉ ፈላስፋታት ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ክላሲካዊ ግሪኽኛ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝውቱር ዝነበረ ኪኒ ዚብሃል ግሪኽኛ እዩ ተጻሒፉ። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተራ ሰባት ኬንብብዎን ኪርድእዎን እዩ ተጻሒፉ።
ስለዚ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብእተፈላለየ ቛንቋታት ሓያሎ ዘመናዊ ትርጕማት ተዳልዩ እዩ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ ፍረ እዩ ዜፍሪ። ህዝቢ ብሓፈሻ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብቐሊሉ ኺረኽቦ ኽኢሉ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ኻብዚ ሓደስቲ ትርጕማት እዚ፡ ብዘይ ኣድልዎ ልክዕነትን ዘይተቐያያርነትን ኣይሓለወን። ንኣብነት፡ ገሊኡ ነቲ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን እንታይነት ነፍሲ ሰብን ስም ናይ ሓቂ ኣምላኽን ዚምልከት ንጹር ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሓብኦ እዩ።
እምበኣር፡ ኣፍቀርቲ ቓል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብትግርኛ ምውጻኡ ተሓጒሶም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እዚ ዘመናዊ ትርጕም እዚ ብ27 ጥቅምቲ 2012 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኸም ዝወጸ ኣፍሊጦም እዮም። ብሃይማኖታዊ እምነታት እተጸልወ ስለ ዘይኰነ፡ ልክዕነቱ ኣጸቢቑ ዝሓለወ እዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ጥንታዊ ቛንቋታት ዘይፈልጡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቈት ኺርድኡ መገዲ ኸፊቱሎም ኣሎ። ግናኸ፡ ‘ነዚ ዜደንቕ ትርጕም እዚ መን እዩ ኣዳልይዎ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቡ ተርጐምቲ
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ንተዛረብቲ ቛንቋ ትግርኛ ሓድሽ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ትርጕም እዚ ግና ካብ 1950 ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዎች ታወር ባይብል ኤንድ ትራክት ሶሳይቲ ብዚብሃል ኣብ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኣህጉራዊ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብእንግሊዝኛ ወጺኡ። ኣርእስቲ እዚ ሓድሽ ትርጕም እዚ፡ ካብቲ “ብሉይ ኪዳን”ን “ሓድሽ ኪዳን”ን ዚብል ልሙድ ኣከፋፍላ ኣመና እተፈልየ ምዃኑ፡ ሓደ ኻብቲ ፍሉይ ዚገብሮ ሓያሎ መገድታት እዩ። ናይ 15 መስከረም 1950 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኸምዚ በለት፦ “እቶም ነቲ ኮሚተ ትርጕም ዘቘሙ ሰባት . . . ስማቶም ኪጥቀስ ከም ዘይብህጉ ሓቢሮም፡ ብህይወት ከለዉ ዀነ ምስ ሞቱ ስማቶም ኣብቲ ጽሑፍ ኪሕተም ከም ዘይደልዩ ብንጹር ገሊጾም እዮም። ዕላማ እቲ ትርጕም ንስም እቲ ህያው ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክብ ንምባል እዩ።”
ድሕርዚ፡ ኒው ዎርልድ ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ ዚብሃል ኣብ ሓደ ጥራዝ እተሓትመ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1961 ወጸ። ስማት እቶም ተርጐምቱ ኽሳዕ ሎሚ እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ውሽጣዊ ድራኸኦም ወይ ዕምቈት ተወፋይነቶም ግና ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ፡ መእተዊ እቲ ናይ 1984 ሕታም ከምዚ በለ፦ “ቅዱሳት ጽሑፋት ምትርጓም ኪብሃል ከሎ፡ ሓሳብን ቃልን የሆዋ ኣምላኽ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም ማለት እዩ። . . . እቶም ነቲ መለኮታዊ ደራሲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚፈርህዎን ዜፍቅርዎን ተርጐምቲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንሓሳባትን መግለጺታትን ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ብልክዕ ኬመሓላልፍዎ ፍሉይ ሓላፍነት ይስምዖም እዩ።”
ኣባላት እቲ ኮሚተ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም ምዕያዮም ከም ዘለዎ ዀይኑ፡ ንምዃኑ ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ብቕዓት ነይርዎም ድዩ፧ ገሊኦም ባህ ዘይበሎም ምሁራት፡ ስማትን ኣካዳምያዊ ብቕዓትን እቶም ተርጐምቲ ኽሳዕ ዘይተገልጸ፡ እዚ ትርጕም እዚ ኸም ዕዮ ዘይብቑዓት ጌርካ ኺርአ ኸም ዘለዎ ይማጐቱ እዮም። ከምዚ ዓይነት ዘይሚዛናዊ መትከል ዝሓዙ ግና፡ ኵሎም ምሁራት ኣይኰኑን። ንኣብነት፡ ኣለን ደቺ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እቶም ተርጐምቲ ወይ ሓተምቲ ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ መን ምዃኖም ምፍላጥና፡ እቲ ትርጕም ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ንኽንውስን ይሕግዘና ድዩ፧ ብቐጥታ ኣይሕግዘናን እዩ። ባህርያት ነፍሲ ወከፍ ትርጕም ምምርማር፡ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ እዩ።” *
ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣንበብቲ፡ ከምኡ እዮም ገይሮም። ሎሚ፡ ልዕሊ 173,865,633 ቅዳሓት ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ109 ቋንቋታትን ብ4 ብረይልን ኣብ ብዘላ ዓለም ተሓቲሙ ኣሎ። እሞኸ ኣንበብቱ ኸመይ ኰይኑ ረኺቦምዎ፧
ንስም ኣምላኽ ዚቕድስ ትርጕም
ኣብ ማቴዎስ 6:9፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። ግናኸ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ትርጕማት፡ ኣምላኽ በቲ “እግዚኣብሄር፡” “ኣምላኽ፡” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርጋት ስለ እተተክአ፡ ስም ዘይብሉ ዀይኑ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን። ኣምላኽ ኣብ በዅሪ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ በቲ “የሆዋ” ዚብል ብሕታዊ ስሙ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ብንጹር ተጸዊዑ ነይሩ። (ዘጸኣት 3:15፡ NW፣ መዝሙር 83:18፡ NW) ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣይሁድ ብሰንኪ ማሪታዊ ፍርሂ ነቲ መለኮታዊ ስም ምጥቃም ኣቋረጹ። ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ፡ እዚ ማሪታዊ ኣረኣእያ እዚ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ጸለዋ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1 ኣረኣኢ) ቀዳሕቲ እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ በቲ ኪሪዮስን ቴኦስን ዚብል፡ “ጐይታ”ን “ኣምላኽ”ን ዚትርጕሙ ቓላት ግሪኽኛ ኺትክእዎ ጀመሩ።
እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ናብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (“ሓድሽ ኪዳን”) ብምምላስ፡ ብትብዓት ስጕምቲ ወሲዱ ኣሎ፣ እቲ ስም እቲ ኸኣ ኣብቲ ትርጕም እቲ 237 ሳዕ ይርከብ። እዚ ናይ ምምላስ ተግባር እዚ፡ ብቓሕታ እቶም ተርጐምቲ ዘይኰነስ፡ ተጠንቂቕካ ኣብ እተገብረ ጽቡቕ መጽናዕቲ እተመርኰሰ እዩ። ንኣብነት፡ ሉቃስ 4:18 ካብ ኢሳይያስ 61:1 እያ እትጠቅስ። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ፡ ስም የሆዋ ኣብታ ኣብ ኢሳይያስ እትርከብ ፍቕዲ ኣሎ። * ስለዚ፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንሉቃስ 4:18፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ” ብምባል ብግቡእ ተርጒምዋ ኣሎ።
ከምዚ ዝበለ ኣተራጕማ፡ ኣንበብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ኻብቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንኺፈልይዎ ይሕግዞም እዩ። ንኣብነት፡ ሓያሎ ትርጕማት ንማቴዎስ 22:44፡ “ጐይታ ንጐይታይ፡ . . . በሎ” ኸም እትብል ገይሩ እዩ ዚትርጕማ። ግናኸ፡ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ መን ንመን እዩ ዚዛረቦ ነይሩ፧ ከም ሓቂ፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ኻብ መዝሙር 110:1 እያ ተጠቒሳ፣ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ኸኣ፡ መለኮታዊ ስም ኣለዋ። ስለዚ፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “የሆዋ ንጐይታይ፡ ‘ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ዚገብሮ ፍልልይ ምርዳእና፡ ናይ ኣካዳምያዊ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። (ማርቆስ 13:32፣ ዮሃንስ 8:17, 18፣ 14:28) ኣብ ድሕነት ሰባት ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ግብሪ ሃዋርያት 2:21፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ” እያ እትብል።
ልክዕነትን ንጹርነትን
ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሉጽ ዚገብሮ ኻልእ መዳያት እውን ኣሎ። ከም መሰረት እዚ ትርጕም እዚ ኪኸውን እተሓርየ፡ እቲ ኣጸቢቑ እተጻረየ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ መበቈላዊ ጽሑፍ ግሪኽኛ እዩ። ነቲ በዅሪ ግሪኽኛ ብቐሊልን ዘመናውን ቋንቋ ብልክዕን ቃል ብቓሉን ንምትርጓም ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። እዚ ኣተዓይያ እዚ፡ ንመብዛሕትኡ ላዛን መቐረትን እቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚዕቀብ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ንዝሰፍሐ ምስትውዓል መገዲ ኸፊቱ እዩ።
ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1 ዚርከብ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን [ወይ ዓለማውያን መንግስትታት] ይገዝኣዮም” ኢሉ እተማሕጸነሉ ሓሳብ ንውሰድ። ሓያሎ ትርጕማት፡ ብዛዕባ እዞም መንግስትታት እዚኦም፡ “ብኣምላኽ እተቐብኡ” ወይ “ብኣምላኽ እተሾሙ” ይብል እዩ። (ኪንግ ጄምስ ቨርሽን፣ ጀሩሳሌም ባይብል) ገሊኦም ነገስታት መለኽቲ ንምዃን፡ በዛ ጥቕሲ እዚኣ ተጠቒሞም እዮም። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ቃል ብቓሉን ብልክዕን ንምትርጓም ጻዕሪ ብምግባሩ ግና፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም” ብዚብል እያ ተተርጒማ። * እምበኣር፡ ኣምላኽ ንዓለማውያን ገዛእቲ ብብሕቲ ዚሓርዮም እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ በቦታኦም ኪስርዑ ኸም ዚፈቅድ፡—ወትሩ ኸኣ ቦታኦም ትሕቲኡ ምዃኑ፡—ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።
ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ ኣብ ግስታት ግሪኽኛ ዘሎ ደቂቕ ፍልልያት እውን ኬመሓላልፎ ይጽዕር እዩ። ኣብ ሓያሎ ዘመናዊ ቛንቋታት፡ ግስታት ነቲ እቲ ግሲ እተገብረሉ እዋን፡ ማለት ሕሉፍ፡ ህሉው፡ ወይ መጻኢ፡ ኬመሓላልፍ ይጽዕር እዩ። ኣብ ግሪኽኛ፡ እቲ ግስታት፡ እንታይ ዓይነት ተግባር ከም እተገብረ፡ ማለት ህሞታዊ፡ ውዱእ፡ ወይ ቀጻሊ ምዃኑ እውን ይገልጽ እዩ። ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ ቃላት የሱስ እስከ ንርአ። እታ “ድለዩ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቀጻሊ ተግባር ትሕብር እያ። ስለዚ፡ ቃላት የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ምሉእ መልእኽቲ፡ ኣብቲ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ዚብል ኣተራጕማ ጐሊሑ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ማቴዎስ 7:7፡ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።—ሮሜ 1:32፣ 6:2፣ ገላትያ 5:15 እውን ርአ።
ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንወሳኒ ቓላት ከይቀያየረ ብሓደ ንምትርጓም ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር እዩ። ንኣብነት፡ እታ ፕሲኺ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ኵሉ እቲ እትርከበሉ ቦታ “ነፍሲ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ስለዚ፡ ነፍሲ ኸምቲ ሃይማኖታዊ ኽልሰ ሓሳባት ዚብሎ ዘይኰነትስ፡ መዋቲት ምዃና፡ ኣንበብቲ ቐልጢፎም ኬስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 2:20፣ ማርቆስ 3:4፣ ሉቃስ 6:9፣ 17:33።
ቃል ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ምዝርጋሕ
ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብትግርኛ ምውጻኡ፡ ናይ መጀመርታ ዕዮ ጥራይ እዩ። ብእዋኑ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም መደባት ተገይሩ ኣሎ። እቲ ብትግርኛ ዝወጸ ትርጕም፡ ማዕረ እቲ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ልክዕነትን ዘይተቐያያርነትን ዝሓለወ ኸም ዝዀነ፡ ኣንበብቲ ኺተኣማመኑ ይኽእሉ ድዮም፧
እወ፡ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ እዚ ዕዮ ትርጕም እዚ፡ ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጥብቂ ቝጽጽር ይግበረሉ እዩ። ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዚዳሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ብጕጅለ ኺዕየ ኸም ዚግባእ ምውሳኑ፡ ጥበባዊ መገዲ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከባ ሓያሎ ሃገራት፡ ጕጅለታት ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ቈይመን እየን። ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከኣ፡ ነዘን ጕጅለታት ንምሕጋዝን ሕቶታተን ንምምላስን ኣብ መንጎ እቲ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ዚዳሎ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ስኒት ከም ዚህሉ ንምግባርን፡ ኣገልግሎት ትርጕም ዚብሃል ክፍሊ ቘይሙ እዩ። ብተወሳኺ፡ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ፕሮግራም ኮምፕዩተር ተዳልዩ እዩ። ትርጕም ብዙሕ ጻዕሪ ዜድልዮ ዕዮ ምዃኑ ኺርሳዕ የብሉን። ግናኸ፡ ኮምፕዩተር ኣብቲ ዕዮ እቲ ምእታዉ፡ ነቲ ጕጅለታት ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኪወቕዓኦ ዚደልያ ልዑል ሸቶ፡ ማለት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከም ናይ እንግሊዝኛ ልክዕነቱን ዘይተቐያያርነቱን ከም ዚሕሉ ጌርካ ንምዕያይ ይሕግዝ እዩ። ሓደ ኻብቲ እዚ ብኮምፕዩተር ዚግበር ዕዮ ዚገብሮ ደገፍ፡ ነፍሲ ወከፍ ቃል እብራይስጥን ግሪኽኛን ኣብ እንግሊዝኛ ብኸመይ ከም እተተርጐመ ምሕባር እዩ፣ እዚ ድማ ተርጐምቲ ብቛንቋኦም ቃላት ኪመርጹ ኸለዉ፡ ብዙሕ ይሕግዞም እዩ።
እዚ ኣሰራርሓ እዚ ዕዉት ምዃኑ፡ ካብ ውጽኢቱ ብንጹር ኪርአ ይከኣል እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ክትምርምሮ ንምሕጸነካ። ካብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ፍሉይ መለለዪኡ ኽትፈትዎ ኢኻ። ንጹርን ተነባብን ፊደላት፡ ፍሉጥ ፍቕድታት ብቐሊሉ ኽትረክብ ዚሕግዝ ኣርእስትታት፡ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ ካርታታት፡ ከምኡ ድማ መሳጢ መመላእታ ጽሑፍ ሒዙ ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብመዓልታዊ ቛንቋ ኸም ዜመሓላልፍ ተኣማሚንካ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ።
^ စာပိုဒ်၊ 9 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገበር እቲ ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል፡ መወከሲ ሕታም (1971)፡ ከምዚ ዚብል ኣሎ፦ “ቃል ኣምላኽ ብገዛእ ርእሱ ብቕዓቱ ኺግምገም ከም ዘለዎ ስለ እንኣምን፡ ንመወከሲ ወይ ንመማሕጸኒ ኢልና ስም ዋላ ሓደ ምሁር ኣይተጠቐምናን።”
^ စာပိုဒ်၊ 13 እቲ ሓድሽ ኪዳን ዚብሃል ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኺጠቅስ ከሎ፡ ከም መሰረት ገይሩ እተጠቐመሉ፡ ነቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እዩ። እቲ ጸኒሑ እተረኽበ ቕዳሓት ሰብዓ ሊቃናት መለኮታዊ ስም ስለ ዘይብሉ፡ ብዙሓት ምሁራት፡ እቲ ስም እቲ ኻብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኼልግስ ከም ዘለዎ ይማጐቱ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘ ቕዳሓት ሰብዓ ሊቃናት፡ ስም የሆዋ በቲ በዅሪ እብራይስጢ ፊደላት ሒዙ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ንምምላስ፡ ሓያል ደገፍ ይኸውን።
^ စာပိုဒ်၊ 17 ኤ ማኑዋል ግሪክ ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ብጂ. ኣቦት-ስሚዝ፡ ከምኡ ድማ ኤ ግሪክ-ኢንግሊሽ ለክሲኮን ብሊደልን ስኮትን ርአ። ብመሰረት እዝን ካልእ ዜተኣማምን ምንጭታትን፡ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ተር ምባል፡ ኣብ ቦታኡ ምስራዕ” ማለት እያ።