ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጻኢኻ ዕዉት ንኪኸውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ብኸመይ፧

መጻኢኻ ዕዉት ንኪኸውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ብኸመይ፧

መጻኢኻ ዕዉት ንኪኸውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ብኸመይ፧

ኣብ ህይወትካ ብሓቂ ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሓደ ኻብቲ ዕዉት ክትኰነሉ እትኽእል መገድታት፡ እቲ ሕጂ እትገብሮ ውሳነታት ውዒሉ ሓዲሩ እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ብምሕሳብ እዩ።

ምናልባት ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኺጠቕመካ ዚኽእል ውሳነታት ምግባር ኬጸግመካ ይኽእል ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት፡ ነቲ ዚደልይዎ ነገራት ብኡብኡ ኺረኽብዎ እዮም ዚደልዩ። ንኣብነት፡ ንምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ኣብ ስድራ ቤትካ ድልዱል ርክብ ንኺህሉ ኸም ዚሕግዘካ ትፈልጥ ትኸውን። (ኤፌሶን 5:22–6:4) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብስራሕን ብመዘናግዕን ንኽትወሓጥ ዜጋጥመካ ጸቕጢ ብምቅዋም፡ ምስ ስድራ ቤትካ ግዜ ኸተሕልፍ ኣሎካ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሕ መዳይ ህይወትካ እትገብሮ፡ ወይ ነቲ ንሓጺር እዋን ዚጸንሕ ዕግበት፡ ወይ ከኣ ነቲ ኣብ መጻኢ እትረኽቦ ዓወት ክትመርጽ ኣሎካ። ጥበብ ዝመልኦ መገዲ ንኽትመርጽ ዜኽእለካ ብርታዐ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

1 ውሳነኻ ኺህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ውጽኢት ሕሰብ

ውሳነ ኽትገብር ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ኺህልዎ ዚኽእል ውጽኢት ኣብ ክውንነት ተመርኲስካ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) ነቲ ውሳነኻ ኺህልዎ ዚኽእል ሳዕቤን ብቕንዕና እንተ ሓሲብካሉ፡ ካብ ጐዳኢ መገዲ ንኽትርሕቕ ትድረኽ ትኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ውሳነኻ ውዒሉ ሓዲሩ ዜምጽኣልካ ጥቕሚ እንተ ሓሲብካ፡ ነቲ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ኬደልድለልካ ይኽእል እዩ።

ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦ ‘ውሳነይ ድሕሪ ዓመት፡ ድሕሪ 10 ዓመት፡ ወይ ድሕሪ 20 ዓመት፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ፧ ኣብ ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕናይከ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር፧ ንስድራ ቤተይን ነቶም ዝሓልየሎም ሰባትን ዚጸልዎም ብኸመይ እዩ፧’ ብፍላይ ግና፡ ‘ውሳነይ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧ ነቲ ምስኡ ዘሎኒ ዕርክነት ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ስለ እተጻሕፈ፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካን ብዛዕባ እቲ ዘየስተብሃልካሉ ሓደጋታት ኬጠንቅቐካን ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 14:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16

2 ነቲ ዘሎካ ኣማራጺታት መርምሮ

ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ዚገብሩ፡ ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ንዝገበርዎ ውሳነ ይቐድሑ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ መገዲ ህቡብ ስለ ዝዀነ ጥራይ፡ ናብ ዓወት ይመርሕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለዚ፡ ነቲ ዘሎካ ኣማራጺታት መርምሮ። ንናታሊ * እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ከምዚ በለት፦ “ጽቡቕ ሓዳር ኪህልወኒ እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣነባብራይ ግና ከምኡ ዓይነት ሓዳር ንኺህልወኒ ዚምሽእ ከም ዘይኰነ እፈልጥ ነበርኩ። ኣብ ኮሌጅ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኵሎም ፈተውተይ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ዝነበሮም መንእሰያት እዮም ነይሮም። ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ግና ሕማቕ ውሳነታት ይገብሩ ነበሩ። ዓሰርተ ሳዕ ድማ ዓርኪ ይሕዙ ነበሩ። ኣነ እውን ከምኦም ብዙሓት ኣዕሩኽቲ እሕዝ ነበርኩ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ስምዒታዊ ስቓይ ኣስዓበለይ።”

ናታሊ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። “ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሕጉሳት መንእሰያትን ድልዱል ሓዳርን ረኣኹ። ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ቀስ ብቐስ ኣነባብራይ ቀየርኩ” በለት። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ናታሊ፡ “ካብ ልበይ ምስ ዘድንቖ ሰብ እየ ኽምርዖ ዝደሊ ነይረ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ከማይ ዝእምነቱ ሰብ ተመርዓኹ። ኣምላኽ ካብቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ንላዕሊ ዚበልጽ ሓዳር ዝሃበኒ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ” በለት።

3 ኣርሒቕካ ጠምት

ንግዜያዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኽትቃለሶ፡ ናብ መጻኢ ኣርሒቕካ ኽትጥምትን ኣብኡ ኽትበጽሕ እትኽእለሉ መደብ ከተውጽእን ኣሎካ። (ምሳሌ 21:5) ኣብተን 70 ወይ 80 ዓመት ዝዀና ዕምሪ ደቂ ሰብ ጥራይ ኣይተተኵር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኸብካዮ ጌርካ ሕሰብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ፡ ደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡሉ መሰናድዎ ገይሩ ኸም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 6:23) ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዚምልከት ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽሞ ተመባጺዑ ኣሎ። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ኣብታ እንደገና ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም። (መዝሙር 37:11፣ ራእይ 21:3-5) ንስኻ እውን ኣርሒቕካ ትጥምት እንተ ዄንካ፡ ነቲ ተስፋ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

4 ሸቶኻ ኽትወቅዕ ጽዓር

ነቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ተስፋ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ፍልጠት ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽትረክብ ጽዓር። (ዮሃንስ 17:3) ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ እተመባጽዖ ነገራት ከም ዚፍጸም ንዘሎካ ምትእምማን ኬደልድሎ እዩ። ከምዚ ዓይነት እምነት ድማ፡ ስምረት ኣምላኽ ንኽትረክብ ዜኽእለካ ለውጥታት ንኽትገብር ኪድርኸካ እዩ።

ንማይክል እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ከምዚ በለ፦ “ወዲ 12 ኸለኹ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኸብዝሕን ሓሽሽ ክወስድን ጀመርኩ። ምስ ዓዋሉ እሓብር ስለ ዝነበርኩ፡ ቅድሚ ወዲ 30 ምዃነይ ክመውት እየ ዝጽበ ነይረ። እቝጣዕን እጭነቕን ስለ ዝነበርኩ፡ ብተደጋጋሚ ርእሰይ ክቐትል ፈተንኩ። ህይወት ዝያዳ ትርጕም ኪህልዋ እትስፎ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ነቲ ትርጕም ግና ክረኽቦ ኣይከኣልኩን።” ማይክል ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸሎ፡ ሓደ ኻብቶም ዓዋሉ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ማይክል እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተሰማምዐ።

ማይክል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃሮ ነገራት፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝነበሮ ኣረኣእያ ቐየሮ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣብ መጻኢ፡ ሰባት ብሰላምን ካብ ጭንቀት ናጻ ዀይኖምን ኣብታ ናብ ገነት እትቕየር ምድሪ ኸም ዚነብሩ ተመሃርኩ። ነዚ ተስፋ እዚ ኽረኽቦ ኸም ዝኽእል ገይረ ኸኣ ክሓስብ ጀመርኩ። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ናይ ምምስራት ሸቶ ኣውጻእኩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይኰነለይን። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ድሕሪ ምጅማረይ እውን እንተ ዀነ፡ ብብዝሒ ሰትየ እፈልጥ እየ። ምስ ሓንቲ ጓል እውን ጾታዊ ርክብ ፈጸምኩ።”

ማይክል ነቲ ዘጋጠሞ ዕንቅፋት ኪሰግሮን ኣነባብራኡ ኪቕይርን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ከምዚ በለ፦ “እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረኒ ዝነበረ ሓው፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብን ምስቶም ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ሰባት ክሓብርን ኣተባብዓኒ። እቲ ምስቶም ዓዋሉ ዝነበረኒ ርክብ ገና ይጸልወኒ ኸም ዝነበረ ኸኣ ተገንዘብኩ። ምሳታቶም ልክዕ ከም ስድራ ቤት እኳ እንተ ነበርና፡ ነቲ ርክብና ኣቋረጽክዎ።”

ማይክል ነቲ ንህይወቱ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ንኼሰማምዖ ዝገበሮ ሸቶ ንኺወቕዖ ዝሓገዞ ናይ ሓጺር እዋን ሸቶ ገበረ። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶኻን ነቲ ንዕኡ ንኽትወቕዖ ኺሕግዘካ ዚኽእል ስጕምትታትን ጽሓፎ። ነቶም ዚድግፉኻ ሰባት ከኣ ብዛዕባ ሸቶኻ ንገሮም፣ ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ዕቤት ኪሕብሩኻ ድማ ሕተቶም።

ካብ ሕጂ ጀሚርካ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃርን ንመምርሒኡ ኣብ ህይወትካ ኽትትግብሮን ጽዓር። ነቲ ንኣምላኽን ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ዘሎካ ፍቕሪ ንኸተዕብዮ ዜኽእለካ ስጕምትታት ውሰድ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተግባር ዜውዕሎ ሰብ ኪገልጽ ከሎ፡ “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ይብል እዩ።—መዝሙር 1:1-3

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።