ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምራሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ግዜኡ ዝሓለፎን ቀያድን ድዩ፧ ኣይፋልን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ካብዚ ዚስዕብ ነገራት እዩ ዚሰትረና፦

ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት

ዘይተደልየ ጥንሲ

ምብትታን ስድራ ቤት

ናይ ሕልና ስቓይ

ውርደት

እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ * በቲ ንሱ ዚህበካ ውህበት ክትሕጐስን ክትጥቀምን እዩ ዚደልየካ። እወ፡ ‘ዚጠቅም ኪምህረካ’ እዩ ዚደሊ። (ኢሳይያስ 48:17) ነቲ ንጾታዊ ጕዳያት ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚስዕብ ሰብ፡ እዚ ዚስዕብ ኪረክብ ይኽእል እዩ፦

ስምረት ኣምላኽ

ናይ ኣእምሮ ሰላም

ድልዱል ርክብ ዘለዋ ስድራ ቤት

ጽቡቕ ስም

ክብረት

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትምራሕ እንተ ዘየሊኻኸ፧ ኣነባብራኻ ኽትቅይር ትኽእል ዲኻ፧ ኣምላኽ በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እትገብሮ ዝነበርካ ነገራት ኪቐጽዓካ ድዩ፧

ሕስብ እሞ ኣብሎ! ገሊኣቶም ኣባላት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኣመንዝራታትን ዘመውትን ግብረ ሶዶም ዚገብሩን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ኣነባብራኦም ኪቕይሩ ስለ ዝመረጹ፡ ብዙሕ በረኸት ረኺቦም እዮም። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ሎሚ እውን ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ውልቀ ሰባት፡ ተመሳሳሊ ምርጫ ገይሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብ ፋሉል ናብራ ናጻ ኪዀኑ ኽኢሎም እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ምንባር ዜምጽኦ ጥቕሚ ተመኪሮምዎ እዮም። ነታ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ሳራ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ።

“ብኡብኡ እዩ እፎይታ ተሰሚዑኒ”

ሳራ፡ እቲ እትነብሮ ዝነበረት ፋሉል ናብራ፡ ከምቲ እተመነየቶ ዓይነት ናጽነትን ዕግበትን ከም ዘየምጽኣላ ተገንዘበት። ከምዚ በለት፦ “ሕልናይ ብመዓለም እተዓለመ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ተግባረይ ኣመና ኣሕፈረኒ፣ ከይጠንስ ወይ ዜስካሕክሕ ሕማም ከይሕዘኒ ድማ ፈራህኩ። ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዝነበረኒ እምነት ገና ኣይጠፍአን ነይሩ፣ ተግባረይ ከም ዜሕዝኖ ኸኣ እፈልጥ ነይረ እየ። ዝረሳሕኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ፡ እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ ኣዝዩ ደቘሰኒ።”

ኣብ መወዳእታ፡ ሳራ፡ ኣነባብራኣ ኽትቅይር ዜኽእላ ብርታዐ ረኸበት። ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዳ፡ ንኺሕግዝዋ ሓተተቶም። ካብቶም ኣብ ጉባኤኣ ዝነበሩ ብቑዓት ክርስትያን ሽማግለታት እውን፡ ሓገዝ ሓተተት። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “በቲ ወለደይን ሽማግለታት ጉባኤን ዘርኣዩኒ ለውሃትን ፍቕርን ኣዝየ እየ ተገሪመ። ብኡብኡ እዩ እፎይታ ተሰሚዑኒ” በለት።

ሕጂ ሳራ ኽልተ ደቂ ኣለውዋ። ከምዚ በለት፦ “ንደቀይ ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ ምርጫ ብግህዶ እየ ዝነግሮም። ንስርዓታት ኣምላኽ ሸለል ምስ በልክዎ ብዛዕባ ዘጋጠመኒ ነገራት ኪፈልጡ እደልዮም እየ። ደቀይ፡ ነቲ ንጾታዊ ርክብ ዚምልከት ስርዓታት ኣምላኽ ሓሊኻ ምንባር፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኺርድኡ እደሊ እየ። ኣምላኽ ንዓና ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዚህበና፡ ክንጕዳእ ስለ ዘይደሊ ምዃኑ ኣሚነ እየ።”

ንስኻ እውን ነቲ ፍቕራዊ መምርሒ ኣምላኽ እንተ ስዒብካ፡ ጥቕሚ ኽትረክብ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይመባጻዕ፦ “ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ነዒንቲ የብርሄን። . . . ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።”​—መዝሙር 19:8, 11 *

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 8 የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ ኣምላኽ ብሕታዊ ስም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 20 ብዛዕባ ግብራዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ ገጽ 4 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ኽትጽሕፍ ወይ ኣብቲ www.watchtower.org ዚበሃል ዌብ ሳይትና ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት፡ ስምዒታዊ ስቓይ የጋጥሞም

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚነብሩ ሰባት፡ ጽሩይ ሕልና ኣለዎም፣ ድልዱል ርክብ ዘለዋ ስድራ ቤት ከኣ ኣላቶም