ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ተካኢ ቕዱስ ጴጥሮስ” ድዩ፧
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ተካኢ ቕዱስ ጴጥሮስ” ድዩ፧
ብ2002 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነቲ ኣብ ሊምበርግ፡ ጀርመን ዝነበረ ጳጳስ ደብዳበ ጸሓፈሉ፣ እታ ደብዳበ፡ ነቲ እቲ ጳጳስ ምስ ምንጻል ጥንሲ ብዚተሓሓዝ ዝገበሮ ውሳነ እትልውጥ እያ ነይራ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንደብዳበኡ ኺጅምራ ኸሎ፡ “ከም ፍቓድ የሱስ ክርስቶስ፡ ድሕንነትን ሓድነትን ኵለን ኣብያተ ክርስትያን” ብሓላፍነት ከም ዚከታተል ገለጸ። ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን፡ “ተካኢ ቕዱስ ጴጥሮስ” ስለ ዝዀነ፡ ንውሳነ እቲ ጳጳስ ኪልውጦ ኸም ዚኽእል እውን ሓበረ።
ብመሰረት እቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ክርስቶስ ንቕዱስ ጴጥሮስ፡ ሓለቓ ዅሎም ሃዋርያት ገይሩ ሸይምዎ እዩ።” ብዘይካዚ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ “ክርስቶስ፡ ንጴጥሮስ ኣብቲ እተዋህቦ ስልጣን ብቐጻሊ ዚትክእዎ ሰባት ከም ዚህልዉ ገይሩ እዩ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ፡ ሮማውያን ጳጳሳት እዮም” ኢላ እያ እትኣምን።—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (2003)፡ 11ይ ጥራዝ፡ ገጽ 495-496።
እዚ ብቐሊሉ ዚርአ ጕዳይ ኣይኰነን። እቲ ዚብልዎ ብቑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕልኻ መርሚርካዮዶ፧ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር፦ (1) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጴጥሮስ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝዀነ ንዚገልጽ ሓሳብ ይድግፎ ድዩ፧ (2) ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ብተኸታታሊ ዝመጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ ይብል፧ (3) ባህርይን ትምህርትን እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ምስቲ ተካእቲ ጴጥሮስ ከም ዝዀኑ ዚገልጽዎ ሓሳብ ይሳነ ድዩ፧
ጴጥሮስ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድዩ ነይሩ፧
ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጴጥሮስ እተመስረተት ከም ዝዀነት ንምግላጽ፡ ነተን ኣብ ማቴዎስ 16:18 ዚርከባ፡ “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ” ዚብላ ቓላት የሱስ እዮም ዚጠቕሱ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጕልላት ብፊደላት ላቲን ተጻሒፈን ኣለዋ።
እቲ ሓደ ኻብቶም ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ዝነበሩ ኣበው ቤተ ክርስትያን ዝዀነ ኣጉስቲን፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጴጥሮስ ከም እተሃንጸት ገይሩ ይኣምን ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ፡ ብዛዕባ ቓላት የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ቐየረ። ኣብታ ሪትራክሽንስ እትበሃል መጽሓፉ ኸኣ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ወይ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ጴጥሮስ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሱስ እተሃንጸት ምዃና ገለጸ። *
ወንጌላት ንሃዋርያ ጴጥሮስ ኣጕሊሑ ኸም ዚጠቕሶ ዚከሓድ ኣይኰነን። የሱስ ካብ ኵሎም ሃዋርያቱ ንሰለስተ፡ ማለት ንዮሃንስን ንያእቆብን ንጴጥሮስን ምስኡ ሒዝዎም ናብ ፍሉይ ፍጻመታት ይኸይድ ነበረ። (ማርቆስ 5:37, 38፣ 9:2፣ 14:33) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ብሕድሪ ሂብዎ እዩ፣ ጴጥሮስ ከኣ ነዚ ተጠቒሙ፡ ፈለማ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን፡ ደሓር ንሳምራውያን፡ ቀጺሉ ኸኣ ንኣህዛብ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜእቱ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። (ማቴዎስ 16:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 41፣ 8:14-17፣ 10:45) ሕዉስ ስለ ዝነበረ እውን፡ ሓድሓደ ግዜ ንዅሎም ሃዋርያት ወኪሉ ይዛረብ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:14) እዚ ዅሉ ነጥብታት ግና፡ ንጴጥሮስ ርእሲ እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይገብሮ ድዩ፧
ገላትያ 2:8) ይኹን እምበር፡ ኣብ ከባቢ እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ዘሎ ሓሳብ፡ ጴጥሮስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ይመርሓ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ኣይኰነን። የግዳስ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ ንኣይሁድ ናይ ምስባኽ ግደ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ጴጥሮስ ‘ኣብቶም ግዙራት ከም ሃዋርያ’ ናይ ምዃን ሕድሪ ኸም እተዋህቦ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ጴጥሮስ ዓብዪ ሓላፍነት እኳ እንተ ተዋህቦ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃኑ ኸም እተዛረበን ንደቀ መዛሙርቲ ብደረጃ ጕጅለ ኺውስነሎም ከም ዝፈተነን ዚገልጽ ሓሳብ ኣይንረክብን ኢና። ኣብታ ንሱ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንርእሱ፡ “ሃዋርያ”ን “ሽማግለ”ን ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ።—1 ጴጥሮስ 1:1፣ 5:1።
ታሪኽ ብዛዕባ ኣጀማምራ ጵጵስና እንታይ ይብል፧
ጵጵስና መዓስን ብኸመይን እዩ ጀሚሩ፧ ሃዋርያት ገና ብህይወት ከለዉ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ጸብለል ኪብል ከም ዚኽእል ዚገልጽ ሓሳብ ሱር ይሰድድ ነበረ። እሞኸ ሃዋርያት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧
ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ሰባት፡ “ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ” በሎም፣ ትሕትና ኺዕጠቑ ኸኣ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 5:1-5) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ ካብ ውሽጢ እታ ጉባኤ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ” ሰባት ከም ዚትንስኡ ኣጠንቂቑ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:30) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ድማ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብታ መልእኽቱ፡ ንሓደ ድዮትሬፌስ ዚበሃል ወደ መዝሙር ኰነኖ። ስለምንታይ፧ ከምኡ ዝገበረሉ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ ሰብ ኣብታ ጉባኤ ‘ኣውራ ኪኸውን ይደሊ’ ስለ ዝነበረ እዩ። (3 ዮሃንስ 9) ካብ ሃዋርያት ዚመጽእ ዝነበረ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ፡ ነቶም ምርኡያት ኪዀኑ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ንግዜኡ ብምዕጋት፡ ከም መኸልከሊ ዀይኑ የገልግል ነበረ።—2 ተሰሎንቄ 2:3-8።
እቲ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ኻብ ዚመውት ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ገሊኣቶም ዝያዳ ምርኡያት እናዀኑ ኸዱ። ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ቅድሚ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን፡ ኣብ ሮሜ ኸም ‘ንጉስ’ ኰይኑ ንበይኑ ዜመሓድር ጳጳስ ምናልባት ኣይነበረን” በለት። ኣብ ሳልሳይ ዘመን፡ ጳጳስ ሮማ፡ ኣብ እተወሰና ኣብያተ ክርስትያን ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ገለጸ። * ጳጳስ ሮማ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ብዝያዳ ንምጕላሕ ከኣ፡ ገሊኣቶም ንስም እቶም ንጴጥሮስ ተኪኦም ስልጣን ዝሓዙ ሰባት ዚገልጽ ዝርዝር ኣዳለዉ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝርዝር ብዙሕ ጥቕሚ ኣይነበሮን። ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት፡ ገሊኡ ስማት ኪረጋገጽ ስለ ዘይተኻእለ እዩ። ብቐንዱ ግና፡ መሰረት እቲ ዝርዝር ጕድለት ነበሮ። ብኸመይ፧ እቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ዝነበረ ዓለማዊ ጽሑፋት፡ ጴጥሮስ ኣብ ሮሜ ይሰብኽ ከም ዝነበረ
እኳ እንተ ገለጸ፡ ርእሲ እታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ ግና የልቦን።ጴጥሮስ ርእሲ እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ኸም ዘይነበረ ዚሕብር ሓደ መርትዖ፡ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ዝጸሓፋ መልእኽቲ እያ፣ ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቲ፡ ስማት እቶም ኣብ ሮሜ ዚነብሩ ብዙሓት ክርስትያናት ጠቒሱ ነበረ። ንጴጥሮስ ግና ኣይጠቐሶን። (ሮሜ 16:1-23) ጴጥሮስ ርእሲ እታ ጉባኤ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ጳውሎስ ከይጠቐሶ ምሓለፈዶ፧
ጴጥሮስ ነታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈሉ። ኣብታ መልእኽቱ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሮሜ ተዛሪቡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ሽዱሽተ መልእኽቲ እኳ እንተ ጸሓፈ፡ ንጴጥሮስ ግና ፈጺሙ ኣይጠቐሶን።
ጳውሎስ ንመልእኽትታቱ ኻብ ዚጽሕፍ ኣስታት 30 ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ሰለስተ መልእኽትን መጽሓፍ ራእይን ጸሓፈ። ኰይኑ ግና፡ እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ምርእይቲ ምንባራ ኣይገለጸን፣ ንጴጥሮስ ተኪኡ ስልጣን ዝሓዘ መራሒ ኸም ዝነበረ እውን ኣይሓበረን። መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ታሪኻዊ መርትዖ፡ ጴጥሮስ ንርእሱ ናይ መጀመርታ ጳጳስ እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ኸም ዝገበራ ንዚሕብር ሓሳብ ኣይድግፎን እዩ።
ባህርይን ትምህርትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቲ ዚዛረብዎ ይሰማማዕ ድዩ፧
“ተካኢ ቕዱስ ጴጥሮስ”ን “ወኪል ክርስቶስ”ን ከም ዝዀነ ዚገልጽ ሰብ፡ ንባህርይን ንትምህርትን ጴጥሮስን ክርስቶስን ኪስዕብ ኢና እንጽበ። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ ብኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረሉ ተጸብዩዶ፧ ኣይፋሉን። ፍሉይ ኣኽብሮታዊ ኣቀባብላ ኺግበረሉ እውን ኣይፈቐደን። (ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26) የሱስከ፧ ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኬገልግል እምበር፡ ኬገልግልዎ ኸም ዘይመጸ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ብኣንጻሩ ግና፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ ስም እዮም ሓዲጎም፧ ምርኡይ ቦታን ዓብዪ መዓርጋትን ካብ ምድላይ ከምኡውን ብሃብቶምን ብሓይሎምን ካብ ምጅሃር ተቘጢቦምዶ፧
ጴጥሮስን የሱስን ብስነ ምግባር ጽፉፍ ናብራ ዚነብሩን ሰላማውያንን እዮም ነይሮም። ነዚ እስከ ምስቲ ኣብ ሌክሲኮን ፉወር ቴኦሎጊ ኡንት ኪርኽ (መዝገበ ቓላት ስነ ሃይማኖትን ቤተ ክርስትያንን) ዚበሃል ናይ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ዚርከብ፡ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዓስራይ ዚገልጽ ሓሳብ ኣረኣእዮ፦ “ሊዮ ዓስራይ ኣብ ፖለቲካ፡ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ኣብ ንግዳዊ ኣድልዎን ኣብ ክቡር ዓለማዊ ተድላን ስለ ዝጠሓለ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ኢልዎ ነበረ።” ካህን ካቶሊክን ፕሮፌሰር ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን ዝዀነ ካርል ኣሞን፡ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እስክንድር ሻድሻይ ዚገልጽ እተረጋገጸ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ፡ “ኣብ ሕሉፍ ቀይዲ በተኽነት፡ ኣብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ስልጣን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንስልጣን ብገንዘብ ኣብ ምሻጥን ኣብ ምዕዳግን፡ ከምኡውን ኣብ ርኽሰት” ይካፈል ከም ዝነበረ ሓበረ።
ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትከ፧ ምስ ትምህርቲ ጴጥሮስን ክርስቶስን ኪወዳደር ከሎ ኸመይ እዩ፧ ጴጥሮስ፡ ኵሎም ጻድቃን ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ኣይኣምንን እዩ ነይሩ። ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ብምጥቃስ፡ “ዳዊት . . . ናብ ሰማይ ኣይዐረገን” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:34) ሕጻናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም እውን ኣይመሃረን። የግዳስ፡ ጥምቀት ኪበሃል ከሎ፡ ሓደ ኣማኒ ብጥንቃቐ ሓሲቡ ዚወስዶ ስጕምቲ ምዃኑ እዩ ምሂሩ።—1 ጴጥሮስ 3:21።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምርኡያት ንኪዀኑ ኺጽዕሩ ኸም ዘይብሎም ኪምህሮም ከሎ፡ “እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዅሉን ግዙእ ኵሉን ይኹን” በሎም። (ማርቆስ 9:35) ቀቅድሚ ሙማቱ ኸኣ ንሰዓብቱ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ንጹር መምርሒ ሃቦም፦ “ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።” (ማቴዎስ 23:1, 8-10) እሞኸ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንትምህርቲ ጴጥሮስን ክርስቶስን ዝደገፍዎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧
ገሊኣቶም፡ ዋላ እውን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይክርስትያናዊ ናብራ ይንበር፡ ጵጵስና ኪቕጽል ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖም። እዚ ግና ርትዓዊዶ ይመስለካ፧ የሱስ፡ “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ” ኢሉ ነበረ። እሞኸ ነዚ ዅሉ መርትዖታት ድሕሪ ምምርማርካ፡ ጴጥሮስ ወይ ክርስቶስ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚፈርይዎ ዘለዉ ፍረ ዚተሓባበሩዶ ይመስለካ፧—ማቴዎስ 7:17, 18, 21-23።
[እግረ-ጽሑፋት]
^ ሕ.ጽ. 7 የሱስን ጴጥሮስን ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ንክርስቶስን ንግደኡን ኣብ ምልላይ ደኣ እምበር፡ ኣብቲ ጴጥሮስ ዚህልዎ ግደ ዘተኰረ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 16:13-17) ጴጥሮስ እውን እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብቲ ኸውሒ ዝዀነ የሱስ ከም እተሃንጸት ገሊጹ ነይሩ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:4-8) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ “እምኒ መኣዝን” ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ጴጥሮስ ዘይኰነስ፡ የሱስ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ኤፌሶን 2:20።
^ ሕ.ጽ. 14 የሱስን ሃዋርያትን፡ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብትምህርቲ ኽሕደት ዚብክልዋ ሰባት ከም ዚመጹ ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:3፣ 2 ጴጥሮስ 2:1፣ 1 ዮሃንስ 2:18) እታ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ወይ ጉባኤ፡ ኣረማዊ ልምድታት ክትቅበልን ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፍልስፍና ግሪኽ ክትሓዋውስን ምስ ጀመረት፡ እቲ መጠንቀቕታ ተፈጸመ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣብነት ጴጥሮስ ከም ዝሰዓቡ ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧