ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ኣብሊጹ ይርኢ ድዩ፧

ኣምላኽ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ኣብሊጹ ይርኢ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣምላኽ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ኣብሊጹ ይርኢ ድዩ፧

▪ ኣይርእን እዩ። “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡” መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ካብ ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ሓደ ዓሌት (መብዛሕትኡ እዋን ናቶም) ካብ ካልእ ከም ዚበልጽ እዮም ዚኣምኑ። እዚ ጠዋይ ኣተሓሳስባ እዚ ምስቲ ቻርለስ ዳርዊን ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ይሰማማዕ እዩ፣ ንሱ፡ “ኣብ መጻኢ፡ . . . እቶም ዝሰልጠኑ ዓሌት ደቂ ሰብ ነቶም . . . ዘይሰልጠኑ ዓሌት ብርግጽ ኬጽንትዎምን ኪትክእዎምን እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ዜሕዝን፡ ብዙሓት ሰባት ግዳይ እቶም ንዓሌቶም ኣብሊጾም ዚርእዩ ሰባት ኰይኖም እዮም።

ዓሌታዊ ጸብለልትነት ኣገዳሲ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ጂን ገሊኡ ዓሌት ካብ ናይ ካልእ ከም ዚበልጽ ብስነ-ፍልጠት ተረጋጊጹ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ብራየን ሳይክስ ዝስሙ ኽኢላ ስነ-ጂንን ፕሮፌሰር ኦክስፎርድን ከምዚ በለ፦ “ኣብ ጂን ጥራይ ተመርኲስካ፡ ቀቢላዊ ወይ ዓሌታዊ ምደባ ኽትገብር ኣይከኣልን እዩ። . . . ኵሉ ሳዕ ሰባት፡ ናይ ግሪኻዊ ዲ.ኤን.ኤ. ወይ ናይ ጣልያናዊ ጂን እንተ ኣልዩ ይሓትቱኒ እዮም፣ ከምኡ ዚበሃል ግና የልቦን። . . . ኵልና ናይ ቀረባ ኣዝማድ ኢና።”

እዚ ርኽበታት እዚ፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሰማማዕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ከም ዝፈጠረ፡ ካልኦት ደቂ ሰብ ድማ ካብኦም ከም ዝመጹ እዩ ዚምህር። (ዘፍጥረት 3:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓደ ዓሌት ጥራይ እዩ ዘሎ፣ ንሱ ኸኣ ዓሌት ደቂ ሰብ እዩ።

ንየሆዋ፡ ሕብሪ ቘርበት ወይ መልክዕ ኣየገድሶን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ነገር፡ ማለት ኣብ ምሳልያዊ ልብና ወይ ኣብ ውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዜተኵር። ንሱ፡ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ኢሉ ኣሎ። (1 ሳሙኤል 16:7) ነዚ ሓቂ እዚ ምዝካርና ኼተባብዓና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ዓሌትና ብዘየገድስ፡ መብዛሕትና ብኣካላዊ ትርኢትና ኣይንሕጐስን ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ክንልውጦ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቐንዲ ዜገድስ፡ ማለት ንሓሳብን ስምዒትን ልብና ኸነመሓይሾ ንኽእል ኢና። (ቈሎሴ 3:9-11) ብቕንዕና ርእስና እንተ መርሚርና፡ ንዓሌትና ኻብ ካልኦት ኣብሊጽና ወይ ኣትሒትና ኸም እንርኢ ንግንዘብ ንኸውን። ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ስለ ዘይቃዶ፡ ንኸነወግዶ ኽንጽዕር ኣሎና።​—መዝሙር 139:23, 24

ንርእስናን ንኻልኦትን ኣብ እንርእየሉ መገዲ ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኸነማዕብል እንተ ጽዒርና፡ የሆዋ ብርግጽ ኪሕግዘና እዩ። ቃሉ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ይብል። (2 ዜና መዋእል 16:9) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ዓሌትና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንዅላትና እዩ ዚምልከት።