ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧

ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧

ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። ኣምላኽ፡ እከይ ንኪቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት ኪለዓል ከሎ፡ ፈለማ እቲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኤድን ዝገበርዎ ሓጢኣት እዩ ዚብገስ። ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ኵሉ ይፈልጥ እዩ’ ኢሎም ስለ ዚሓስቡ፡ ኣምላኽ፡ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዘይእዘዝዎ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ ኣብ ዚብል መደምደምታ ይበጽሑ።

ኣምላኽ፡ እቶም ፍጹማት ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዚሓጥኡ ኣቐዲሙ ዚፈልጥ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እዚ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ፡ ንኣምላኽ ኣሉታዊ ባህርያት እዩ ዚልጥፈሉ፣ ፍቕርን ፍትሕን ቅንዕናን ዘይብሉ ኣምላኽ ከኣ እዩ ዚገብሮ። ገሊኦም ሰባት፡ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን፡ መወዳእታኡ ሕማቕ ምዃኑ ኣቐዲምካ ናብ ዚፍለጥ ነገር ከም ዚኣትዉ ምግባር፡ ከም ጭካነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣምላኽ ከምኡ እንተ ዚገብር፡ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል፡ በቲ ኣብ መላእ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዘጋጠመ እከይን መከራን ተሓታቲ ምዀነ ነይሩ። ገሊኦም ሰባት እሞ ኸኣ፡ ኣምላኽ ከምኡ እንተ ዚገብር፡ ከም ዓሻ ኸም ዚቝጸር ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

እሞኸ ኸምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ፡ የሆዋ ኸምኡ ዓይነት ኣምላኽ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጥረትን ባህርያትን የሆዋ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንመርምር።

“ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ”

እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:31) ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ተባሂሎም ፍጹማት ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። ዝዀነ ይኹን ጕድለት ኣይነበሮምን። ኣፈጣጥራኦም “ብዙሕ ጽቡቕ” ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዚደልዮም ብጽቡቕ ኣኻይዳ ኺመላለሱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። “ብመልክዕ ኣምላኽ” እዮም ተፈጢሮም። (ዘፍጥረት 1:27) ስለዚ፡ ከም ጥበብን ፍቕርን ፍትሕን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ተኽእሎ ነይርዎም እዩ። ነዚ ባህርያት እዚ ምንጽብራቕ፡ ዚጠቕሞምን ንሰማያዊ ኣቦኦም ዜሐጕስን ውሳነ ንኺገብሩ ኺሕግዞም ይኽእል ነይሩ እዩ።

የሆዋ ነዞም ፍጹማትን መስተውዓልትን ፍጡራት፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ንኼሐጕሱ ኸም ሮቦት ፕሮግራም ተገይሮም ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ካብ ልቢ ዚወሃበካ ህያብ ድዩ ዜሐጕሰካ ወይስ ብልምዲ ዚወሃበካ ህያብ፧ መልሱ ንጹር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣዳምን ሄዋንን ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዝዎ ነይሮም፡ ተኣዛዝነቶም ንዕኡ ዓብዪ ትርጕም ምሃለዎ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሮም ናይ ምምራጽ ተኽእሎ፡ ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኾም ኪእዘዝዎ ዜኽእሎም እዩ ነይሩ።—ዘዳግም 30:19, 20

ጻድቕን ፍትሓውን ለዋህን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ይገልጸልና እዩ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ንኣምላኽ ካብ ሓጢኣት ከም ዚርሕቕ እዩ ዚገብሮ። መዝሙር 33:5፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ” ትብል። (ትርጕም 1990) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ያእቆብ 1:13፡ “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ” ትብል። ኣምላኽ ብቕንዕናን ብሓልዮትን ተደሪኹ ንኣዳም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኣጠንቀቖ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ወይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወይ ከኣ ሞት ኪሓርዩ ምርጫ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። እሞኸ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዚህሉ ሕማቕ ውጽኢት እናፈለጠ፡ ሓጢኣት ከይፍጽሙ እንተ ዜጠንቅቖም ነይሩ፡ ግቡዝ ኣይምዀነንዶ፧ ኰይኑ ግን፡ የሆዋ “ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ” ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዜጋጥም እናፈለጠ፡ ኪገብርዎ ዘይክእሉ ምርጫ ኣይምሃቦምን።

የሆዋ ለውሃቱ ዓብዪ እዩ። (መዝሙር 31:19) የሱስ ብዛዕባ ለውሃት ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምብኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም” በለ። (ማቴዎስ 7:9-11) ኣምላኽ ንፍጡራቱ “ጽቡቕ” ነገራት ይህቦም እዩ። ኣፈጣጥራ ደቂ ሰብን እታ ኺነብሩላ እተፈጥረት ገነትን ናይዚ መረጋገጺ እዩ። እዚ ለዋህ ዝዀነ ልዑላዊ ገዛኢ፡ ከም እትጠፍእ እናፈለጠ ንፍጡራቱ ውቅብቲ መንበሪት ምሃቦምዶ፧ ኣይፋሉን። እምበኣር፡ እቲ ጻድቕን ለዋህን ፈጣሪና ብዕልወት ደቂ ሰብ ተሓታቲ ኣይኰነን።

“በይኑ ብዓል ጥበብ”

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ “በይኑ ብዓል ጥበብ” ምዃኑ እውን ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 16:26) ሰማያውያን መላእኽቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ደረት ዘይብሉ ጥበብ የሆዋ ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም። የሆዋ ምድራዊ ፍጥረታቱ ኺፈጥር ከሎ፡ ንሳቶም “እልል” በሉ። (እዮብ 38:4-7) እዞም መስተውዓልቲ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ ነቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ፍጻመታት ብዓብዪ ተገዳስነት ይከታተልዎ ኸም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። እሞኸ እቲ ጥበበኛ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ዜደንቕ ዩኒቨርስን ዜገርም ፍጥረታት ምድርን ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸም ዚወድቁ እናፈለጠ ኽልተ ፍሉያት ፍጡራት ኪፈጥርሲ ርትዓዊ ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት መደብ ምውጻእ፡ ርትዓዊ ኣይኰነን።

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘እቲ ብጥበቡ ደረት ዘይብሉ ኣምላኽ፡ እዚ ኸም ዜጋጥም ከመይ ገይሩ እዩ ኣቐዲሙ ዘይፈልጥ፧’ ይብሉ ይዀኑ። ሓደ መዳይ እታ ዓባይ ጥበብ የሆዋ፡ “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ምፍላጥ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 46:9, 10) ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀመሉ ዘየድልዮ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ እውን ግድን ኪጥቀመሉ ኣየድልዮን እዩ። የሆዋ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ብጥበባዊ መገዲ መሪጹ እዩ ዚጥቀመሉ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ ዅነታት እዩ ዚጥቀመሉ።

ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለትካ ኸይትጥቀመሉ ኽትመርጽ ከም እትኽእል፡ ንዘመናዊ ውጽኢት ተክኖሎጂ ኸም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሓደ እተቐድሐ ስፖርታዊ ውድድር ዚርኢ ሰብ፡ ንውጽኢት እቲ ውድድር ንምፍላጥ ነቲ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ንምርኣይ ኪመርጽ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ግድን ብእኡ ኺጅምር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ካብ ፈለማ ጀሚሩ ንብምሉኡ እቲ ውድድር ኪርእዮ እንተ ዚመርጽ፡ መን እዩ ዚወቕሶ፧ ብተመሳሳሊ፡ ፈጣሪ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዜጋጥም ኪርኢ ኸም ዘይመረጸ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምድራዊ ደቁ ብኸመይ ከም ዚመላለሱ ምእንቲ ኺርኢ፡ ኪጽበ እዩ መሪጹ።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ከም ሮቦት ፕሮግራም ገይሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም። የግዳስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። ንሳቶም ድማ ቅኑዕ መገዲ ብምምራጽ፡ ፍቕርን ሞሳን ተኣዛዝነትን ኬርእዩ፡ ንገዛእ ርእሶምን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝዀነ የሆዋን ከኣ ብዝያዳ ኼሐጕሱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—ምሳሌ 27:11፣ ኢሳይያስ 48:18

ኣምላኽ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኸም ዘይተጠቕመሉ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ንወዱ ኺስውእ ምስ ፈተነ፡ የሆዋ፡ “ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ” ኺብሎ ኸኣለ። (ዘፍጥረት 22:12) ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ብኣኻይዳ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ‘ዝጐሃየሉ’ እዋን ነይሩ እዩ። እንታይ ከም ዚገብሩ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ምጐሃየዶ፧—መዝሙር 78:40, 41፣ 1 ነገስት 11:9, 10

ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ብጥበቡ ደረት ዘይብሉ ኣምላኽ፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ኸም ዚሓጥኡ ንምፍላጥ፡ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኸም ዘይተጠቕመሉ ፍሉጥ እዩ። እንታይ ከም ዜጋጥም ኣቐዲሙ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ሰባት ኪፈጥር ዕሽነት እዩ።

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

ነቲ ኣብ ኤድን ዘጋጠመ ዕልወት ዘበገሶ፡ እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን እዩ፣ እቲ ዕልወት እቲ ኸኣ፡ ሓጢኣትን ሞትን ካልእ ሕማቕ ነገራትን ኣስዓበ። በዚ ኸምዚ፡ ሰይጣን፡ “ቀታል ነፍሲ” ዀነ። “ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።” (ዮሃንስ 8:44) ንሱ ንባዕሉ ሕማቕ ድራኸ ዘለዎ ኽነሱ፡ ነቲ ፈቃር ፈጣሪና ሕማቕ ድራኸ ኸም ዘለዎ ገይሩ ይጥቅኖ እዩ። ብሓጢኣት ደቂ ሰብ ተሓታቲ ንሱ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኸም ዝዀነ ገይሩ ብምግላጽ ንበደሉ ናብ ኣምላኽ እዩ ዜላግብ።

የሆዋ፡ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ኣቐዲሙ ኺፈልጥ ዘይመረጸ፡ ቀንዲ ብምኽንያት ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ፡ ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ እያ። ቀዳማይ ዮሃንስ 4:8፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ትብል። ፍቕሪ ድማ፡ ኣወንታዊት እምበር ኣሉታዊት ኣይኰነትን። ኣብ ጽቡቕ ጐድኒ ኸኣ እያ እተተኵር። እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ብሉጽ ህይወት ኪህልዎም እዩ ዚደሊ ነይሩ።

ምድራውያን ደቂ ኣምላኽ ዘይጥበባዊ ምርጫ ኺገብሩ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ግን፡ ነቶም ፍጹማት ፍጡራቱ ብዚምልከት፡ ኣሉታዊ ኣረኣእያ የብሉን፣ ወይ ከኣ ኣይጥርጥሮምን እዩ። ንህይወት ዜድልዮም ዘበለ ይህቦምን ብዚግባእ የዕጥቖምን እዩ። ስለዚ፡ ኪዓልዉ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ኪእዘዝዎ እንተ ተጸበየ ግቡእ እዩ። ከም ኣብርሃምን እዮብን ዳንኤልን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ዘይፍጹማት ሰባት እሙናት ስለ ዝነበሩ፡ ኣዳምን ሄዋንን እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

የሱስ፡ “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 19:26) እዚ ዜጸናንዕ ሓሳብ እዩ። ፍቕሪ የሆዋ ዀነ ኻልእ ከም ፍትሕን ጥበብን ሓይልን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ፡ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ንዅሉ ሳዕቤን ሓጢኣትን ሞትን ኬወግዶ ኸም ዚኽእል ውሕስነት ይዀነና እዩ፣ ብርግጽ ከኣ ኬወግዶ እዩ።—ራእይ 21:3-5

ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብ ሓዳር ከም ዚሓጥኡ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። በቲ ዘይተኣዛዝነቶምን በቲ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ መከራን እኳ እንተ ጐሃየ፡ እዚ ግዜያዊ ዅነታት ነቲ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባትን ብዚምልከት ዘውጸኦ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኸም ዘይዓናቕፎ ይፈልጥ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዕላማ እዝን ኪፍጸም ከሎ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእልን ስለምንታይ ብዝያዳ ዘይትምርምር፧ *

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 23 ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ከም ሮቦት ፕሮግራም ገይሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ፡ ኣዳምን ሄዋንን እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ