ናብ “ወሰን ምድሪ” እተገብረ ጕዕዞ
ካብ ሩስያ እተላእከት ደብዳበ
ናብ “ወሰን ምድሪ” እተገብረ ጕዕዞ
እታ ኻብ ያኩትስክ እተበገሰት ንእሽቶ ነፋሪትና፡ ኣብ ስንጭሮ ቱይማዳ ምስ በጽሐት ቀስ ብቐስ ብራኸ እናወሰኸት ከደት። ነቲ እተፈላለየ ቕርጽን ግዝፍን ዘለዎ ዝደስከለ ብዙሕ ቀላያት ንድሕሪት ሓዲግና፡ ብልዕሊ እቲ ጸሓይ ዚወቕዖ ዝነበረ ብበረድ እተሸፈነ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ቭየርኻይንስክ በረርና። ትሽዓተ ሚእቲ ኪሎ ሜተር ድሕሪ ምጕዓዝና፡ ኣብ ዲፑታትስኪ እትበሃል ቍሸት በጻሕና።
ናብዚ ያኩሻ እውን ዚበሃል ሪፓብሊክ ሳካ ንመጀመርታ እዋን እየ መጺአ፣ እዚ ቦታ እዚ ኻብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዚዓቢ ዀይኑ፡ ውቁብ ግን ከኣ ኣዝዩ ቘራሪ እዩ። ኣብቲ ቦታ ሃሩር ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ሙቐት 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ይበጽሕ፣ ዛሕሊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 70 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ይበጽሕ። ኣሰረ-ህይወት ናይቶም ካብ ዚጸንቱ ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ገዘፍቲ እንስሳታት እውን ይርአ እዩ። ናብቲ ቦታ እቲ ኻብ ዝኸይድ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ነቲ ብጽዑቕ ግመ እተሸፈነ ኸተማታት፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ዚርአ ሕብራዊ ባና ወይ ኣውሮራ፡ ከምኡውን ነቶም ሕጉሳትን ጸዋራትን ዝዀኑ ነበርቲ ያኩት ክሓስብ ከለኹ፡ ልክዕ ከም ትማሊ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።
ኣነን መገላግልተይን ነታ ዲፑታትስኪ እትበሃል ቍሸት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ኣቝሻት እውን ክንበጽሕ ኢና መዲብና ኔርና። ፈለማ ናብታ ኺር እትበሃል ብሸነኽ ሰሜን 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ላፕቲፍ ኣብ ሰሜናዊ ሳይበርያ እትርከብ ቍሸት ኢና ኼድና። ናብቲ ቦታ እቲ ኽንጐዓዝ ዝወሰንና ስለምንታይ ኢና፧ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብዘን ኣቝሻት መጺኡ ነበረ፣ ብዙሓት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኺመሃሩ ዚደልዩ ሰባት ከኣ ረኸበ። ኣስታት 1,000 ኪሎ ሜተር ርሒቕና ኣብ ያኩትስክ ስለ እንነብር፡ ናብኦም ዝቐረብና ንሕና ኢና ኔርና። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምትብባዕን ሓገዝን ዜድልዮም ኰይኑ ኸኣ ተሰምዓና።
ኣብ ዲፑታትስኪ ምስ በጻሕና፡ ናብ ኺር ይጐዓዝ ምስ ዝነበረ መራሕ ማኪና ተራኸብና፣ ሒደት ገንዘብ እንተ ኸፊልና ምስኡ ኸም ዚማልኣና ኸኣ ነገረና። ኣብ መጀመርታ ነታ ስርሓት ሶቭየት ዝዀነት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝነበረትን ዝኣረገትን ማኪናኡ ምስ ረኣናያ፡ ሰጋእ መጋእ በልና። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ኣብታ ምሸት እቲኣ ምስኡ ኽንከይድ ወሰንና። እንታይ ከም ዜጋጥመና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና።
ኮፍ መበሊ እታ ማኪና ልክዕ ከምቲ ዝነበርናሉ ብበረድ እተሸፈነ ቦታ ኣዝዩ ዝሑል ብምንባሩ፡ ከም ዘይመውቕ ንምፍላጥ ነዊሕ ኣይወሰደልናን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ማኪና ደው ኬብለልና ሓተትናዮ፣ ካብቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ሳንጣ ዜምውቕ ክዳን ኣውጺእና ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ተኸዲንናዮ ዝነበርና ደረብናዮ። ኰይኑ ግን፡ ዝገበርና እኳ እንተ ገበርና፡ ኪሞቐና ኣይከኣለን።
እቲ ተመክሮ ዝነበሮ መራሕ ማኪና ኣዝዩ ሕጉስ እዩ ነይሩ። ብሃንደበት ድማ “ኣውሮራ ርኢኹምዶ ትፈልጡ፧”
ኢሉ ሓተተና። ኣነ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ፡ ነታ ማኪና ደው ኣበላ፣ ቀስ ኢልና ኸኣ ወረድና። ንእተወሰነ ህሞት ነቲ ቝሪ ረሳዕናዮ። ነቲ ዚገላበጥን ውሪሕሪሕ ዚብልን እተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ብርሃን ምስ ረኣኹ፡ ተዓኒደ ተረፍኩ፣ እዚ ዜስደምም ትርኢት እዚ ብኢድና ኸነርክቦ እንኽእል እዩ ዚመስል ነይሩ።ገና ኸይወግሐ ኣብቲ ብበረድ እተሸፈነ ቦታ ኸለና፡ እታ ማኪና ኣብ በረድ ተሸኽለት። ነቲ መራሕ ማኪና ኻብቲ እተሸኽለትሉ ኼውጽኣ ሓገዝናዮ፣ ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ዓሚቝ በረድ ዝመልኦ ቦታ ኣቢልና ናብ ኺር ክንጐዓዝ ከለና እውን ብተደጋጋሚ ሓጊዝናዮ ኢና። እቲ እንኸደሉ ዝነበርና “መገዲ፡” ዝደስከለ ሩባታት ምዃኑ ዝፈለጥኩ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ እየ! ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ዲፑታትስኪ ኻብ እንነቅል ድሕሪ 16 ሰዓት፡ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኺር በጻሕና። ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ሰዓታት ብቝሪ ዝገበርናዮ ኣድካሚ ጕዕዞ ኽንሓምም እኳ እንተ ተጸበና፡ ንግሆ መንፈስና ተሓዲሱ ተንሳእና። ብሰሪ እቲ ቝሪ ግን ኣጻብዕ ኣእጋረይ ቍሩብ ደንዚዙ ነበረ። ነበርቲ እታ ቝሸት ድማ ንእግረይ ምእንቲ ኽደርዘሉ፡ ቅብኣት ሃቡኒ።
መብዛሕትኡ እዋን ንሰባት ብስራት ንኽንነግሮም ናብ ቤቶም ኢና እንኸይድ። ኣብ ኺር ግን እቶም ነበርቲ ናብቲ ቦታ ኸም ዝመጻእና ምስ ፈለጡ፡ ባዕሎም መጹ። ንኽልተ ሰሙንን ፈረቓን ዚኸውን መዓልታዊ ምስቶም ነበርቲ እቲ ኸባቢ መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ነበርና፣ ሓድሓደ ግዜ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ኢና መጽናዕቲ ንመርሕ ኔርና። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ምቕሉላትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ዝዀኑ ሰባት ምርኻብ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ሓያሎ ብዕድመ ዝደፍኣ ነበርቲ ያኩት፡ “ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና። ንስኻትኩም ናብዚ ናብ ወሰን ምድሪ ምምጻእኩም እውን ኣምላኽ ከም ዘሎ ዜርኢ እዩ” በላና።
ናይቲ ኸባቢ ልምዲ ኣዝዩ እዩ መሲጡና። ንኣብነት፡ ንበረድ ልክዕ ከምቲ ንሓዊ ዚኸውን ዕንጨይቲ ኣብ ጥቓ ቤቶም እዮም ዚዅምርዎ። ማይ ኬድልዮም ከሎ ድማ፡ ኣብ ዓብዪ በራድ ሰኽቲቶም የምክኽዎ። ነበርቲ እታ ቝሸት፡ ቺር ዚበሃል ዓሳ ኣርክቲክ ኽንበልዕ ኣቕረቡልና፣ እዚ ዓሳ እዚ ኸምቲ ስትራናኛ ዚበሃል ምግቢ እቲ ኸባቢ ዀይኑ ኺስራሕ ከሎ፡ ኣዝዩ ጥዑም እዩ። ነዚ ዓሳ እዚ ምስ ሓዝዎ፡ ቀልጢፎም ናብ በረድ የእትውዎ፣ ድሕሪኡ፡ ኣቕጥን ኣቢሎም ይዝልዝልዎ፣ ምስ ጨውን በርበረን ሓዊሶም ከኣ ብኡንብኡ ይበልዕዎ። እቶም ነበርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚረኽብዎ፡ ከም ስኒ ናይ ማሞዝ ዚበሃል ገዚፍ ሓርማዝን ኣትክልትን ዝኣመሰለ ኣሰረ-ህይወት እውን ባህ ኢልዎም ይነግሩና ነበሩ።
ካብ ኺር ተበጊሰ ነቶም ኣብ ያኩሻ ኣብ ዚርከባ ኻልኦት ኣቝሻት ዚነብሩ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምብጻሕ፡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት—መብዛሕትኡ ብነፋሪት—ተጐዓዝኩ። ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ሰባት ኣዝዮም ምቕሉላትን ፈቃራትን እዮም። ሓደ እዋን፡ ብነፋሪት ምጕዓዝ ከም ዜፍርሃኒ ብገለ መገዲ ምስ ዝፈለጠ ቘልዓ ተራኸብኩ። ኬተባብዓኒ ኢሉ ሓንቲ ካርድ ኣዳለወለይ። ክልተ ዑፍን ሓንቲ ነፋሪትን ስኢሉ ኸኣ፡ “ሳሻ፡ ብነፋሪት ክትጐዓዝ ከለኻ፡ ከይትወድቕ ኣይትፍራህ። ማቴዎስ 10:29” ኢሉ ጸሓፈ። ነታ ጥቕሲ ምስ ኣንበብክዋ፡ ኣዝየ ተተንከፍኩ! የሱስ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ብዛዕባ እተን ኣዕዋፍ ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን” በለ።
ያኩሻ ኻብ ዘሕደረለይ ጦብላሕታ፡ ሒደት እየ ኣዘንትየልኩም። እዚ ቘራርን ንምንባር ኣጸጋምን ዝዀነ ቦታ፡ ኵሉ ሳዕ ነቶም ኣብ “ወሰን ምድሪ” ዚነብሩ ምቕሉላትን ባህ ዜብሉን ህዝቢ እዩ ዜዘክረኒ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ነበርቲ ያኩት ምቕሉላትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ኰይኖም ረኸብናዮም