ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ተፈጥሮ ይርአ

ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ተፈጥሮ ይርአ

ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ተፈጥሮ ይርአ

“እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና: ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና።”—እዮብ 35:11

ኣዕዋፍ ዜደንቕ ክእለት ኣለወን። እቲ ኣብ ኣየር ብዘይ ገለ ጸገም ዚገብራኦ ምንቅስቓሳት ናይ ነፋሪት ንድፊ ንዜውጽኡ ሰባት ዜቕንእ እዩ። ገሊአን ዓይነት ኣዕዋፍ ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዘን ንውቅያኖስ ብምስጋር: ብዘይ ጸገም ናብቲ ዝደለያኦ ቦታ ይበጽሓ እየን።

ካልእ ጥበብ ፈጣሪአን ዚገልጽ ናይ ኣዕዋፍ ፍሉይ ተውህቦ ኸኣ: ብደሃይን መዝሙርን ኣቢለን ኪረዳድኣ ምኽኣለን እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ዘረባ ኣዕዋፍ

ገሊአን ዓይነት ኣዕዋፍ: ቅድሚ ምጭጫሐን እውን ከይተረፈ ምርድዳእ ይጅምራ እየን። ንኣብነት: ኣንስተይቲ ብርንሂጎ በብመዓልቲ ሓደ እናገበረት ሸሞንተ እንቋቝሖ እያ እትወልድ። ኵሉ እቲ እንቋቝሖ ስሩዕ ዕቤት እንተ ገይሩ: ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ምጨጭሐ። ድሕርዚ እታ ኣደ: ነተን ድሮ እተጫጭሓ ሰሙን ዝገበራ ጨቓዊት ናይ ምሕብሓብን ነቲ ገና ዘይተጫጭሐ እንቋቝሖ ሙቐት ናይ ምሃብን ኣጸጋሚ ዕዮ ምዓየየት። እንተዀነ ግን: እተን እተሓቝፋ ሸሞንተ ጨቓዊት ብርንሂጎ: ኵለን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰዓት እየን ዚጨጭሓ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ: ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ምኽንያት እተን ዘይተጨጭሓ ብርንሂጎታት: ኣብ ውሽጢ እንቋቝሖ ዀይነን ንሓድሕደን ስለ ዚረዳድኣን ብሓባር ንኺጫጭሓ ብገለ መገዲ ምትዕርራይ ስለ ዚገብራን እዩ።

ኣዕዋፍ ምስ ዓበያ መብዛሕትኡ ግዜ ተባዕታይ ዑፍ እዩ ዚዝምር። ብፍላይ ኣብ ዚዋሰበሉ ወቕቲ: ክሉ ንምሕባር ወይ መጻምድቲ ንምስሓብ ይዝምር እዩ። ብኣሽሓት ዚቝጸራ ጅር ኣዕዋፍ ነናይ ርእሰን ዚዘራረባሉ ቛንቋ ኣለወን፣ እዚ ኸኣ እታ ኻብ ጅረን ዝዀነት ኣንስተይቲ ዑፍ ንኸተለልየን ይሕግዝ።

ኣዕዋፍ መብዛሕትኡ ግዜ ንግሆን ኣብ ዕራርቦ ጸሓይን ዚዝምራሉ ምኽንያት ኣለወን። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያል ንፋስን ብርቱዕ ድምጽን የለን። ተመራመርቲ: ኣዕዋፍ ኣብ ወጋሕታን ኣጋ ምሸትን ካብቲ ኣብ ቀትሪ ዚዝምራኦ 20 ዕጽፊ ዚዛይድ ከም ዚዝምራ ፈሊጦም እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ዚዝምር ተባዕታይ ዑፍ እኳ እንተ ዀነ: ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣዕዋፍ ግን እተፈላለየ ትርጕም ዘለዎ ደሃያት ወይ እተፈላለየ ዓይነት ድምጺ የስምዑ እዮም። ንኣብነት: ቻፊንች ዚበሃላ ኣዕዋፍ: ትሽዓተ ዓይነት ደሃያት ኣለወን። ግዳይ ደልዩ ኣብ ከባቢ ኣየር ዚዝምቢ ዑፍ ኬጋጥመን ከሎ ብሓደ ዓይነት ደሃይ ዜጠንቅቓ እኳ እንተ ዀና: ካብ መሬት ንዜጋጥመን ስግኣት ግን እተፈልየ ድምጺ ብምስማዕ እየን ዜጠንቅቓ።

ብሉጽ ውህበት

ባህረታዊ ጥበብ ኣዕዋፍ መሳጢ እዩ። ሓሳብ ንሓሳብ ብናይ ምልውዋጥ ክእለት ዝመጸ ግን: ወዲ ሰብ ዝያዳ መሳጢ እዩ። እዮብ 35:11 ብዛዕባ ደቂ ሰብ ክትዛረብ ከላ: ኣምላኽ “ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና” ምዃኑ ትገልጽ። ደቂ ሰብ ካብ ኣውታር ድምጺ ብዚወጽእ ድምጺ ወይ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣቢሎም: ዘይጭበጥን እተሓላለኸን ሓሳባት ናይ ምምሕልላፍ ፍሉይ ክእለት ኣለዎም።

ሕጻናት ከምቶም ካልኦት ፍጡራት ዘይኰኑስ: እተሓላለኸ ቛንቋታት ንኺመሃሩ እተፈጥሩ እዮም ዚመስሉ። ኣመሪካን ሳይንቲስት እትበሃል ኣብ ኢንተርነት እትርከብ መጽሔት: “እግሪ ተኽሊ ዝዀኑ ሕጻናት: ወለዶም ብቐጥታ ኸየዘራረብዎም እውን ቋንቋ ኼጥርዩ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ቤቶም ናይ ምልክት ቋንቋ ዘይተማህሩ ጸማማት ቈልዑ እውን: ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ባዕሎም ምልክት ቋንቋ ይምህዙ እዮም” በለት።

ሓሳባትናን ስምዒታትናን ብዘረባን ምልክታትን ኣቢልና ናይ ምምሕልላፍ ክእለት: ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ዜደንቕ ውህበት እዩ። ብጸሎት ኣቢልካ ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ ግን: እቲ ዝዓበየ ንደቂ ሰብ እተዋህበ ውህበት እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: የሆዋ ኣምላኽ ከነዘራርቦ ዓዲሙና እዩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ይብል።—ፊልጲ 4:6

የሆዋ: ከቢድ ውሳነታት ኬጋጥመና ኸሎ: ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢርዎ ዘሎ ሰፊሕ ማዕከን ጥበብ ክንምርኰስ እዩ ዚደልየና። ነቲ ኣብኡ ዝረኸብናዮ ምኽሪ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ንኽንፈልጥ እውን ኪሕግዘና እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያዕቆብ: “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ” በለ።—ያእቆብ 1:5

ብኸመይ ተተንኪፍካ፧

ኣዕዋፍ ዚማርኽ መዝሙር ኪዝምራ ኸለዋ: ወይ ከኣ ቈልዓ እታ ናይ መጀመርያ ቓል ብኸመይ ከም ዜድምጽ ኪመሃር ከሎ ምስ ሰማዕካ ብኸመይ ተተንኪፍካ፧ ጥበብ ኣምላኽ ኣብቶም ዝፈጠሮም ነገራት ኣስተውዒልካዶ፧

ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ እተፈጥረሉ መገዲ ድሕሪ ምስትንታኑ: ንኣምላኽ: “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” በሎ። (መዝሙር 139:14) ነቲ ኣብ ፍጥረት ዚርአ ጥበብ ኣምላኽ ብሞሳ ምስ እትምርምሮ: ዜተኣማምን መምርሒ ኺህበካ ኸም ዚኽእል ዘሎካ እምነት ኪዓቢ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት: ውህበት ኣምላኽ እዩ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Dayton Wild/Visuals Unlimited