ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፡ ገለ እኳ ደው ኣየብልኩም!’

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፡ ገለ እኳ ደው ኣየብልኩም!’

እዋኑ ጽድያ 1931 እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ፓሪስ ዝነበረ ፕለየል ዚብሃል ሙዚቃዊ ምርኢት ዚርኣየሉ ፍሉጥ ቦታ፡ ካብ 23 ሃገራት ብዝመጹ ልኡኻት መሊኡ ነበረ። ዓበይቲ ታክሲታት ከኣ ምዕሩጋት ተጓዓዝቲ ኣብቲ ኣፍ ደገ እቲ ኣዳራሽ ኣውረዳ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ እቲ ኣዳራሽ ብኣስታት 3,000 ሰባት መልአ። ኵሎም ከኣ ሙዚቃዊ ምርኢት ኪርእዩ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዕዮ ስብከትና ዚመርሕ ዝነበረ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ኪሰምዕዎ እዮም መጺኦም። እቲ ሓያል ዝዀነ መደረታቱ ናብ ጀርመንኛን ፈረንሳይኛን ፖላንድኛን ተተርጐመ። እቲ ብርቱዕ ድምጺ ሓውና ራዘርፎርድ ኣብቲ ኣዳራሽ የቃልሕ ነበረ።

እዚ ኣብ ፓሪስ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ፈረንሳ ዚካየድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ሓውና ራዘርፎርድ ነቶም ኣህጉራውያን ሰማዕቲ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም መንእሰያት ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ኣብ ፈረንሳ ኮልፖልተራት ኰይኖም ኪዓይዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ሓደ ኻብቶም ልኡኻት ዝነበረ ጆን ኩክ ዝስሙ እንግሊዛዊ ዀተቴ፡ ነቲ፡ “ኣቱም መንእሰያት፡ ኣብ ዕዮ ኮልፖልተር ከይትካፈሉ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፡ ገለ እኳ ደው ኣየብልኩም!” ዚብል ማዕዳ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። *

ብዘይካ እቲ ጸኒሑ ሚስዮናዊ ዝዀነ ጆን ኩክ፡ ካልኦት ብዙሓት ነቲ ጻውዒት መቄዶንያ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። (ግብ. 16:9, 10) ቍጽሪ እቶም ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ኮልፖልተራት ድማ፡ ካብቲ ብ1930 ዝነበሮ 27፡ ብ1931 ናብ 104 ወሰኸ፣ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ እተራእየ ሓለፍ ዝበለ ወሰኽ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም እዞም ፈለምቲ እዚኣቶም ፈረንሳይኛ ዚዛረቡ ኣይኰኑን ነይሮም፣ እሞኸ፡ ነቲ ናይ ቋንቋ ጸገምን ንድኽነትን ንግለላን ብኸመይ ተዋጺኦምሉ፧

ጸገም ቋንቋ ምቅላስ

እቶም ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጹ ኮልፖልተራት ብካርድ ምስክርነት ኣቢሎም እዮም ብዛዕባ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምስክሩ ነይሮም። ኣብ ፓሪስ ብትብዓት ዚሰብኽ ዝነበረ ጀርመንኛ ዚዛረብ ሓው ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣምላኽና ሓያል ምዃኑ ንፈልጥ ኔርና ኢና። ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና ልብና ዚሃርም ዝነበረ፡ ብፍርሂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ነታ፡ ‘ቩሌ ቩ ሊር ሰት ካርት ሲል ቩ ፕሌ፧’ [ነዛ ካርድ እዚኣ ኸተንብብዋዶ፧] እትብል ሓረግ ከይንርስዓ ስለ እንፈርህ ዝነበርና እዩ። ዕዮና ብሓቂ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን ኔርና ኢና።”

ቀደም ዝነበሩ ኮልፖልተራት ነቲ ብስራት ኣብ ፈረንሳ ንምዝርጋሕ ብሽክለታን ሞተር ብሽክለታን ይጥቀሙ ነበሩ

እቶም ኮልፖልተራት ኣብ ኣፓርታማታት ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ሓለውቲ ይስጕጉዎም ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ቍሩብ ፈረንሳይኛ ጥራይ ዚፈልጣ ኽልተ እንግሊዛውያን ኣሓት ሓደ ቝጡዕ ዘብዐኛ ኣጓነፈን፣ ንመን ደልየን ከም ዝመጻ እውን ሓተተን። ሓንቲ ኻብተን ኣሓት ከኣ ነቲ ተቘጢዑ ዝነበረ ዘብዐኛ ኸተህድኦ ኽትጽዕር ከላ፡ ኣብ ሓደ ማዕጾ ስሉም ሰሌዳ ረኣየት። ኣብኡ ኸኣ፡ “ቱርኔ ለ ቡቶ [ነቲ ደወል ጽቐጥዎ]” ዚብል ቃላት ነበረ። ንሳ ድማ፡ እቲ ጽሑፍ፡ ስም እቲ ብዓል ቤት መሲልዋ፡ ፍሽኽ እናበለት፡ “ንወይዘሮ ‘ቱርኔ ለ ቡቶ’ ደሊና ኢና መጺእና” በለቶ። ነዘን ቀናኣት ኮልፖልተራት እዚኣተን፡ ከምዚ ዓይነት ዋዛ ብዙሕ ሓጊዝወን እዩ።

ድኽነት ይኹን ግለላ ኣይዓገቶምን

ብ1930ታት ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ትሑት ናብራ እዩ ነይርዎም፣ እቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ኮልፖልተራት እውን ዝሓሹ ኣይነበሩን። ሞና ብሮዞስካ ዝስማ እንግሊዝኛ እትዛረብ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ንዓኣን ነታ ፈላሚት ዝዀነት መገላግልታን ዘጋጠመን ኵነታት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣዝዩ ድሑር ዝዀነ መንበሪ እዩ ነይሩና፣ ሓደ ኻብቲ ዝነበረና ጸገማት ድማ፡ ኣብ ክረምቲ መውዓዪ ዘይምርካብ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣዝዩ ቘራሪ ቤት ክንቅመጥ ተገዲድና ኔርና፣ ንግሆ ኽንሕጸብ ድማ ነቲ ኣብ መትሓዚ ማይ ዚረግእ ዝነበረ በረድ ንሰብሮ ነበርና” በለት። እዞም ናይ ቀደም ፈለምቲ ምሾት ብምስኣኖም ተስፋ ቘሪጾም ድዮም፧ ኣይፋሎምን! ሓደ ኻባታቶም ነቲ ዝነበሮም ስምዒት ኣሕጽር ኣቢሉ ጽቡቕ ገይሩ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ዋላ ሓንቲ ዘይንውንን እኳ እንተ ነበርና፡ ዋላ ሓንቲ ስኢንና ኣይንፈልጥን ኢና!” በለ።—ማቴ. 6:33

ብ1931 ኣብ ፓሪስ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እተኻፈላ እንግሊዛውያን ፈለምቲ

እዞም ተባዓት ኮልፖልተራት እዚኣቶም፡ ነቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ግለላ ኺዋጽኡሉ ነበሮም። ኣብ መጀመርታ 1930ታት ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ 700 ዘይበዝሑ እዮም ነይሮም፣ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፋሕ ኢሎም ነበሩ። እቶም ተገሊሎም ዝነበሩ ኮልፖልተራት ሕጉሳት ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ እታ ምስታ ፈላሚት ዝነበረት መገላግልታ እዚ ጸገም እዚ ዘጋጠማ ሞና ኸምዚ በለት፦ “ንናይ ማሕበር ጽሑፋት ኣዘውቲርና ብሓባር ብምጽናዕ ነዚ ግለላ እዚ ንቃለሶ ኔርና። በቲ ግዜ እቲ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይንገብር ስለ ዝነበርና፡ ምሸት ምሸት ናብ ስድራ ቤትና ብፍላይ ከኣ ናብ ካልኦት ፈለምቲ እናጸሓፍና ተመክሮና ነካፍሎምን ንሓድሕድና ንተባባዕን ኔርና።”—1 ተሰ. 5:11

እዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ዝነበሩ ኮልፖልተራት፡ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዞም ቀጺሎም እዮም። እቲ ሓድሓደ እዋን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፈረንሳ ፈለምቲ ዀይኖም ድሕሪ ምግልጋሎም ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝለኣኽዎ ደብዳበታት ነዚ ዜረጋግጽ እዩ። እታ ኻብ 1931 ክሳዕ 1935 ኣብ መላእ ፈረንሳ ምስ ሰብኣያ ዘገልገለት ኣኒ ክረጀን እትብሃል ቅብእቲ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ዓመታት ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ኣዝዩ ዜሐጕስን ዘይርሳዕን ህይወት ኢና ኣሕሊፍና! እቶም ፈለምቲ ዘበልና፡ ንሓድሕድና ብዙሕ ንቀራረብ ኔርና። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ኣነ ተኸልኩ፡ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ’ ዝበሎ እዩ ነይሩ። ነቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ክንሕግዝ ኣጋጣሚ ረኺብና ዝነበርና እዚ ተዘክሮታት እዚ ብዙሕ ዜሐጕስ እዩ።”—1 ቈረ. 3:6

እዞም ቀደም ዝነበሩ ፈለምቲ እዚኣቶም ነቶም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ዚደልዩ፡ ውርሻ ተጻዋርነትን ቅንኣትን ሓዲጎምሎም እዮም። ሎሚ፡ 14,000 ዝዀኑ ስሩዓት ፈለምቲ ኣብ ፈረንሳ ኣለዉ። ብዙሓት ከኣ፡ ቋንቋ ወጻኢ ኣብ ዚጥቀማ ጕጅለታት ወይ ጉባኤታት የገልግሉ እዮም። * ከምቲ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝገበርዎ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ገለ እኳ ደው ኬብሎም ኣይፈቕዱን እዮም።—ኣብ ፈረንሳ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።

^ ሕ.ጽ. 4 ብዛዕባ እቲ ፖላንዳውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዝገበርዎ ዕዮ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “የሆዋ ሓቂ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ ናብ ፈረንሳ ኣምጺኡኩም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ብ2014፡ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ ዚዓያ ልዕሊ 900 ቋንቋ ወጻኢ ዚጥቀማ ጉባኤታትን ጕጅለታትን፡ ብ70 ቛንቋ ነቶም ሓቂ ዚደልዩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ይሕግዛኦም ነይረን።