ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽህናኻ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ

ንጽህናኻ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ

ንጽህናኻ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ

“ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ።”—ምሳ. 27:11

1, 2. (ሀ) መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ እንታይ ሰይጣን ዘቕረቦ ኽሲ እያ እትገልጽ፧ (ለ) ሰይጣን ድሕሪ እቲ ብግዜ እዮብ ዝገበሮ ተግባር፡ ንየሆዋ ምጽራፍ ከም ዘየቋረጸ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

 የሆዋ ንሰይጣን፡ ንንጽህና እቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ዝነበረ እዮብ ኪፍትኖ ፈቐደሉ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እዮብ ማሉን ደቁን ጥዕናኡን ሰኣነ። ሰይጣን ንንጽህና እዮብ ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተዎ ግን፡ ንእዮብ ጥራይ ኣይኰነን ዜተኵረሉ ነይሩ። “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በለ። እዚ ኽሲ እዚ ንእዮብ ጥራይ ኣይኰነን ዜጠቓልል፣ ስለዚ እዮብ ምስ ሞተ እውን ቀጺሉ እዩ።—እዮ. 2:4

2 ድሕሪ እቲ እዮብ ዘሕለፎ ፈተናታት ኣስታት 600 ዓመት ጸኒሑ፡ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 27:11) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰይጣን ገና ንየሆዋ ብድሆ የቕርበሉ ምንባሩ ንጹር እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ ሰይጣን ድሕሪ እቲ ብ1914 እተፈጸመ ምቛም መንግስቲ ኣምላኽ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪኸስስ ከሎ ተራእዩ እዩ። እወ፡ ኣብ ምጽንቃቕ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት እውን እንተ ዀነ፡ ሰይጣን ንንጽህና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይኸስስ ኣሎ!—ራእ. 12:10

3. ካብ መጽሓፍ እዮብ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧

3 እምበኣር፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ክንመሃሮ እንኽእል ሰለስተ ኣገዳሲ ትምህርታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ካብቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት፡ እቲ ቐንዲ ጸላኢ ደቂ ሰብን ምንጪ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ምጽራርን ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ካልኣይ፡ ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተ ኣልዩና፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ሳልሳይ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣምላኽ ከምቲ ንእዮብ ዝገበረሉ ገይሩ ይድግፈና እዩ። ሎሚ፡ የሆዋ ነዚ ብቓሉን ብውድቡን ብመንፈስ ቅዱሱን ገይሩ እዩ ዚገብሮ።

ነቲ ቐንዲ ጸላኢኻ ወትሩ ኣይትረስዓዮ

4. በዚ ዘሎ ዅነታት ዓለም ዚውቀስ መን እዩ፧

4 ብዙሓት ሰባት፡ ሰይጣን ከም ዘሎ ኣይኣምኑን እዮም። ስለዚ፡ ኵነታት ዓለም እኳ እንተ ኣተሓሳሰቦም፡ ጠንቂ እዚ ጸገማት እዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ግን ኣየስተውዕሉን እዮም። ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኡ መግደራ ደቂ ሰብ፡ ባዕሎም ዘምጽእዎ እዩ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን፡ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም ኪውስኑ ደለዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዝመጸ ወለዶታት፡ ብዕሽነት እዩ ወሲኑ። ኰይኑ ግን፡ ንሄዋን ካብ ኣምላኽ ንኽትዓሉ ዝሓበላ፡ ድያብሎስ እዩ። ነቶም መወትቲ ዝዀኑ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘእተወ ስርዓት ዓለም ዘማዕበለ እውን ንሱ እዩ። ሰይጣን፡ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ስለ ዝዀነ፡ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ነቲ ንሱ ዜርእዮ ዝነበረ መሰረታዊ ባህርያት፡ ማለት ትዕቢት፡ ባእሲ፡ ስስዐ፡ ምትላል፡ ዕልወት የንጸባርቕ እዩ። (2 ቈረ. 4:4፣ 1 ጢሞ. 2:14፣ 3:6፣ ያእቆብ 3:14, 15 ኣንብብ።) ከምዚ ዝበለ ባህርያት ናብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ግጭታትን ጽልእን ብልሽውናን ዕግርግርን እዩ መሪሑ፣ እዚ ድማ መሊሱ ንሕሰም ደቂ ሰብ ኣጋዲድዎ እዩ።

5. ነቲ ረኺብናዮ ዘሎና ኽቡር ፍልጠት እንታይ ኢና ኽንገብሮ እንደሊ፧

5 ንሕና ኣገልገልቲ የሆዋ ዘበልና፡ ከመይ ዝበለ ኽቡር ፍልጠት ኰን እዩ ዘሎና! በቲ እናተበላሸወ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም መን ተወቃሲ ኸም ዚዀነ ንፈልጥ ኢና። እሞ ደኣ እዚ ቐንዲ ጸላኢ መን ምዃኑ ንሰባት ንምሕባር፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኽንጽመድ ኣይንድረኽንዶ፧ ኣብ ጐድኒ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምቛምናን የሆዋ ንሰይጣንን ንመግደራ ደቂ ሰብን ብኸመይ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ኽንገልጽ ምኽኣልናን ዜሐጕሰናዶ ኣይኰነን፧

6, 7. (ሀ) በቲ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዜጋጥሞም መስጐጕቲ፡ መን እዩ ተሓታቲ፧ (ለ) ኣብነት እቲ ጥንቲ ዝነበረ ኤሊሁ ኽንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ሰይጣን በቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ብዙሕ መከራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዜጋጥሞም ምጽራር እውን ተሓታቲ እዩ። ኪፍትነና ቘሪጹ ተላዒሉ እዩ ዘሎ። የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ” ኢሉ ነገሮ። (ሉቃ. 22:31) ብተመሳሳሊ፡ ኣስኣሰር የሱስ ዚስዕብ ዘበለ ዅሉ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ ፈተናታት የጋጥሞ እዩ። ጴጥሮስ ንድያብሎስ ከም ሓደ “ዚውሕጦ ደልዩ . . . ዚጓዝም ኣንበሳ” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ጳውሎስ ከኣ፡ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” በለ።—1 ጴጥ. 5:8፣ 2 ጢሞ. 3:12

7 ንሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ዜሕዝን ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ነቲ ቐንዲ ጸላኢና ኸም ዘይረሳዕናዮ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ካብቲ እተጐድአ ሓውና ኣብ ክንዲ እንርሕቕ፡ ከምቲ ንእዮብ ከም ናይ ሓቂ ፈታዊ መጠን እተዛረቦ ጥንቲ ዝነበረ ኤሊሁ ንኸውን ኢና። ምስ ሓውና ሓቢርና፡ ኣንጻር እቲ ሓባራዊ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን ንቃለስ ኢና። (ምሳ. 3:27፣ 1 ተሰ. 5:25) ሸቶና፡ ዝመጸ እንተ መጸ ነቲ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ንጽህናኡ ንኺሕሉ ምሕጋዝ፡ በዚ ኣቢልና ድማ ልቢ የሆዋ ምሕጓስ እዩ።

8. ሰይጣን ንእዮብ፡ ነቲ ንየሆዋ ንኬኽብሮ ኢሉ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት ደው ንኼብል ዝገበሮ ጻዕሪ ዘይሰለጦ ስለምንታይ እዩ፧

8 ፈለማ፡ ሰይጣን ንእዮብ ማሉ ኸም ዚስእን እዩ ገይሩ። እተን ማሉ ብዙሕ ዋጋ እዩ ነይርወን፡ ምናልባት እውን መነባብሮኡ ኣብአን እተመርኰሰ ነይሩ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ እዮብ ንኣምልኾ እውን ይጥቀመለን ነይሩ እዩ። እዮብ ንደቁ ድሕሪ ምቕዳሱ፡ “ኣንጊሁ ተንሲኡ . . . ብቝጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፤ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኵሉ ግዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ።” (እዮ. 1:4, 5) ስለዚ፡ እዮብ ንየሆዋ ኣዘውቲሩ መስዋእቲ ይስውኣሉ ነበረ። እቲ ፈተናታት ምስ ጀመረ ግን፡ ከምኡ ኺገብር ኣይከኣለን። ንየሆዋ ዜኽብረሉ “ጥሪት” ኣይነበሮን። (ምሳ. 3:9) ኰይኑ ግን፡ ንየሆዋ ብኸናፍሩ ኬኽብሮ ይኽእል ነበረ፣ ከምኡ ድማ ገበረ!

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኣማዕብል

9. ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ነገር እንታይ እዩ፧

9 ሃብታማት ንኹን ድኻታት፡ መንእሰያት ንኹን ኣረጋውያን፡ ጥዕና ዘሎና ንኹን ዘይብልና፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተ ኣማዕቢልና፡ ንጽህናና ንኽንሕሉን ንልቢ የሆዋ ንኸነሐጕሶን የኽእለና እዩ። ብዛዕባ ሓቂ ውሱን ፍልጠት ዘለዎም ገሊኦም ውልቀ-ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ትብዓት ዝመልኦ መትከል ሒዞምን ንጽህናኦም ሓልዮምን እዮም።

10, 11. (ሀ) ሓንቲ ሓብትና ነቲ ኣብ ንጽህናኣ ዝመጸ ፈተናታት ብኸመይ ሰጊራቶ፧ (ለ) እዛ ሓብቲ እዚኣ ንሰይጣን እንታይ ሓያል መልሲ እያ ሂባቶ፧

10 ሓንቲ ኻብቶም ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ኸምቲ እሙን እዮብ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተናታት ንጽህናኦም ዝሓለዉ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓብትና ቫለንቲና ጋርኖፍስካያ እያ። ብ1945 ጓል 20 ዓመት ኣቢላ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ ሓው መስከረላ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺነግራ ኽልተ ሳዕ ተመላሊሱ በጽሓ፡ ድሕሪኡ ግን ኣይረኸበቶን። ኰይኑ ግን፡ ቫለንቲና ንጐረባብታ ኽትሰብኽ ጀመረት። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ተኣስረት፡ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ መዳጐኒ ደምበ ኽትኣቱ ተፈርደት። ብ1953 ካብ ማእሰርታ ተፈትሐት፡ ብኡንብኡ ድማ ስብከታ ቐጸለት። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንደገና ተኣስረት፡ ንዓሰርተ ዓመት እውን ተፈርደት። ኣብ ሓደ ኻብቲ መዳጐኒ እተወሰነ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሓ፡ ናብ ካልእ ገዓዘት። ኣብቲ መዳጐኒ እቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለወን ገሊአን ኣሓት ነበራ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ሓብቲ ንቫለንቲና መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየታ። በዚ ኣዝያ ተሓጐሰት! ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ቫለንቲና ቕድሚኡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርኢ ዝኸኣለትሉ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ብ1945 ኣብ ኢድ እቲ ዝመስከረላ ሓው ጥራይ እዩ ነይሩ!

11 ብ1967 ቫለንቲና ተፈትሐት፣ ድሕሪ እዚ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ዝገበረቶ ወፈያ ብማይ ብምጥማቕ ከተርኢ ኸኣለት። ክሳዕ 1969 ኣብ ዝነበረ እዋን በቲ ናጽነታ ተጠቒማ፡ ብቕንኣት ኣብ ኣገልግሎት ተሳተፈት። በታ ዓመት እቲኣ ግን፡ እንደገና ተኣስረት፡ ንሰለስተ ዓመት ድማ ተፈርደት። ቫለንቲና ግን ስብከታ ኣየቋረጸትን። ብ2001 ቅድሚ ሙማታ፡ ን44 ሰባት ሓቂ ንኺመሃሩ ሓጊዛ ነበረት። ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን 21 ዓመት ኣሕለፈት። ንጽህናኣ ንኽትሕሉ ኢላ ዘለዋ ዅሉ፡ እንተላይ ናጽነታ፡ ኣሕሊፋ ንኽትህብ ፍቓደኛ ነበረት። ኣብ መወዳእታ ህይወታ፡ “ናይ ርእሰይ መንበሪ ኣይነበረንን። ኵሉ ጥሪተይ ኣብ ሓንቲ ባልጃ ኺኣቱ ይኽእል ነበረ፣ ንየሆዋ ብምግልጋለይ ግን ሕጉስትን ዕግብትን ነበርኩ” በለት። ቫለንቲና ነቲ ሰይጣን፡ ሰባት ኣብ ግዜ ፈተና እሙናት ከም ዘይኰኑ እተዛረቦ ዘረባ፡ ከመይ ዝበለ ሓያል መልሲ ዀን እያ ሂባትሉ! (እዮ. 1:9-11) ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጐሰትን ንሱ እውን ንዓኣ ዀነ ንዅሎም ብተኣማንነት ዝሞቱ ብትንሳኤ እንደገና ህያው ዚገብረሉ እዋን ከም ዚናፍቕን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እዮ. 14:15

12. ፍቕሪ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እንታይ ግደ ኣለዋ፧

12 ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት፡ ኣብታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እተመርኰሰት እያ። ንባህርያት ኣምላኽ ነድንቕ፡ ምስ ዕላማታቱ ተሰማሚዕና ንምንባር ከኣ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ኢና። ከምቲ ድያብሎስ ዚብሎ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ብፍታውን ብዘይ ቅድመ-ዅነትን ነፍቅሮ ኢና። እዛ ኻብ ልቢ ዝመነጨት ፍቕሪ እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናና ንኽንሕሉ ብርታዐ ትህበና እያ። የሆዋ እውን ብግዲኡ፡ ‘ንመገዲ ቕዱሳኑ ኺሕሉ እዩ።’—ምሳ. 2:8፣ መዝ. 97:10

13. የሆዋ ነቲ እንገብረሉ ነገራት ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧

13 ዋላ እውን ብዙሕ ክንገብር ዘይንኽእል ኰይኑ እንተ ተሰምዓና፡ ፍቕሪ እንተ ኣልያትና ግን፡ ንስም የሆዋ ንኸነኽብር ትድርኸና እያ። የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ውሽጣዊ ድራኸና ይርእዮ፡ ኵሉ እቲ ኽንገብሮ እንደሊ እንተ ዘይጌርና ድማ ኣይፈርደናን እዩ። ነቲ እንገብሮ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኸምኡ እንገብረሉ ምኽንያት እውን ኣብ ግምት የእትዎ እዩ። እዮብ ከቢድ ሓዘንን መከራን እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንኸሰስቱ ግን ብዛዕባ እቲ ንመገድታት የሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ተዛሪብዎም እዩ። (እዮብ 10:12፣ 28:28 ኣንብብ።) ኣብታ ኣብ መጽሓፍ እዮብ እትርከብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረቡ፡ ኣምላኽ ከም እተቘጥዖም ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን፡ የሆዋ ንእዮብ ኣርባዕተ ሳዕ “ባርያይ” ኢሉ ብምጽዋዕን ነቶም ዝኣበሱ ኺልምነሎም መምርሒ ብምሃብን፡ ሞገሱ ኸም ዘለዎ ሓቢሩ እዩ። (እዮ. 42:7-9) ንሕና እውን ሞገስ የሆዋ ኽንረኽበሉ ብእንኽእል መገዲ ንመላለስ።

የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ይድግፎም

14. የሆዋ ንኣተሓሳስባ እዮብ ዝኣረሞ ብኸመይ እዩ፧

14 እዮብ ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ንጽህናኡ ግን ሓለወ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጢ፡ ግጉይ ኣረኣእያ ነበሮ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ፡ “ናባኻ እምህለል አሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡ . . . በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ አሎኻ” በሎ። ብዘይካዚ፡ “ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩ፡” ከምኡውን “ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛ፡ ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱ” ብምባል፡ ንርእሱ እምብዛ ተጣበቐላ። (እዮ. 10:7፣ 16:17፣ 30:20, 21) ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብለውሃት ንእዮብ ሓገዞ፣ ተኸታታሊ ሕቶታት ብምሕታት፡ ንእዮብ ኣብ ርእሱ ኸም ዘየተኵር ገበሮ። ንልዕልና ኣምላኽን ንንኡስነት ሰብን ብንጹር ንኼስተውዕል ድማ ኣኽኣሎ። እዮብ ነቲ እተዋህቦ መምርሕን መአረምታን ተቐበለ።—እዮብ 40:8፣ 42:2, 6 ኣንብብ።

15, 16. ሎሚ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

15 ሎሚ እውን የሆዋ ንኣገልገልቱ ብለውሃት ጽኑዕ መምርሒ ይህቦም እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣገዳሲ ጥቕምታት ረኺብና ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ክርስቶስ መስዋእታዊ በጃ ኣቕሪቡልና እዩ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንሕድገት ሓጢኣትና መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ብመሰረት እቲ መስዋእቲ ግን፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ። (ያእ. 4:8፣ 1 ዮሃ. 2:1) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺድግፈናን ንኼበርትዓናን ንጽሊ ኢና። ብተወሳኺ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና፣ ነዚ እንተ ኣንቢብናዮን እንተ ኣስተንቲንናሉን ከኣ፡ ኣብ እምነትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ተዳሊና ንጸንሕ ኢና። መጽናዕቲ ምግባርና፡ ነቲ ንልዑላውነትን ንብሕታዊ ንጽህናን ዚምልከት ጕዳያት ንኽንርዳእ የኽእለና።

16 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ብምዃንና ብዙሕ ኢና እንጥቀም፣ የሆዋ እውን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን 100,000 ዚዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ እምነትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ክንዋጽኣሉ ዜኽእል መምርሕን ብርታዐን እንረኽበሉ ኣኼባታት ይግበር እዩ። ንኣብነት፡ ነታ ሺላ እትበሃል ኣብ ጀርመን እትነብር ጐርዞ ዘጋጠማ ተመክሮ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።

17. ነቲ ሎሚ ውድብ የሆዋ ዚህቦ መምርሒ ጠቢቕካ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ብኣብነት ኣረድእ።

17 ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ እታ ሺላ ዝነበረትላ ኽፍሊ መምህር ኣይነበራን። ደቂ ኽፍላ፡ ሰሌዳ ዊጃ ዚበሃል መጠንቈሊ ኺፍትኑ ሓሰቡ። ሺላ ብኡንብኡ ኻብቲ ኽፍሊ ወጸት፣ ጸኒሓ ዝሰምዓቶ ነገር ከኣ፡ ከምኡ ምግባራ ኣሐጐሳ። ነቲ ሰሌዳ ዊጃ ኺጥቀሙ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም ተመሃሮ ኣጋንንቲ ኣብቲ ኸባቢ ኸም ዘለዉ ስለ እተሰምዖም፡ ሰምቢዶም ሃደሙ። ንሺላ ብቕልጡፍ ካብታ ኽፍሊ ንኽትወጽእ ዝሓገዛ ግን እንታይ እዩ፧ ሺላ ኸምዚ በለት፦ “ቀቅድሚ እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተገብረ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ሰሌዳታት ዊጃ ዘለዎ ሓደጋ ተማሂርና ኔርና። ስለዚ፡ እንታይ ከም ዝገብር እፈልጥ ነይረ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 27:11 ዚብሎ፡ ንየሆዋ ኸሐጕስ ደለኹ።” ሺላ ኣብቲ ኣኼባ ብምእካባን ነቲ ትምህርቲ ጽን ኢላ ብምስማዓን፡ ብዙሕ እያ ተጠቒማ!

18. ንስኻ ብውልቅኻ እንታይ ንኽትገብር ኢኻ ቘሪጽካ፧

18 ነፍሲ ወከፍና ናብቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚወሃበና መምርሒታት ለጊብና ንምምልላስ ቈራጽነት ንግበር። ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ብምእካብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት መጽናዕቲ ብምግባር፡ ብጸሎት፡ ከምኡውን ምስ ብሱላት ክርስትያናት ብምቅርራብ፡ ዜድልየና መምርሕን ደገፍን ንረክብ ኢና። የሆዋ ዕዉታት ክንከውን እዩ ዚደልየና፣ ተኣማንነትና ኸም እንሕሉ ድማ ይተኣማመን እዩ። ንስም የሆዋ ልዕል ከነብል፡ ንጽህናና ኽንሕሉ፡ ንልቢ የሆዋ ድማ ከነሐጕስ ምኽኣልሲ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!

ትዝክሮዶ፧

• ብምንታይ ኵነታትን ፈተናታትን እዩ ሰይጣን ተሓታቲ፧

• ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ነገር እንታይ እዩ፧

• ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ መሰረት እትኸውን እንታይ እያ፧

• ሎሚ የሆዋ ንዓና ዚድግፈሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ኽቡር ፍልጠት ንኻልኦት ከተካፍል ትድረኽ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንጽህናኦም ንኺሕልዉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ቫለንቲና ንጽህናኣ ንኽትሕሉ ኢላ ዘለዋ ዅሉ መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛ ነበረት