ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሓደ ዕሸል ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኸሎ እንተ ሞይቱ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎዶ፧
ዘይተወልደ ሕጻን ዘይሞቶም ሰባት፡ ንስምዒት እቶም ዝሞቶም ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። ገሊኦም ወለዲ ኸምዚ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ብሓዘን ኵምትር እዮም ዚብሉ። ንሓንቲ ኣደ፡ ሓሙሽተ ዕሸላት ከይተወልዱ ኸለዉ ሞትዋ። ድሕሪ ግዜ ግን ክልተ ጥዑያት ደቂ ኣዕበየት። ይኹን እምበር፡ ነቶም ዝሞትዋ ዕሸላት ትዝክሮም ነይራ እያ። ጥንሳ እንተ ዘይከይድ ነይሩ ወይ ሞይቶም እንተ ዘይውለዱ ነይሮም፡ ደቂ ኽንደይ ዓመት ኪዀኑ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ትሓስብ ነበረት። ከምዚ ዘጋጠሞም ክርስትያናት፡ ነቶም ዝሞትዎም ቈልዑ ብትንሳኤ ኺረኽብዎም ተስፋ ኺገብሩ ይኽእሉዶ፧
ቀሊል መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘ኣይንፈልጦን ኢና’ ዚብል እዩ። ከይተወልደ ኸሎ ዝኸደ ጥንሲ ወይ ብምዉቱ እተወልደ ሕጻን፡ ትንሳኤ ኺረክብ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ቃል ኣምላኽ እተወሰነ ምጽንናዕ ዚህብ ምስዛ ሕቶ እዚኣ ዚተሓሓዝ ስርዓታት ይገልጽ እዩ።
ንሓድሕደን ዚዛመዳ ኽልተ ሕቶታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ብኣረኣእያ የሆዋ ኺርአ ኸሎ፡ ህይወት ዚጅምር ኣብ ጥንሲ ድዩ፡ ወይስ ኣብ ውልደት፧ ካልኣይ፡ የሆዋ ነቶም ዘይተወልዱ ኸም ውልቀ-ሰባት ገይሩ ድዩ ዚርእዮም፡ ወይስ ከም ኣብ ማሕጸን ሰበይቲ ዚርከብ እካብ ዋህዮታትን ኣካሊታትን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልቲኡ ሕቶታት ዚኸውን ንጹር መልሲ ይህብ እዩ።
ህይወት ዚጅምር ኣብ ውልደት ዘይኰነስ፡ ካብኡ ኣቐዲሙ ምዃኑ፡ ሕጊ ሙሴ ብንጹር ይሕብር እዩ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ምዃኑ ዚሕብር፧ ምንጻል ጥንሲ፡ ብሞት ኬቕጽዕ ዚኽእል ከም ዝነበረ ብምግላጽ እዩ። እቲ ሕጊ፡ “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ” ይብል። * (ዘጸ. 21:22, 23 NW) ስለዚ፡ እቲ ኣብ ማሕጸን ዚርከብ ዘይተወልደ ሕጻን፡ ህያው ነፍሲ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ነዚ ምስ ግዜ ዘይሃስስ ሓቂ ብምርዳኦም፡ ካብ ምንጻል ጥንሲ ንኺርሕቑ ሓጊዝዎም እዩ፣ ከመይሲ፡ ነዚ ተግባር እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቢድ ሓጢኣት ከም ምፍጻም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።
ሓቂ እዩ፡ እቲ ዘይተወልደ ሕጻን ህያው እዩ፣ የሆዋ ግን ማዕረ ኽንደይ እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ፧ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሕጊ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደ ሰብ ዝገበሮ ነገራት ዘይተወልደ ሕጻን እንተ ሞይቱ፡ እቲ ሰብ ኪቕተል ከም ዘለዎ ይገልጽ። ስለዚ፡ ህይወት ሓደ ዘይተወልደ ሕጻን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓያሎ ጥቕስታት፡ የሆዋ ንዘይተወልደ ሕጻን ከም ሓደ ውልቀ-ሰብ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ ንየሆዋ፡ “ኣብ ከርሲ ወላዲተይ አሊምካኒ፡ . . . ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፡ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፡ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” በሎ።—መዝ. 139:13-16፣ እዮ. 31:14, 15።
የሆዋ፡ እቶም ዘይተወልዱ ሕጻናት ነናቶም ባህርይ ከም ዘለዎምን ኣብ መጻኢ ዓብዪ ተኽእሎ ኺህልዎም ከም ዚኽእልን እውን ይፈልጥ እዩ። ርብቃ ሰበይቲ ይስሃቅ ማናቱ ጠኒሳ ኸላ፡ እቶም ኣብ ከብዳ ዚዳፋፍኡ ዝነበሩ ኽልተ ሕጻናት ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚህልዎም ጽልዋ፡ የሆዋ ብትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 25:22, 23፣ ሮሜ 9:10-13።
እቲ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ዚገልጽ ታሪኽ እውን ዜገርም እዩ። እቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ” ይብል። (ሉቃ. 1:41) እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ ነዚ ዅነታት እዚ ኺገልጾ ኸሎ፡ ንዘይተወልደ ዕሸልን ንእተወልደ ሕጻንን እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ተጠቒሙ። ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዝነበረ የሱስ ንምምልካት እውን ነዛ ቓል እዚኣ እዩ ተጠቒሙ።—ሉቃ. 2:12, 16፣ 18:15።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ማሕጸን ዘሎን እተወልደን ሕጻን ፍልልይ ከም ዘሎ ይሕብር ድዩ፧ ዚሕብር ኣይመስልን እዩ። እዚ ኸኣ ምስ ርኽበታት ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ይሰማማዕ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ማሕጸን ዘሎ ሕጻን ንደጋዊ ንጥፈታት ምላሽ ከም ዚህብ ተመራመርቲ ፈሊጦም እዮም። ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ኣደ ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዚዓቢ ዘሎ ሕጻን ስጡም ርክብ እንተ ኣማዕበለት እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
እቲ ሕጻን ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ዕቤት ምስ በጽሐ ኺውለድ ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ርአ፦ ሓንቲ ኣደ ግቡእ ግዜኣ ኸይኣኸለ ወለደት፣ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግን እቲ ሕጻን ሞተ። ካልእ ኣደ ድማ ኣብ ግቡእ ግዜኣ ወለደት፣ እቲ ሕጻን ግን ከይተወልደ ኸሎ ሞተ። እታ ብኣጋጣሚ ቕድሚ ግዜኣ ዝወለደት ቀዳመይቲ ኣደ፡ ውላዳ ኸም ዚትንስእ ተስፋ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ እታ ኻልአይቲ ኣደኸ ተስፋ የብላን ማለት ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ኣብ ግዜ ጥንሲ ኸም ዚጅምር፡ የሆዋ ኸኣ ነቲ ዘይተወልደ ሕጻን ከም ፍሉይን ክብሪ ዚግብኦን ውልቀ-ሰብ ገይሩ ኸም ዚርእዮ እዩ ዚምህር። ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገሊኦም ሰባት ንሓደ ኸይተወልደ ዝሞተ ሕጻን ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይብሉ ምዝራብ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኸም ዝዀነ ይገልጹ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ እተጠቕሱ ሓቅታት እተመስረተ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መትከልና ኸም ዜዳኽሞ ዀይኑ ድማ ይስምዖም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ እቶም ከይተወልዱ ዝሞቱ ሕጻናት ትንሳኤ ንኺረኽቡ ዘሎ ተኽእሎ ኸም እንጠራጠሮ ዚገብር ግብራዊ ሕቶታት ኣቕሪባ ነይራ። ንኣብነት፡ ‘ኣምላኽ ኣብ ገነት፡ ነቲ ድቂ ኣብ ማሕጸን ሓንቲ ኣደ ብምእታው እንደገና ኸም ዚዓቢ ድዩ ኺገብር፧’ ዚብል ሕቶ ቐሪቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝያዳ መጽናዕትን ጸሎት እተሓወሶ ምስትንታንን ድሕሪ ምግባር፡ እዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኸም ዘይብሉ ደምዲሙ እዩ። የሱስ፡ “ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ” በለ። (ማር. 10:27) ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ህይወቱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ድንግል መንእሰይ ተመሓላለፈ፣ እዚ ኸኣ ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ኺርአ ኸሎ፡ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ።
እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከይተወልዱ ዝሞቱ ሕጻናት ከም ዚትንስኡ ይምህር ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ብቐጥታ ስለ ዘይምልሶ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእል ኢና። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓያሎ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብግምት ክንዛረብ የብልናን። እቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ እቲ ብሳህልን ብምሕረትን ዓብዪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኽንርስዕ የብልናን። (መዝ. 86:15) ብትንሳኤ ኣቢሉ ንሞት ኬጥፍኦ ልባዊ ድሌት ከም ዘለዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (እዮ. 14:14, 15) ኵሉ ግዜ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ” ንወዱ ብፍቕራዊ መገዲ ብምምራሕ፡ ካብቲ ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዝወረደና መቝሰልቲ ኼሕውየና እዩ።—1 ዮሃ. 3:8።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 6 ሓድሓደ ግዜ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እታ ኣደ እንተ ሞይታ ጥራይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኸም ዚፍረድ ብዚገልጽ መገዲ ትትርጐም እያ። በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ዚሕብሮ ግን፡ እቲ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣደ ወይ ኣብ ጥንሳ ዜጋጥም ሞት ዜስዕብ ጕድኣት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ኻብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ዜሕዝን ነገራት ኬጸናንዓና እዩ