“ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ”
“ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ”
“ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” —ሮሜ 14:12
1. እቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ሓላፍነቶም እዮም ብተኣማንነት እተሰከሙ፧
ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ሰለስተ መንእሰያት እብራውያን ናይ ህይወትን ሞትን ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር: ነቲ ዓብዪ ምስሊ ኺሰግዱሉ ኣለዎም ድዩ፧ ወይ ነቲ ምስሊ ምስጋድ ብምእባዮም ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ እዮም ኪድርበዩ ዘለዎም፧ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ንሓድሕዶም ንኺማኸሩ ግዜ ኣይነበሮምን፣ ከምዚ ኺገብሩ እውን ኣየድለዮምን። ሰጋእ መጋእ ከይበሉ ነቲ ንጉስ “ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም: ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ” በልዎ። (ዳንኤል 3:1-18) እቶም ሰለስተ እብራውያን ሓላፍነቶም ተሰከሙ።
2. ጲላጦስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ውሳነ ንኺገብር ጽልዋ ዝገበረሉ መን እዩ፧ እዚኸ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኻብ ተሓታትነት ናጻ ይገብሮ ድዩ፧
2 ካብዚ ሽዱሽተ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ: ሓደ ኣመሓዳሪ ነቲ ሓደ ሰብኣይ እተኸሰሉ ኽሲ ሰምዐ። ነቲ ጕዳይ ምስ መርመሮ: እቲ ኽሱስ ንጹህ ምዃኑ ኣመነ። እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ግን እቲ ኽሱስ ኪቕተለሎም ጠለቡ። እቲ ኣመሓዳሪ ንእተወሰነ ግዜ ሕቶኦም ድሕሪ ምጽራር: ሓላፍነቱ ኺስከም ብዘይምድላዩ በቲ ዝወረዶ ጸቕጢ ተምበርከኸ። ኢዱ እናተሓጽበ ኸኣ “ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ” ኢሉ ተዛረበ። ድሕሪኡ ነቲ ሰብኣይ ኪሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። እወ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሓላፍነቱ ኣብ ክንዲ ዚስከም: ካልኦት ኪውስኑሉ ፈቐደሎም። ዋላ እውን ብማይ ዓሰርተ ሳዕ ይተሓጸብ: በቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ተሓታቲ ኻብ ምዃን ኣየምልጥን እዩ።—ማቴዎስ 27:11-26፣ ሉቃስ 23:13-25
3. ካልኦት ውሳነታት ኪገብሩልና ኽንሓድጎም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
3 ንስኻኸ ውሳነ ኽትገብር ክትሕተት ከለኻ ኸምቶም ሰለስተ እብራውያን ዲኻ፧ ወይስ ካልኦት ኪውስኑልካ ኢኻ እትጽበ፧ ውሳነ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ቅኑዕ ምርጫታት ንምግባር ብስለት የድሊ። ንኣብነት: ወለዲ ንነኣሽቱ ደቆም ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብሩሎም ኣለዎም። ልክዕ እዩ: እተሓላለኸ ዅነታት ኣብ ዚፍጠረሉን ብዙሕ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኣብ እተእትወሉን ኵነታት ውሳነ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር: ውሳነታት ንምግባር ዘሎና ሓላፍነት: ምስቲ እቶም “መንፈሳውያን” ኪጾሩልና እተመደበ ኣዝዩ ኸቢድ “ጾር” ዚምደብ ኣይኰነን። (ገላትያ 6:1, 2) ኣብ ክንዳኡስ: “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” (ሮሜ 14:12) መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ይብል። (ገላትያ 6:5) ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ኣብ ህይወትና ጥበባዊ ስጕምትታት ክንወስድ እንኽእል፧ ፈለማ: ከም ሰባት መጠን ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኽንፈልጥን ነዚ ንምጥጣእ እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ ክንመሃርን ኣሎና።
ቀንዲ ረቛሒ
4. ካብቲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ትእዛዝ ብምጥሓስ ዝገበርዎ ውሳነ: እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧
4 ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ሕማቕ ሳዕቤን ዘስዓበ ውሳነ ገበሩ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ኪበልዑ ወሰኑ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ነቲ ውሳነኦም መሰረት ዝዀኖም እንታይ እዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: “እታ ሰበይቲ ድማ: እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ: ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ: ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ: ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት: ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ: ንሱውን በልዔ” ይብል። (ዘፍጥረት 3:6) ሄዋን ዝገበረቶ ውሳነ ኣብ ስሱዕ ባህጊ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። እቲ ውሳነኣ ኣዳም ከም ዚሓብራ ገበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓጢኣትን ሞትን “ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:12) ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ብምጥሓስ ዝገበርዎ ነገር: ብዛዕባ ሰብ ዘለዎ ድሩትነት ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህረና ኣለዎ። እዚ ድማ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ መምርሒ ጠቢቑ እንተ ዘይስዒቡ: ግጉይ ውሳነ ናይ ምግባር ዝንባለ ዘለዎ ምዃኑ እዩ።
5. የሆዋ እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃበና፧ ካብኡ ንኽንጥቀምከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
5 የሆዋ ብዘይ መምርሒ ዘይገደፈና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና! ቅዱሳት ጽሑፋት “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ይብል። (ኢሳይያስ 30:21) የሆዋ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይዛረበና እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከነጽንዕን ብዛዕባኡ ርጡብ ፍልጠት ከነጥርን ኣሎና። ቅኑዕ ምርጫታት ንምግባር ነቲ ‘ንብጹሓት ዝዀነ ዕጹም ብልዒ’ ኽንምገብ ኣሎና። ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ድማ ብምልማድ [“ብተመክሮ:” ትርጕም 1990] ንልቦናና ነላምድ’ ኢና። (እብራውያን 5:14) ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንመሃሮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ልቦናና ኸነላምዶ ንኽእል ኢና።
6. ሕልናና ብግቡእ ንኺዓዪ እንታይ እዩ ዜድሊ፧
6 ውሳነ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እቲ ዝወረስናዮ ሕልና እዩ። እዚ ኸኣ ኣመዛዚንና ንኽንፈርድ የኽእለና: ‘ኪኸሰና ወይ ኪከላኸለልና’ እውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ሕልናና ብግቡእ ንኺዓዪ ግን: ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብርሃን ኪረክብን ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ ኣጸቢቑ ዚጽዕርን ኪኸውን ኣለዎ። ዘይሰልጠነ ሕልና በቲ ኣብቲ ዘለናሉ ዚርከብ ባህልን ልማዳት ብቐሊሉ ኺጽሎ ይኽእል እዩ። ከባቢናን ኣረኣእያ ሰባትን እውን ናብ ጌጋ ኺመርሓና ይኽእል እዩ። ሕልናና ሸቕ ኣብ ዜብለና እዋን ብተደጋጋሚ ዕሽሽ እንተ ኢልናዮን ስርዓታት ኣምላኽ እንተ ተጣሒሱን እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ውዒሉ ሓዲሩ ሕልናና “ብመዓለም” ከም ዝሓረረ ስጋ ስምዒት ኣልቦን ድንዙዝን ይኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብቓል ኣምላኽ ዝሰልጠነ ሕልና ዜተኣማምን መምርሒ እዩ።
7. ጥበባዊ ውሳነታት ኣብ ምግባር ቀንዲ ረቛሒ ዝዀነ እንታይ እዩ፧
7 እምበኣር: ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ዜኽእል ሓላፍነት ንምስካም ዜድሊ ቐንዲ ረቛሒ: ርጡብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋትን ንዕኡ ኣብ ግብሪ ኸነውዕል ዘሎና ኽእለትን እዩ። ምርጫታት ኪቐርበልና ኸሎ: ብኡንብኡ ብስምዒት ተደፊእና ናብ መደምደምታ ኣብ ክንዲ እንበጽሕ: ግዜ ወሲድና ስርዓታት ኣምላኽ ከነናድን ነዚ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ድማ ልቦናና ኽንጥቀምን ኣሎና። ከም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ብኡንብኡ ውሳነ ኽንገብር ኣብ እንሕተተሉ እዋን እኳ እንተዀነ: ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ እንተልዩናን ሕልናና ብእኡ እንተ ሰልጢኑን ብግቡእ ተዓጢቕና ኺበሃል ይከኣል እዩ። ናብ ብስለት ኣቢልና ምስጓምና ነቲ ውሳነ ናይ ምግባር ክእለትና ብኸመይ ከም ዜመሓይሾ ንምርኣይ: ኣብ ህይወት ዜጋጥም ክልተ መዳያት እስከ ንመርምር።
ምስ መን ክንተዓራረኽ ኣሎና፧
8, 9. (ሀ) ካብ ሕማቕ ዕርክነት ክንርሕቕ ከም ዘሎና ዚሕብረና እንታይ ስርዓታት እዩ፧ (ለ) ሕማቕ ዕርክነት ኪበሃል ከሎ ምስቶም ስርዓት ዘይብሎም ብቐጥታ ዚግበር ምሕዝነት ጥራይ ዜመልክት ድዩ፧ ግለጽ።
8 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 15:33) የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ኢሉ ነጊርዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:19) ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት ድሕሪ ምፍላጥና: ምስ ኣመንዝራታት: ዘመውቲ: ሰረቕቲ: ሰካራት: ከምኡውን ምስ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ክንቀራረብ ከም ዘይብልና ቐልጢፉ እዩ ዚርድኣና። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ ግን: ብፊልምታት: ብተለቪዥን: ወይ ብኮምፕዩተር ኣቢልካ ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ግዜ ምሕላፍ: ወይ ኣብ መጻሕፍቲ ብዛዕባኦም ምንባብ ጐዳኢ ምዃኑ ነስተውዕል ኢና። እቲ ምስ “ኣምሰሉታት” ብመርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ ዚግበር ዕላል እውን ብተመሳሳሊ ጐዳኢ እዩ።—መዝሙር 26:4
9 ምስቶም ብስነ-ምግባር ንጹሃት ግን ከኣ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እምነት ዘይብሎም ሰባት ጥብቂ ዕርክነት ብዛዕባ ምምስራትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ቅዱሳት ጽሑፋት “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይነግረና እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ሕማቕ ዕርክነት ዚበሃል ምስቶም ለኽበጥበጥ ዚብሉ ወይ ርኹሳት ሰባት ዚግበር ጥራይ ዘይምዃኑ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ስለዚ: ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ጥራይ ጥብቂ ዕርክነት ምግባርና ጥበብ እዩ።
10. ምስ ዓለም ብዛዕባ ዘሎና ርክብ ብዚምልከት ብሱል ውሳነ ንኽንገብር ዚሕግዝና እንታይ እዩ፧
10 ምስቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዘሎና ርክብ ምሉእ ብምሉእ ምብታኽ ዘይከኣል እዩ። (ዮሃንስ 17:15) ክርስትያናዊ ኣገልግሎት: ቤት ትምህርቲ: ስራሕ ምስ ኣብ ዓለም ዘለዉ ንኽንራኸብ ይግድደና እዩ። ካብ ሰብኣይን ሰበይትን ሓዲኦም ዘይኣማኒ እንተ ዀይኑ: እቲ ኣማኒ ብቐጻሊ ምስ ዓለም ኪራኸብ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ልቦናና ንጥቀመሉ እንተ ዄንና: ኣብ መንጎ ምስ ዓለም እተወሰነ ርክብ ምህላውን ጥብቂ ርክብ ምምዕባልን ብዙሕ ፍልልይ ምህላዉ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 4:4) በዚ ኸምዚ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ከም ስፖርታዊ ንጥፈታትን ሳዕስዒትን ዝኣመሰለ ኣብቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ዘይተጠቓለለ ንጥፈታት ከምኡውን ኣብ ስራሕ ዚዳሎ ድግሳትን ግብጃን ንኽንሳተፍ ወይ ንኽንሓድጎ ብሱል ወሳነ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
ስራሕ ምምራጽ
11. ንስራሕ ዚምልከት ውሳነ ኽንገብር ከለና: ፈለማ ኽንሓስበሉ ዚግባእ ነጥቢ እንታይ እዩ፧
11 ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብብስለት ንዓየሉ እንተ ዄንና: ነቲ ‘ንስድራቤትና ኽንሓሊ’ ዘሎና ግዴታ ኣብ እንፍጽመሉ መገዲ ውሳነታት ንኽንገብር ይሕግዘና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ፈለማ ኽንሓስብሉ ዘሎና: እቲ ባህሪ እቲ ስራሕ: ማለት እንታይ ክንገብር ዚሓትት ምዃኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዚዅንኖ ዓይነት ስራሕ ምስራሕ: ብርግጽ ጌጋ እዩ። ስለዚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣምልኾ ጣኦት: ስርቂ: ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ደም: ወይ ካልእ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ክትገብር ዚሓትት ስራሕ ኣይሕዙን እዮም። ኣስራሒና ዋላ እውን እንተ ኣዘዘና: ኣይንሕሱን ወይ ኣይነታልልን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ ራእይ 21:8
12, 13. ንስራሕ ብዚምልከት ውሳነ ኽንገብር ከለና: ብዘይካ እቲ ስራሕ ንባዕሉ ኻልእ እንታይ ረቛሒታት እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ፧
12 እቲ ስራሕ ብንጹር ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚጽበየና ብቕዓታት ዘይጥሕስ እንተዀነኸ፧ ብዛዕባ ሓቂ ዘሎና ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደን ልቦናና ምስ ተመሓየሸን: ካልእ ክንሓስበሉ ዘሎና ረቛሒታት ከነስተውዕል ንጅምር። እቲ ዕዮ ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት ዜሳትፈና እንተዀነ እንታይ ኢና እንገብር፧ ንኣብነት: ኣብ ሰባት ዚጣልዑሉ ማእከል ተቐባሊ ተሌፎን ኴንካ ምዕያይ እንተዀነኸ፧ ምንጪ እቲ ደሞዝናን እቲ ስራሕ ዚስርሓሉ ማእከልን እውን ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። ንኣብነት: ሓደ ባዕሉ ኮንትራት ዚወስድ ክርስትያን: ንሓደ ኻብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ቤተ-ክርስትያን ቀለም ንምልካይ ጨረታ ብምግባር: ብእኡ ኣቢሉ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ምስፋሕ ይሳተፍ ድዩ፧—2 ቈረንቶስ 6:14-16
13 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣስራሒና ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንዚካየደሉ ቦታ ንምጽብባቕ ኮንትራት እንተ ወሲዱ እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ኣብቲ ዚስራሕ ስራሕ ክሳዕ ክንደይ ሓላፍነት ከም ዘሎናን ኣብኡ እንሳተፈሉ መጠንን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ንዅሉ እቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ: እንተላይ ነቲ ግጉይ ተግባራት ዚግበረሉ ቦታታት ደብዳበ ምብጽጻሕን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ቕቡል ኣገልግሎታትን ብዚምልከትከ እንታይ ኢና እንገብር፧ እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:45 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ንውሳነና ኺጸልዎዶ ኣይግባእን፧ ነቲ ዕዮ ብቐጻሊ ምዕያይና ንሕልናና ብኸመይ ከም ዚጸልዎ እውን ኪርሳዕ የብሉን። (እብራውያን 13:18) እወ: ንስራሕ ብዚምልከት ብሱል ውሳነታት ንምግባር ጾርና ኽንስከም ኪበሃል ከሎ: ንልቦናና ኸነብልሖን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሕልና ኸነሰልጥኖን ዚሓትት እዩ።
“ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ”
14. ውሳነታት ክንገብር ከለና: ወትሩ እንታይ ነገራት ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧
14 ንዓለማዊ ትምህርትን ገሊኡ ዓይነት ሕክምናን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራትን ብዚምልከት እንገብሮ ውሳነታትከ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ ውሳነ ኽንገብር ከለና: ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጥን ንዕኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነቲ ናይ ምምዝዛን ክእለትና ኽንጥቀመሉን ኣሎና። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” በለ።—ምሳሌ 3:5, 6
15. ብዛዕባ ውሳነታት ምግባር: ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ንመሃር፧
15 እቲ እንገብሮ ምርጫታት መብዛሕትኡ ግዜ ንኻልኦት ስለ ዚጸሉ: ነዚውን ክንሓስበሉ ኣሎና። ንኣብነት: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ንምግቢ ዚምልከት ቀይድታት ዚገብር ሕጊ ሙሴ ኣይነበሩን። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ርኹስ ጌርካ ዚርአ ግን ካልእ ጸገም ዘይብሉ ገሊኡ ምግብታት ኪምገቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ምስ ቤተ መቕደስ ጣኦታት ምትእስሳር ኪህልዎ ዚኽእል ስጋ እንስሳ: “ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ: ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ: ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 8:11-13) ቀዳሞት ክርስትያናት ንኻልኦት ምእንቲ ኸይዕንቅፉ ኢሎም: ንሕልና እቶም ሰባት ኣብ ግምት ኬእትዉ ምትብባዕ ተዋሂብዎም ነይሩ። ውሳነታትና “መዐንቀፊ” ኪኸውን የብሉን።—1 ቈረንቶስ 10:29, 32
ጥበብ ኣምላኽ ድለ
16. ጸሎት ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
16 ውሳነታት ንምግባር እዚ ዘይበሃል ሓገዝ ካብ ዚገብረልና ነገራት ሓደ ጸሎት እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ” በለ። (ያእቆብ 1:5) ቅኑዕ ውሳነታት ንምግባር ከይተወላወልና ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብን ዜድሊ ጥበብ ኪህበና ኽንሓቶን ንኽእል ኢና። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ነገራት ክንዛረቦን መምርሒኡ ኽንደልን ከለና: መንፈስ ቅዱስ ነቲ እንሓስበሉ ዘለና ቕዱሳት ጽሑፋት ብዝያዳ ንኽንርድኦ ኺሕግዘናን ነቲ ዝረሳዕናዮ ኼዘኻኽረናን ይኽእል እዩ።
17. ኣብቲ ውሳነ ናይ ምግባር መስርሕ ካልኦት ኪሕግዙና ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
17 ካልኦት ሰባት ውሳነታት ንኽንገብር ኪሕግዙና ይኽእሉዶ፧ እወ: የሆዋ ኣብ ጉባኤ ብሱላት ውልቀ-ሰባት ሂቡና ኣሎ። (ኤፌሶን 4:11, 12) ብፍላይ እቲ እንገብሮ ውሳነ ዓብዪ እንተ ዀይኑ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክንውከሶም ንኽእል ኢና። እቶም ዓሚቝ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ብዙሕ ተመክሮን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት: ንውሳነና ኺጸሉ ዚኽእል ተወሳኺ ስርዓታት ኣምላኽ ኬዘኻኽሩናን ‘እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር’ ኪሕግዙናን ይኽእሉ እዮም። (ፊልጲ 1:9, 10) ይኹን እምበር: ኣብዚ ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ሓደ ነጥቢ ኣሎ። ካልኦት ከይውስኑልና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እቲ ሓላፍነት ንሕና ኢና እንስከሞ።
ፍረኡ ወትሩ ጽቡቕ ድዩ፧
18. ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ውሳነ ዜፍርዮ ፍረ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧
18 ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ብጥንቃቐ እተገብረ ውሳነታት ወትሩ ጽቡቕ ፍረ ድዩ ዘለዎ፧ ኣብ ነዊሕ እዋን: እወ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዘለዎ። ሓድሓደ ግዜ ግን ኣብ ሓጺር እዋን ጸገም ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ዓብዪ ምስሊ ብዘይምምላኾም ኪሞቱ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዳንኤል 3:16-19) ብተመሳሳሊ: እቶም ሃዋርያት ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ: ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዚግባእ ምስ ተዛረቡ: ቅድሚ ናጻ ምውጻኦም ተገሪፎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29, 40) ብዘይካዚውን: “ጊዜን ኣጋጣምን” ንዝዀነ ይኹን ውሳነና ብሕማቕ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11) ቅኑዕ ውሳነ ጌርና ኽነስና ዝዀነ ይኹን ጸገም እንተ ኣጋጢሙና: የሆዋ ጸኒዕና ንኽንቅጽል ከም ዚሕግዘናን ኣብ መወዳእታ ኸም ዚባርኸናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:7
19. ውሳነታት ንምግባር ጸጾርና ብትብዓት ክንጸውር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
19 እምበኣር ውሳነታት ክንገብር ከለና: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክንደልን ነዚ ንኽንዓየሉ ኣእምሮና ኽንጥቀመሉን ኣሎና። ነቲ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱን በቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ሰባትን ኣቢሉ ዚህበና ሓገዝ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዚግባእ! በዚ መምርሒታትን ምድላዋትን ኣቢልና: ውሳነታት ብጥበብ ብምውሳን ጸጾርና ብትብዓት ንጹር።
እንታይ ተማሂርካ፧
• ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ እንታይ እዩ፧
• ናብ ብስለት ምስጓም ንናይ ዕርክነት ምርጫና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
• ብዛዕባ ስራሕ ውሳነታት ክንገብር ከለና: እንታይ ኣገዳሲ ረቛሒታት ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግባእ፧
• ውሳነ ንምግባር ዚሕግዝ እንታይ ኣሎ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ምጥሓሶም: ኣገዳሲ ትምህርቲ ይዀነና
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ: ስርዓታት ኣምላኽ ኣናዲ