ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ይሃሉኻ ብጥበብ ድማ ተመላለስ

ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ይሃሉኻ ብጥበብ ድማ ተመላለስ

ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ይሃሉኻ ብጥበብ ድማ ተመላለስ

ነዚ ዝስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ:- የሱስ ክርስቶስ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝርከቡ ሃይማኖታውያን ጸላእቱ ብዙሕ ከሳቕይዎን ክቐትልዎን ምዃኖም ይገልጽ ነበረ። እቲ ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ዝዀነ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ክቕበሎ ኣይከኣለን። አረ ንየሱስ ንበይኑ ገይሩስ ክገንሖ ጀመረ። ጴጥሮስ ካብ ቅንዕናን ሓልዮትን ከም እተበገሰ ዘጠራጥር ኣይኰነን። የሱስ ግን ነተሓሳስባ ጴጥሮስ ብኸመይ ረኣዮ፧ “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ።—ማቴዎስ 16:21-23

እዝስ ንጴጥሮስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣሰምቢድዎ ክኸውን ዘለዎ! ኣብቲ እዋን እቲ: ነቲ ዘፍቅሮ ጐይታኡ ሓገዝን ደገፍን ኣብ ክንዲ ዝኸውን: “መዓንቀፊ” እዩ ዀይኑ። እዚ ብኸመይ እዩ ዀይኑ፧ ጴጥሮስ እቲ ኣብ ሰባት ልሙድ ዝዀነ ጕድለት ኣተሓሳስባ ማለት ነቲ ኽኣምኖ ዝደሊ ጥራይ ብምእማኑ እዩ ተዓሽዩ ክኸውን ዝኽእል።

ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ርእስኻ ኣይትተኣማመን

ሓደ ኻብቲ ቕኑዕ ኣተሓሳስባ ንኸይህልወና መፈንጠራ ዝዀነና ነገር: መጠኑ ዝሓለፈ ርእሰ-ተኣማንነት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብጾት “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 10:12) ጳውሎስ ከምዚ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ኣተሓሳስባ ሰባት ንኽጥወ ኽሳዕ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ። አረ: ኣተሓሳስባ ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ‘ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ክጠፍእ’ ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 11:3

እቶም ቅድሚ ጳውሎስ ዝነበሩ ናይ ኣባሓጐታቱ ወለዶ ኸምዚ እዮም ኰይኖም። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ “ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን: መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን” በሎም። (ኢሳይያስ 55:8) “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን” እኳ እንተ ነበሩ: መወዳእታኦም ግን ጥፍኣት እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 5:21) እምበኣር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ንምምላጥ ኣተሓሳስባና ብኸመይ ቅኑዕ ከም እንገብሮ ምምርማር ጥበባዊ እዩ።

ካብ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ተጠንቀቕ

ገሊኣቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብስጋዊ ኣተሓሳስባ ኣመና ተጸልዮም ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 3:1-3) ካብ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብ ፍልስፍና ሰባት ዝያዳ የተኵሩ ነበሩ። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ግሪኻውያን ፈላስፋታት: በላሕቲ ምንባሮም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ዓያሱ እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ብዛዕባዚ ኸምዚ በለ:- “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ: ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ: ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ: . . . ጥበበኛ ኣበይ አሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ አሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ አሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧” (1 ቈረንቶስ 1:19, 20) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ በላሕቲ ሰባት ብመንፈስ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብ“መንፈስ ዓለም” እዮም ዝምርሑ ነይሮም። (1 ቈረንቶስ 2:12) ፍልስፍናታቶምን ሓሳባቶምን ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዝሰማማዕ ኣይነበረን።

ቀንዲ ምንጪ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጋዊ ኣተሓሳስባ እቲ ንሄዋን ብተመን ገይሩ ዘስሓታ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ 2 ቈረንቶስ 11:3) ሕጂኸ ንዓና የስግኣና ድዩ፧ እወ: የስግኣና እዩ! ብመሰረት ቃል ኣምላኽ: ሰይጣን ‘ንሓሳብ ሰባት ብምዕዋር’ ኣብዚ ግዜ እዚ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ” ተባሂሉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 12:9) ንውዲቱ ንቑሓት ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!—2 ቈረንቶስ 2:11

ካብ “ምጥባር ሰብ” ንጠንቀቕ

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ “ምጥባር ሰብ” እውን ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:14) ነቲ ሓቂ ጠውዮም ዘቕርቡ “ዚጥብሩ ዓየይቲ” ኣጋጢሞምዎ ነይሮም። (2 ቈረንቶስ 11:12-15) እዞም ሰባት እዚኣቶም ሸቶኦም ንምውቃዕ ነተሓሳስባኦም ዝድግፍ መርትዖ ጥራይ የቕርቡ: ንስምዒት ዝትንክፍ ቃላት ይጥቀሙ: ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ብዘይኰነ ነገር ገይሮም የታልሉ: ዘደናግር ነገር ይዛረቡ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዓይኒ ዘይብሉ ሓሶት ይጥቀሙ።

ፕሮፓጋንዳ ዝዝርግሑ ሰባት ንኻልኦት ዘጸልም ከም “ኣንቈራ” ዝኣመሰለ ቓላት ይጥቀሙ። ንሓደስቲ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ዝምርምሩ ሰበ-ስልጣን “ነዛ ቓል እዚኣ እንተ ዘይተጠቕሙ ዝሓሸ እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ባይቶኣዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቐረበ። ስለምንታይ፧ እታ ንጕጅለ ምእመናን ንምግላጽ ዝጥቀሙላ “ኣንቈራ” እትብል ቃል ኣሉታዊ መልእኽቲ እያ እተመሓላልፍ ዝብል ስምዒት ስለ እተፈጥረ እዩ። ምሁራት ግሪኽ እውን ብተመሳሳሊ ንሃዋርያ ጳውሎስ “ዓጃው:” ወይ ቃል ብቓሉ “ኣራይ ዘርኢ” ብምባል ዘይስሙ ሂቦምዎ ነይሮም። ከምዚ ኽብሉ ኸለዉ ኸኣ ሓደ እተወሰነ ፍልጠት ኣልዒሉ ኽደጋግሞ ዝውዕል ሃታው ከም ዝዀነ እዮም ዝገልጹ ነይሮም። ከም ሓቂ ግን ጳውሎስ ብዛዕባ ‘የሱስን ትንሳኤን እዩ ዝሰብከሎም ነይሩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 17:18

ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ሰባት ዝጥቀሙሉ ሜላ ይዓዪ ድዩ፧ እወ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ነቲ ሰባት ንኻልእ ህዝቢ ወይ ሃይማኖት ዘለዎም ኣረኣእያ ቔናን ከም ዝኸውን ብምግባር ዓሌታውን ሃይማኖታውን ጽልኢ ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ግደ ኣለዎም። ብዙሓት ነቶም ብህዝቢ ተቐባልነት ዘይብሎም ውሑዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምጽቃጥ ተጠቒሞምሉ እዮም። ኣዶልፍ ሂትለር ንኣይሁድን ንኻልኦትን “ብልሹዋት:” “እኩያት:” ከምኡውን ንሃገር “ዘስግኡ” ኸም ዝዀኑ ገይሩ ኽገልጾም ከሎ ነዚ ሜላ እዚ እዩ ተጠቒሙሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትላል ነተሓሳስባኻ ኽምርዞ ስቕ ኢልካ ኣይትርአ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:19-22

ንርእስኻ ኣይትጠብር

ንርእስና ምጥባር እውን ቀሊል እዩ። አረ: ኣጸቢቕና ንእንኣምነሉ ኣረኣእያ ምውጋዱ ወይ ኣብ ሕቶ ምእታዉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነረኣእያና ንፈትዎ ስለ ዝዀንና እዩ። ድሕሪኡ መመኽነይታ ብምፍጣር ነቲ ብሓቂ ጌጋን ዘታልልን እምነታት ሸለል ብምባል ንርእስና ንጥብር።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኣጋጢምዎም ነይሩ። ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል ይፈልጡ ነይሮም: ነተሓሳስባኦም ክመርሖ ግን ኣይፈቐዱሉን። ኣብ መወዳእታኡ ‘ርእሶም ጠበሩ።’ (ያእቆብ 1:22, 26) ንርእስና ንጥብር ከም ዘለና ኽሕብረና ኻብ ዝኽእል ነገራት ሓደ እንኣምነሉ ነገራት ኣብ ሕቶ ኽኣቱ ኸሎ ንቝጣዕ እንተ ዄንና እዩ። ኣብ ክንዲ እንሓርቕ ግን ዋላ እውን ኣረኣእያና ቕኑዕ ምዃኑ ርግጸኛታት ከም ዝዀንና እንተ ተሰምዓና: ኣእምሮና ክፉት ብምግባር ካልኦት እንታይ ከም ዝብሉ ተጠንቂቕና ምስማዕ ጥበባዊ እዩ።—ምሳሌ 18:17

‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ንምርካብ ኵዓት

ኣተሓሳስባና ቕኑዕ ኰይኑ ንክቕጽል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ክሕግዘና ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ: ንኽንጽዕር ግን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።” (ምሳሌ 2:1-5) እወ: ነእምሮናን ልብናን በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ኽንመልኦ እንተ ጽዒርና: ናይ ሓቂ ጥበብን ምስትውዓልን ክንረክብ ኢና። ብኻልእ ኣበሃህላ: ካብ ብሩር ወይ ካልእ ክቡር ጥሪት ዝበልጽ ነገር ንምርካብ ንዅዕት ማለት እዩ።—ምሳሌ 3:13-15

ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ንኽህልወና: ጥበብን ፍልጠትን ናይ ግድን ኣድለይቲ ምዃነን እተረጋገጸ እዩ። ቃል ኣምላኽ “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ: ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ: ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ” ይብለና።—ምሳሌ 2:10-13

ብፍላይ ኣብ ግዜ ጸበባ ወይ ሓደጋ በተሓሳስባ ኣምላኽ ክንምራሕ ኣሎና። ከም ሕርቃን ወይ ፍርሂ ዝኣመሰለ ሓያል ስምዒታት ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ንኸይህልወና ኽዕንቅፈና ይኽእል እዩ። ሰሎሞን “ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ” በለ። (መክብብ 7:7) አረ ሕሉፍ ሓሊፍናስ ‘ኣብ እግዚኣብሄር ከነንጸርጽር’ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 19:3) ብኸመይ፧ ብዝወርደና ጸገማት ንኣምላኽ ተሓታቲ ብምግባርን ምስ ሕግታቱን ስርዓታቱን ዘይሰማማዕ ነገር ንምግባር ከም መመኽነይታ ብምጥቃምን ኢና ኣብ ኣምላኽ እነንጸርጽር። ወትሩ ንዅሉ ነገራት ኣጸቢቕና ኸም እንፈልጥ ጌርና ኣብ ክንዲ እንሓስብ: ነቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ክምዕዱና ዝጽዕሩ ጥበበኛታት መኸርቲ ብትሕትና ንስምዓዮም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ ከም እተጋገና ምስ ተረጋገጸ ነቲ ኣጸቢቕና እንኣምነሉ ዝነበርና ኣረኣእያታት እውን ንኽንሓድጎ ድሉዋት ንኹን።—ምሳሌ 1:1-5፣ 15:22

‘ንኣምላኽ ለምኖ’

ዘደናግርን ሓደገኛን ኣብ ዝዀነ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ጽቡቕ ምምዝዛን ክህልወናን ብጥበብ ክንመላለስን እንተ ዄንና: የሆዋ ንኽመርሓና ወትሩ ኽንጽሊ የድልየና። ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:6, 7) እተሓላለኸ ጸገማት ወይ ፈተናታት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ጥበብ እንተ ጐዲላትና: ‘ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ንለምኖ።’—ያእቆብ 1:5-8

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ብጥበብ ክመላለሱ ኸም ዘድልዮም ስለ ዝፈለጠ: ‘ነቲ ግሩህ ሓሳቦም ከንቅሖ’ ጸዓረ። ‘ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያት ካብ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዝረኸብዎ ትእዛዝን ክዝክሩ’ ደለየ። (2 ጴጥሮስ 3:1, 2) ከምዚ እንተ ጌርናን ነተሓሳስባና ምስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕ እንተ ጌርናዮን: ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ይህልወና: ብጥበብ ድማ ንመላለስ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ክርስትያናት ኣተሓሳስባኦም ብፍልስፍናታት ዘይኰነስ ብጥበብ ኣምላኽ ከም ዝቕረጽ ገበሩ

[ምንጪ ስእሊ]

Philosophers left to right: Epicurus: Photograph taken by courtesy of the British Museum; Cicero: Reproduced from The Lives of the Twelve Caesars; Plato: Roma, Musei Capitolini

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎትን መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ