ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስርዓታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስርዓታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስርዓታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ሩደልፍ “ናይ ኣቦታተይ ጸኒሑኒ ኢልካ ሓደ ሃይማኖት ክትስዕብ እንተ ዄንካ: ነቲ ኣስታት 2,000 ዓመታት ይገብር ኣቦታትና ዝስዕብዎ ዝነበሩ ናይ ሰልት ሃይማኖት ንምንታይ ዘይትስዕብ፧” ብምባል ብኣሽሙር ሓተተ። እዛ ሕቶ እዚኣ ነቲ ዝሰምዖ ዝነበረ መንእሰይ ፍሽኽ ኣበለቶ።

ቀጺሉ ሩደልፍ ከምዚ በለ:- “ንዓይ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቅድሚ ዓሰርተታት ወይ እውን ኣማእታት ዓመታት ዝነበሩ ኣቦታተይ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ስለ ዝነበሮም ኢለ ዝጸንሓኒ ሃይማኖታዊ እምነት ክስዕብ ኣይደልን ኣየ።” ሩደልፍ ነዚ ነገር እዚ ኣርዚኑ እዩ ርእይዎ: ንሃይማኖቱ ብውርሲ ስለ ዝጸንሖ ጥራይ ክስዕቦ ኣይደለየን።

ብውርሲ ዝመሓላለፍ ሃይማኖት ኣብዚ ግዜና እናነከየ ይኸይድ እኳ እንተሎ: ዛጊት ግን ብዙሓት ነቲ ኣቦታቶም ዝስዕብዎ ሃይማኖት እዮም ዝስዕቡ ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ወለድኻ ንዝስዕብዎ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ምስዓብ ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ እንታይ ይብል፧

እቲ ንሙሴ ዝተክአ እያሱ ነቶም ን40 ዓመታት ኣብ ምድረ⁠-​በዳ ኰለል ዝበሉ እስራኤላውያን ነዚ ዝስዕብ ምርጫ ኣብ ቅድሚኦም ኣንበረሎም:- “ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ: ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን: ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።”​—⁠እያሱ 24:15

ሓደ ኻብቶም እያሱ ዝዛረበሎም ዝነበረ ኣቦታት እቲ ኣብታ ኽንየው ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረት ከተማ ኡር ዝነብር ዝነበረ ታራ ኣቦ ኣብርሃም እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ታራ ኻልኦት ኣማልኽቲ የምልኽ ከም ዝነበረ እንተ ዘይኰይኑ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ። (እያሱ 24:2) ኣብርሃም ወዱ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ምሉእ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበሮ: የሆዋ ኻብታ ዝዓበየላ ኸተማ ክወጽእ ምስ ኣዘዞ ግን ንምግባሩ ፍቓደኛ ዀነ። እወ: ኣብርሃም ካብ ናይ ኣቦኡ እተፈልየ ሃይማኖት መረጸ። ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ነገር ረኸበ: ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት ከኣ ነቶም “ዚአምኑ ዅሎም: ኣቦኦም” ተባሂሉ ይፍለጥ ኣሎ።​—⁠ሮሜ 4:11

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ኣብ መስመር ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ዝኣተወት ሩት እውን ብኣወንታዊ መገዲ እዩ ዘዘንቱ። ሩት ንሓደ እስራኤላዊ እተመርዓወት ሞኣባዊት ሰበይቲ ነበረት: ጸኒሑ ግን ሰብኣያ ሞተ: ድሕርዚ ኣብ ዓዳ ካብ ምትራፍን ምስ ሓማታ ናብ እስራኤል ካብ ምምላስን ሓዲኡ ኽትሓሪ ነበራ። ኣምልኾ የሆዋ ምስቲ ወለዳ ዝስዕብዎ ኣምልኾ ጣኦት ክወዳደር ከሎ ዝበለጸ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት: ንሓማታ “ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ።​—⁠ሩት 1:16, 17

ዲክስዮናር ደ ላ ቢብል እዚ ዛንታ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣገዳስነት ክገልጽ ከሎ: “ሓንቲ ኻብቶም ንእስራኤላውያን ተጻረርቶም ዝነበሩን ብእኦም ዝጽልኡ ኣረማውያንን ዝነበረት መጻእተኛ ሰበይቲ: . . . ንህዝብን ኣምልኾን የሆዋ ኻብ ዘለዋ ፍቕሪ እተላዕለ ብፍቓድ ኣምላኽ እኖሓጎ እቲ ቕዱስ ንጉስ ዳዊት ከም ዝዀነት” ዘርኢ ምዃኑ ገለጸ። ሩት ካብ ናይ ኣቦታታ እተፈልየ ሃይማኖት ካብ ምስዓብ ድሕር ኣይበለትን: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ በረኸት ኣምላኽ ረኸበት።

እቲ ብዛዕባ ኣጀማምራ ክርስትና ዝገልጽ ዛንታ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ናይ ኣቦታቶም ሃይማኖት ስለምንታይ ከም ዝጠንጠንዎ ብንጹር እዩ ዝገልጽ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰማዕቱ ዘእምን ዝርርብ ድሕሪ ምግባር ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም ብስም የሱስ ክርስቶስ ብምጥማቕ ‘ካብቲ ቔናን ወለዶ ኽድሕኑ’ ዓደሞም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​37-41) ኣብዚ መዳይ እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ኣብነት ዝዀነና እቲ ሰጓጕ ክርስትያናት ዝነበረ ሳውል ዝበሃል ኣይሁዳዊ እዩ። ናብ ደማስቆ ኣብ ዝወስድ መገዲ ንክርስቶስ ብራእይ ረኣዮ: ድሕርዚ ክርስትያን ኰነ: ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ተባህለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:1-9

መብዛሕትኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ናይ ጳውሎስ ዝኣመሰለ መስተንክር ተመክሮ ኣየሕለፉን። ኰይኑ ግን ኵላቶም እንተ ንኣይሁድነት እንተ ንኣምልኾ ጣኦታት ክሓድጉ ነበሮም። እቶም ክርስትና እተቐበሉ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምሉእ ፍልጠት እዩ ነይርዎም: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ከም መሲህ መጠን ዘለዎ ግደ ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር እዮም ዝቕበልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-40፣ 13:16-43፣ 17:22-34) እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት እዚኣቶም ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኽገብሩ ኸም ዘድልዮም ብንጹር ተነጊርዎም ነይሩ። እቲ ዕድመ ንኣይሁድ ኰነ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ዝምልከት እኳ እንተ ነበረ: እቲ መልእኽቲ ግን ኣይቀያየርን ነበረ። ንኣምላኽ ንምሕጓስ ሓድሽ ዓይነት ኣምልኾ ማለት ክርስትና ምስዓብ ኣድላዪ ነበረ።

ንዓናውን ዝቐረበልና ምርጫ

ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ከም ኣይሁድነት: ናይ ሃጸይ ኣምልኾ: ኣምልኾ ጣኦት ዝኣመሰለ ኣቦታቶም ዝስዕብዎ እምነታት ጠንጢኖም ብኣይሁድ ኰነ ብሮማውያን ዝነዓቕ ሃይማኖት ክስዕቡ ብርግጽ ትብዓት የድልዮም ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ እዚ ምርጫ እዚ ከቢድ መስጐጕቲ ኣስዒብሎም እዩ። ኣብዚ ግዜናውን: ከምቲ እቲ ኣብ ክለርሞን⁠-​ፈራን ናይ ካቶሊክ ኣቡን ዝዀነ ኢፖሊት ሲሞን ኣብታ ቬኽ ኡን ፍኻንስ ፓዬን፧ (ኣረማውነት ፈረንሳ፧) ዘርእስታ መጽሓፉ ዝገለጾ: ‘ኣብቲ እናኣስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምስ ካልኦት ተወሃሂድካ ናይ ምንባር ሃዋሁ ንኸይትጥሕልን ብእኡ ንኸይትወሓጥን’ ተመሳሳሊ ትብዓት የድሊ። ምስቶም ሓድሓደ ግዜ ነቐፋ ዝወርዶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕባር እውን ትብዓት ዝሓትት እዩ።

ኣብ ባስትያ: ኮርሲካ: ዝነብር ፖል ዝበሃል መንእሰይ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ኰይኑ እዩ ዓብዩ። ስለዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ንማሕበር ግብረ⁠-​ሰናይ ካቶሊክ ገንዘብ ንምእካብ ምቁር ሕብስቲ ብምሻጥ ዝግበር ምንቅስቓስን ኣብ ካልእ ቤተ⁠-​ክርስትያኑ እትገብሮ ንጥፈታትን ይሳተፍ ነበረ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓሸ ምርዳእ ክህልዎ ስለ ዝደለየ ግን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀጻሊ ምይይጥ ክገብር ተሰማምዐ። ጸኒሑ እቲ እተማህሮ ነገራት ነባሪ ረብሓታት ከም ዘምጽኣሉ ፈለጠ። በዚ ምኽንያት እዚ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተቐበሎ: ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ኰነ። ወለዱ ንውሳነኡ ተቐበልዎ: እዚ ድማ ነቲ ምስ ስድራ​ቤቱ ዘለዎ ጥብቂ ርክብ ኣይተንከፎን።

ኣሜሊ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ እያ እትነብር። ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ወለዶ ጀሚሩ ኣባላት ስድራ​ቤታ ናይ የሆዋ መሰ​ኻኽር እዮም። ናይ ወለዳ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ክትቅበል ዝመረጸት ስለምንታይ እያ፧ ባዕላ ኸምዚ ኢላ መለሰት:- “ወለድኻ ወይ ኣባሓጐታትካ ኰኑ እኖሓጐታትካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀኑ ወይ ስለ ዝነበሩ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይትኸውንን ኢኻ። የግዳስ ውዒልካ ሓዲርካ ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ዝኣምነሉ ስለ ዝዀነ እዩ ሃይማኖተይ ኰይኑ’ ትብል ኢኻ።” ኣሜሊ ልክዕ ከም ካልኦት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ድልዱል ሃይማኖታዊ እምነታ ትርጕም ህይወትን ምንጪ ነባሪ ሓጐስን ከም ዝዀና ትፈልጥ እያ።

ስርዓታት ኣምላኽ እትቕበለሉ ምኽንያት

መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ 6 ቍጽሪ 20 ነቶም ንኣምላኽ ከሐጕሱ ዝደልዩ “ወደየ: ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ: ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ” ብምባል ተተባብዖም። እዚ ማዕዳ እዚ ንመንእሰያት ብድብድቡ ተኣዘዙ ዘይኰነስ: እምነቶም ብምድልዳልን ባዕላቶም ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ብምቛምን ስርዓታቱ ንኽቕበሉ እዩ ዝላበዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጾቱ “ንዅሉ ተዐዘብዎ” ማለት ነቲ እተማህርዎ ምስ ቃልን ፍቓድን ኣምላኽ ዝሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኸረጋግጹ እሞ ድሕሪኡ ምስኡ ተሰማሚዖም ንኽመላለሱ ጻውዒት ኣቕረበሎም።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:21

ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝበዝሑ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ክርስትያን ስድራ​ቤት ይዕበዩ ኣይዕበዩ ብዘየገድስ: እዚ ውሳነ እዚ ገይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ብምጽናዕ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዘዕግብ መልሲ ረኺቦም: ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸኣ ብንጹር ተረዲኦም እዮም። ነዚ ፍልጠት እዚ ኸጥርዩ ኸለዉ ንስርዓታት ኣምላኽ ተቐቢሎምዎ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከኣ ዝከኣሎም ኵሉ ገይሮም እዮም።

ነዛ መጽሔት እዚኣ ኣዘውቲርካ እተንብብ ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መንፈሳዊ ስርዓታት ንኽትምርምሮ ክሕግዙኻ ንዘቕርብዎ ጻውዒት ንምንታይ ዘይትቕበሎ፧ በዚ ኸምዚ የሆዋ ‘ሰናይ ምዃኑ ኽትጥዕምን ኽትርእን’ ፍልጠት ኸተጥርን ኢኻ: ነዚ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልካዮ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ክትረክብ ኢኻ።​—⁠መዝሙር 34:8፣ ዮሃንስ 17:3

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ኣርባዕተ ወለዶ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሩት ነቶም ናይ ኣቦታታ ኣማልኽቲ ኣብ ክንዲ እተገልግል ንየሆዋ ምግልጋል መረጸት