ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ርኣይዎ
ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ርኣይዎ
ዓሰርተ አርባዕተ መስከረም 2002 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ.: ሙቐትን ጸሓይን ዝነበራ መዓልቲ እያ ነይራ። በታ መዓልቲ እቲኣ: ካብ እተፈላለዩ ሃገራት እተኣከቡ 6,521 ሰባት ኣብ ፓተርሰን ኣብ ዝርከብ ትምህርታዊ ማእከልን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ክልተ ኻልእ ህንጻታትን ተኣኪቦም ነበሩ። እቶም ተኣከብቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ናይ መበል 113 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈሉ እዮም ተኣኪቦም። እቶም ተመረቕቲ ኻብ 14 ሃገራት እተዋጽኡ ዀይኖም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ 19 ሃገራት ንዝገብርዎ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቶም ዘዳልዎም ትምህርቲ ተዋሂብዎም እዩ።
እቲ ናብ መበል 98 ዕድሚኡ ዝኸይድ ዘሎ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካሪ ባርበር ናይቲ ፕሮግራም ኣቦ መንበር ነበረ። እታ ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት ሚስዮናውያን ንክዀኑ ዘሰልጠነት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ካብ እትምስረት 60 ዓመት ክትመልእ ቅሩብ ከም ዝተረፋ ገለጸ። ቀጺሉውን ከምዚ በለ:- “ካብቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ብዙሕ ፍረ ተረኺቡ እዩ ምስ እንብል ምግናን ኣይኰነን። ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ትሑታት ሰባት በቲ ኻብቶም ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ዝረኸብዎ ሓገዝ ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም: ናይ ሓቂ ኣምልኾን ቅዱስ ኣገልግሎትን እውን ተቐቢሎም እዮም።”
ሓያሎ ኻብቶም ተማሃሮ ኣብ ጊልዓድ ቅድሚ ምእታዎም ኣገልግሎቶም ከስፍሑ ኸም ዝደልዩ ኣርእዮም እዮም። ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዓዶም ካናዳ ንዝርከቡ ቻይናውያን ንምሕጋዝ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቋንቋ ቻይና ተማሂሮም እዮም። ካልእ ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ባዕሎም ቋንቋ ኣልባንያ ንኽመሃሩ ጽዒሮም: መወዳእታኡ ኸኣ ነቶም ኣብ ኣልባንያ ዘለዉ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምድጋፍ ናብታ ሃገር ግዒዞም። ካልኦት ካብቶም ተማሃሮ ድማ ኣብቲ ዝያዳ መምህራን ቃል ኣምላኽ ዘድልዩሉ ሃገራት ማለት ኣብ ሃንጋሪ: ጓቲማላ: ከምኡውን ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም።
ድሕርዚ ናብ ኣፍሪቃ: ምብራቕ ኣውሮጳ: ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ: ከምኡውን ናብ ርሑቕ ምብራቕ ተመዲቦም ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ኵሉ ተግባራቶም ንኣምላኽ ኣብ ግምት ከእትዉ ምትብባዕ ተዋሂብዎም።
ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ርኣይዎ
ሓው ባርበር ደድሕሪ እቲ መእተዊ ዝርርቡ እቲ መድረኽ ነቲ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነ ማክስወል ሎይድ ገደፈሉ። ንሱ ድማ “ንዅሉ ነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ርኣይዎ” ዝብል ነጥቢ ኣጕልሐ። ሓው ሎይድ ነቲ ዳዊትን የሱስ እቲ ወዲ ኣምላኽን ዝገደፉልና ኣብነታት ኣጕልሐ። (1 ሳሙኤል 24:6፣ 26:11፣ ሉቃስ 22:42) ነቶም ተማሃሮ እቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ንኽርእዩ ኸም ዘሰልጠኖም ድሕሪ ምዝኽኻር: “ኣብቲ እተመደብኩምሉ ቦታታት ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዑ ኽትሕግዝዎም ከለኹም: ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ንኽርእይዎ ትሕግዝዎምዶ ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንኻልኦት ብዛዕባ ምምካር ዝመጸ ኸኣ “ ‘ንዓይ ከም ዝመስለኒ . . .’ ኢልኩም ኣይትዛረቡ። የግዳስ ኣረኣእያ ኣምላኽ ንኽሕዙ ሓግዝዎም። ከምዚ ምስ እትገብሩ ነቶም ኣብቲ እተመደብኩምሉ ቦታ እትረኽብዎም ሰባት ብሓቂ ኽትጠቕምዎም ኢኹም” ብምባል መዓዶም።
ድሕርዚ ኽፍሊ ዝነበሮ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ገራት ሎሽ ነበረ። ኣርእስቲ ዝርርቡ “ኣነ ምሳኻ እየ” ዝብል ኰይኑ: የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ እዘን ቃላት እዚኣተን እተጠቕመለን እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ጠቐሰ። (ዘፍጥረት 26:23, 24፣ 28:15፣ እያሱ 1:5፣ ኤርምያስ 1:7, 8) ኣብዚ ግዜናውን እሙናት እንተ ዄንና: የሆዋ ምሳና ኸም ዝዀነ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ሓው ሎሽ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሩ ሰባት ንረክብዶ ንኸውን ኢልኩም ትጭነኹ ዲኹም፧ የሆዋ ‘ኣነ ምሳኻ እየ’ ኸም ዝበለኩም ኣይትረስዑ። ብስጋ ዘድልየና ንረክብዶ ኢልኩምከ ትጭነቑ ዲኹም፧ የሆዋ ‘ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ’ ኢልኩም እዩ” በሎም። (እብራውያን 13:5) ቀጺሉውን የሱስ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምስ እሙናት ሰዓብቱ ክኸውን ምዃኑ ኸም እተመባጽዐ ብምዝኽኻር ዝርርቡ ዛዘመ።—ማቴዎስ 28:20
ናይ ጊልዓድ መምህር ሎረንስ ቦወን ዘቕረቦ ዝርርብ ድማ “ብሓዊ ኽትፍተኑ ኸለኹም ዕቝባ ኽትረኽቡ ዲኹም፧” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዘቕረበሉ ምኽንያት: ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ክርክር ኵሎም እቶም ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ክህብዎ ዝደልዩ ጸገማት ስለ ዘጋጥሞምን ሓድሓደ ግዜ ከቢድ ፈተና ስለ ዝወርዶምን እዩ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመረቕቲ እብራውያን 5:8, 9) የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንወርቂ ንምዅላዕ ብልክዕ ዘድሊ ሓዊ ዝጥቀም ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ: ብሓዊ እተፈተነት እምነት ካብ ጽሩይ ወርቂ ዝሓይሽ ዕቝባ ኸተምጽእ ትኽእል እያ። ስለምንታይ፧ ሓው ቦወን “ምኽንያቱ እተፈተነት እምነት ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ ኽትጻወርን ኽሳዕ ‘መወዳእታ’ ኸም እንዕገስ ክትገብረናን ትኽእል እያ” በለ።—ማቴዎስ 24:13
ኣብነት የሱስ ክስዕቡ ኣተባብዖም። የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ብምውካልን ነቲ የሆዋ ፍጹም ተኣዛዝነት ንኽምህሮ ኢሉ ዝፈቐዶ ኸቢድ ፈተና ብምሕላፍን ናይ ሓቂ ዕቝባ ረኺቡ እዩ። (ማርክ ኑማር ዝበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ከኣ “ተፈተውቲ ክትኰኑ ዲኹም፧” ዝብል ሕቶ ኣበገሰ። እቲ ዝርርቡ ኣብቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:26 ዝርከብ ሳሙኤል “ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን . . . ፍትዊ ነበረ” ዝብል ሓሳባት ዘተኰረ ነበረ። እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊ ዀይኑ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘገልገለ ሓው ነቲ ሳሙኤል ዝገደፎ ኣብነት ድሕሪ ምግላጽ “ንስኻትኩም እውን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም ዕዮ ብተኣማንነት ኣጥቢቕኩም ብምሓዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍቱዋት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣምላኽ ብሉጽ ዕዮ ሚስዮናውነት እዩ ሂቡኩም ዘሎ” በሎም። ድሕርዚ: ነቶም ተመረቕቲ ንእተዋህቦም ኣገልግሎት ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ቅዱስ ሕድሪ ገይሮም ክርእይዎን ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ኸለዉ ኣረኣእያ ኣምላኽ ኽሕዙን ኣተባብዖም።
እቶም ተማሃሮ እናተማህሩ ኸለዉ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ናይ ምንጋር ኣጋጣሚ ረኺቦም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) አረ ነዝስ ብዓሰርተ ቛንቋታት ናይ ምግላጽ ኣጋጣሚ እውን ረኺቦም እዮም። ዋለስ ሊቨራንስ ዝበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር “ ‘እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ ንሰባት ስጕምቲ ኽወስዱ የለዓዕሎም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንእተወሰኑ ተማሃሮ ተመክሮኦም ከዘንትዉ ቓለ-መጠይቕ ገይሩሎም ነይሩ። ብተወሳኺውን ሓው ሊቨራንስ ከምዚ በለ:- “እቲ መንፈስ ነቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኣብታ ደርቢ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ‘እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ ንኽዛረቡ ደሪኽዎም። ሕጂውን ተመሳሳሊ መንፈስ ኣብ ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይዓዪ ኣሎ።” ገሊኣቶም ንብዙሓት ሰባት ክሰብኩ ምእንቲ ክኽእሉ ሓድሽ ቋንቋታት ክመሃሩ ተደሪኾም እዮም።
ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ንምርኣይ ዝሕግዝ ግብራዊ ማዕዳ
ድሕርዚ ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀኑ ጋሪ ብሮ ከምኡውን ዊልያም ያንግ መእተዊ ዝርርብ ድሕሪ ምሃቦም: ሚስዮናውያን ናይ ዘገልግሉለን ዘለዉ ሃገራት ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ን41 ዓመት ሚስዮናውያን ኰይኖም ንዘገልገሉ ሰብ ሓዳርን ቃለ-መጠይቕ ገበሩሎም። ካብዚ ቓለ-መጠይቓት እዚ ከኣ ሓደ ነገር ተስተውዓለ:- “እቶም ብዙሕ ምቾት ክረኽቡ ግዲ ዘይብሎም ሚስዮናውያን ንነዊሕ ግዜ እዮም ዘገልግሉ። ከመይሲ: ኣብቲ ዝመጹሉ ምኽንያት እዮም ዘተኵሩ። ብስራት ክሰብኩን ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኸፍልጡን ከም ዝመጹ ይፈልጡ እዮም።”
ካልእ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ደቪድ ስፕለይን “ኣርሒቕኩም ኣይኰንኩምን እትኸዱ ዘለኹም!” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ፕሮግራም ዛዘሞ። እቶም 46 ተመረቕቲ ናብ እተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝለኣኹ ክነሶም: ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝበለ፧ “ኣብ ዝሃለኹም ሃልዉ: እሙናት ክሳዕ ዝዀንኩም ኣብ ቤት ኣምላኽ ኢኹም ዘለኹም” ብምባል ባዕሉ ምኽንያት ናይዚ ገለጸ። እወ: ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ ኣብታ የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ምስ እተጠምቀ ዝቘመት ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ። (እብራውያን 9:9) እቶም ተኣከብቲ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ እሙናት ኣገልገልቱ ቐረባኦም ምዃኑ ምፍላጦምስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተተባቢዖም ክዀኑ ዘለዎም! ከምቲ የሆዋ ንየሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሓልየሉ ዝነበረ: ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብኣናን በቲ ንእኡ እነቕርቦ ኣገልግሎትን ይግደስ እዩ። ስለዚ ብኣምልኾ ዝመጸ ኻብ ንሓድሕድና: ካብ የሆዋ: ከምኡውን ካብ የሱስ ርሑቓት ኣይኰንናን።
ካብ እተፈላለየ ኸባቢ ዓለም ዝመጸ ሰላምታታት ምስ ተነበ: እቶም ተመረቕቲ እተመደቡሉ ሃገራት ምስ ተገልጸ: እቶም ተማሃሮ ኸኣ ነቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ስልጠና ሞሳኦም ዝገለጹላ ደብዳበ ምስ ተነበት: እቲ ኣቦ መንበር ነቲ ፕሮግራም ዛዘሞ። ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ከኣ ሰናይ ምግባር ክቕጽሉን ብኣገልግሎት የሆዋ ባህ ክብሎምን ኣተባብዖም።—ፊልጲ 3:1
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ
ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 14
ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 19
ቍጽሪ ተማሃሮ:- 46
ገምጋም ዕድመ:- 35.0
ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 17.2
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.7
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 113 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።
(1) ማሪን ሊኽትሃርት፣ ሳቺያ ሆሶይ፣ ኣሊስ በርክቶልድ፣ ክሪስቲና ሊየም፣ ጁንኮ ኣኦኪ (2) ዩዲት ባጊያሽ፣ ሳን ቦኬ፣ ኣለሳንድራ ቦሲ፣ ጀኒፈር ኦልተን፣ ኢልሰ ኤስኮባር፣ ፈርናንዶ ኤስኮባር (3) ኣሌክስ ስቶይካ፣ ዳንየላ ስቶይካ፣ ሻውና ፍሪሙት፣ ማሪያ ካርልሰን፣ ሮብ ለብላን (4) ሮበርቶ ባያንኪ፣ ሳቱ ባያንኪ፣ ለስሊ ካሚንስኪ፣ ሉሲ ጆሰፍ፣ ስተፊ ፓሪስ፣ ሎረታ ለብላን (5) ማይክ ፓሪስ፣ ባርባራ ስኪድሙር፣ ጆኣን ሆርተን፣ ሉክ ሆርተን፣ ጌብ ስኪድሙር (6) ቦን ሊየም፣ ግለን ኦልተን፣ ኤሚሊ ክዊሪሲ፣ መላኒ ላንግልዋ፣ ሲልቫ ስተይኒንገር፣ ሂሮሺ ኣኦኪ (7) ጆየል ላንግልዋ፣ ሚሻ ስተይኒንገር፣ ፋብሪዝዮ ቦሲ፣ ጄምስ ካሚንስኪ፣ ጆጃኪም ቦኬ፣ ኤሪክ ሊኽትሃርት፣ ካዙሂሮ ሆሶይ (8) ዮርግ ባጊያሽ፣ ማት ክዊሪሲ፣ ላዥ ካርልሰን፣ ክሪስ ፍሪሙት፣ ቨርነር በርክቶልድ፣ ሪቻርድ ጆሰፍ