ንመንፈሳዊ ድኻም ልቢ ኽትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ
ንመንፈሳዊ ድኻም ልቢ ኽትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ
ሓደ ኣብ ዓለም ውሩይ ዝነበረ ስፖርተኛ ገና ምስ ምሉእ ክእለቱ ኸሎን ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ኣብ ዝመስለሉ ዝነበረ እዋንን: ልምምድ እናገበረ ኸሎ ብድንገት ቝልዕጽ ኢሉ ሞተ። እዚ ስፖርተኛ እዚ ሰርጂ ግሪንኮቭ ዝበሃል ኰይኑ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ እናበልካ ብዝግበር ውድድር ክልተ ሳዕ ናይ ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ እተሸለመ ኢዩ: ዕምሩ ዝሓጸረ ግን ገና ኣብ ሰዊት ዕድሚኡ ማለት ወዲ 28 ዓመት ከሎ ኢዩ። ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! መሞቲኡ ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ድኻም ልቢ ኢዩ ነይርዎ። ሕማም ልቢ ኸም ዝነበሮ ዝሕብር ዝዀነ ይኹን ምልክት ስለ ዘይነበሮ: ክመውት እተጸበዮ ሰብ ኣይነበረን። እቶም መርመራ ዝገበሩሉ ሓካይም ግን መጠን ልቡ ወሲኹን ኣብ ልቡ ዝርከብ ኣርተሪታት ተዓቢሱን ምንባሩ ገለጹ።
መብዛሕትኡ ድኻም ልቢ ምልክት ዘይብሉ ዝመስል እኳ እንተዀነ: ክኢላታት ሕክምና ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኸምዚ ኸም ዘየጋጥም ይገልጹ ኢዮም። ብሓቂ ኽርአ እንተ ዀይኑ: ከም ሕጽረት እስትንፋስ: ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኽብደት ምህላው: ከምኡውን ኣብ ኣፍልቢ ዝስምዓካ ስቓይ ዝኣመሰለ ምልክታትን ነቲ ሕማም ኣበርክቶ ዝገብር ነገራትን ሸለል ተባሂሉ ኢዩ ዝርአ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ብድኻም ልቢ እኳ እንተ ዘይሞቱ: ከቢድ ስንክልና የጋጥሞም ኢዩ።
ኣብ ኣመጋግባኻን ኣነባብራኻን ወትሩ ጥንቁቕ ብምዃንን ብቐጻሊ መርመራታት ብምግባርን ንድኻም ልቢ ኽትከላኸሎ ኸም እትኽእል ብዙሓት ክኢላታት ሕክምና ይገልጹ ኢዮም። a ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት ምውሳድን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ለውጥታት ንምግባር ፍቓደኛ ምዃንን: ካብቲ ድኻም ልቢ ዘስዕቦ ዘሕዝን ሳዕቤን የድሕን ኢዩ።
ይኹን እምበር: ዝያዳ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኻልእ ልቢ እውን ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ብምባል የጠንቅቐና ኢዩ። (ምሳሌ 4:23) ልክዕ ኢዩ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐንዱ ነቲ ምሳልያዊ ልቢ ኢያ እተመልክት። እንተዀነ ግን: ንስጋዊ ልብና ንምሕላው ነቒሕካ ምክትታል ዘድሊ ኻብ ኰነ: ንምሳልያዊ ልብና ናብ መንፈሳዊ ሞት ክመርሖ ኻብ ዝኽእል ሕማማት ምሕላው እሞ ኸኣ ዝያዳ ንቕሓት ዘድሊ ኢዩ።
ሓበሬታ ብዛዕባ ምሳልያዊ ድኻም ልቢ
ልክዕ ከምቲ ጠንቂ ስጋዊ ሕማም ልቢ ምፍላጡ ዝሕግዘና: ብመንፈሳዊ ኣበሃህላ እውን ንድኻም ልቢ ኽንከላኸሎ ኻብ ዘኽእለና ዘተኣማምን መገድታት ሓደ ንጠንቅታቱ ምፍላጥን ብዛዕብኡ ስጕምቲ ምውሳድን ኢዩ። ስለዚ ገለ ኻብቲ ጠንቂ ስጋዊ ዀነ ምሳልያዊ ሕማም ልቢ እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
ኣመጋግባ። ሓሸርበሸር ጥዑም እኳ እንተዀነ: ንጥዕና ግን ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ ወይ እውን ፈጺሙ ኸም ዘይጠቅም ፍሉጥ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ኣእምሮና እነእትዎ ሓሸርበሸር ብቐሊሉ ዝርከብን ትርኢቱ ዘህርፍን እኳ እንተዀነ: ንመንፈሳዊ ጥዕናና ግን ጐዳኢ ኢዩ። ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ: ሓሽሽ: ዓመጽ: ከምኡውን ሽሕር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብብዝሒ ይርአ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኣእምሮኻ ምምጋብ ንምሳልያዊ ልብኻ ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል የጠንቅቐና:- “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃንስ 2:16, 17
ሓሸርበሸር ዝለመዱ ሰባት ንኸም ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰለ ንጥዕና ዝጠቅም መግቢ ኣይብህግዎን ኢዮም። ብተመሳሳሊ: ጥዑይን ዕጹምን መንፈሳዊ ብልዒ ንሓደ ኣእምሮኡን ልቡን ዓለማዊ ነገራት ምምጋብ ዘልመዶ ሰብ ብዙሕ ኣይስሕቦን ኢዩ። ንእተወሰነ እዋን ነቲ ኸም “ጸባ” ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ይምገብ ይኸውን። (እብራውያን 5:13) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ ግን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤን ኣገልግሎትን ዝወሃቦ መሰረታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓላፍነታት ንኽስከሞ ዘኽእሎ ብስለት ኣየጥርን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19፣ እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዝርከቡ ገሊኣቶም ሰባት ክሳዕ ዝዝሕትሉ መንፈሳውነቶም ክደክም ኣፍቂዶምሉ ኢዮም።
ካልእ ሓደገኛ ዝዀነ ነገር ድማ ደጋዊ ትርኢት ከታልለና ዝኽእል ምዃኑ ኢዩ። ሓደ ክርስትያን እቲ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ ዝፍጽሞ ሓላፍነታቱ: ነቲ ፍቕረ-ንዋይ ብዘተባብዕ ኣረኣእያ ወይ ከኣ ብዕልግና: ዓመጽ: ወይ ሽሕር ብዝመልኦ መዘናግዒታት እናማሰነ ዝኸይድ ዘሎ ምሳልያዊ ልቡ ኽሓብኦ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ኣብ መንፈሳውነት ብዙሕ ጽልዋ ዘይብሉ ይመስል ይኸውን: እንተዀነ ግን ከምቲ ሕማቕ ኣመጋግባ ንኣርተሪታት ክዓብሶን ንስጋዊ ልቢ ኽጐድኦን ዝኽእል: እዚውን ንምሳልያዊ ልቢ ኸልምሶ ይኽእል ኢዩ። የሱስ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል ሕማቕ ትምኒት ናብ ልብና ኸይኣቱ ኣጠንቀቐና። (ማቴዎስ 5:28) እወ: ሕማቕ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ናብ መንፈሳዊ ድኻም ልቢ ኽመርሓና ይኽእል ኢዩ። ካልእ ክንሓስበሉ ዝግባእ ነገራት እውን ኣሎ።
ምውስዋስ ኣካላት። መብዛሕትኡ ህይወትካ ብኾፍካ ዝሓልፍ እንተድኣ ዀይኑ: ስጋዊ ድኻም ልቢ ኸም ዘጋጥም ፍሉጥ ኢዩ። ብተመሳሳሊውን: ብመንፈሳዊ መዳይ ኮፍ ኢሉ ዝነብር ሰብ ከቢድ ሳዕቤናት ክመጾ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብእተወሰነ መጠን ዝካፈል እኳ እንተዀነ: ነዚ ግን ኣብ ዝጥዕሞ ጥራይ ብምግባር “እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ንኽኸውን ብዙሕ ጻዕሪ ኣይገብርን ወይ ፈጺሙ ኣይጽዕርን ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ወይ ከኣ: ሓደ ሰብ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝካፈል እኳ እንተዀነ: ንኽዳሎን ንኽሳተፍን ግን ጻዕሪ ኣይገብርን ይኸውን። መንፈሳዊ ሸቶታት ወይ ናይ መንፈሳዊ ነገራት ባህጊ ወይ ውዕዉዕ ስምዒት ኣይህልዎን ይኸውን። ሓያል እምነት እውን ይንበሮ ብዘየገድስ ብመንፈሳዊ መገዲ ምውስዋስ ኣካላት ምስ ዘይገብር ኣብ መወዳእታኡ ኽደክም አረ ኣብ ሞት እውን ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 2:26) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይንቀሳቐሱ ገለ ሰባት ዝርከብዎም ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ነዚ ሓደጋ እዚ ጠቒስዎ ኢዩ። እዚ ዓይነት ናብራ እዚ ተረርቲ ንኽገብሮም ዘለዎ ሕማቕ ጽልዋ: ብኸመይ ከም ዘጠንቀቖም እሞ ርአ። “ኣቱም ኣሕዋተየ: ሎሚ ኺብሀል ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር: ሓደ እኳ ኻባኻትኩም: ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ: ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይአምን ልቢ ኸይህሉ: ተጠንቀቑ።”—እብራውያን 3:12, 13
ውጥረት። ካልእ ብስጋዊ መዳይ ድኻም ልቢ ኸምጽኣልና ዝኽእል ቀንዲ ነገር ከቢድ ውጥረት ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ውጥረት ወይ “ሓልዮት ሓዳር” ንኣምላኽ ምግልጋል ፈጺምካ ኸም እተቋርጽ ብምግባር ንምሳልያዊ ልቢ ብቐሊሉ ኸቢድ ጕድኣት ከውርደሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ እዋናዊ ኢዩ:- “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።” (ሉቃስ 21:34, 35) ብሕቡእ ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንነዊሕ እዋን ንሳቐ እንተድኣ ኣሊና: ብጭንቀት ክንወሓጥ ንኽእል ኢና። ንጉስ ዳዊት ከምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀት ዘምጽኦ ስቓይ ብተመክሮ ስለ ዝፈልጦ “በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ: ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ: . . . ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ” በለ።—መዝሙር 38:3, 4
ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት። ብድኻም ልቢ እተጠቕዑ ብዙሓት ሰባት ቀቅድሚ ምሕማሞም ብጥዕንኦም እምብዛ ዝተኣማመኑ ኢዮም ነይሮም። ሕክምናዊ መርመራታት ምግባር ኣድላዪ ስለ ዘይመስሎም ዕሽሽ ይብልዎ: አረ መርመራ ግበሩ እንተ ተባሂሎም እውን ዝስሕቁ ኢዮም ነይሮም። ብተመሳሳሊ: ገሊኣቶም ንእተወሰነ ዓመታት ክርስትያናት ብምዃኖም ዋላ ሓንቲ ዘይኰኑ ይመስሎም። ውድቀት ክሳዕ ዘጋጥሞም ብመንፈሳዊ መዳይ ርእሶም ምምርማር ይኣብዩ ይዀኑ። ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ንኸይነጥሪ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኽንርስዖ የብልናን። ዘይፍጹማት ምዃንና ኣፍልጦ ምሃብን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብመንፈሳዊ መዳይ ርእስና ምምርማርን ጥበብ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:12፣ ምሳሌ 28:14
ንእትርእዮ ምልክታት ዕሽሽ ኣይትበሎ
ቅዱሳት ጽሑፋት ንዅነታት ምሳልያዊ ልቢ ቐዳምነት ዝሃበሉ እኹል ምኽንያት ኣለዎ። ኤርምያስ 17:9, 10 ከምዚ ትብል:- “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ: ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ: ንልቢ እምርምሮ: ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።” እንተዀነ ግን: የሆዋ ንልብና ይምርምሮ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ዘድሊ ርእሰ-መርመራ ንኽንገብር እውን ፍቕራዊ ምድላው ገይሩልና ኢዩ።
በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ በብግዜኡ መዘኻኸሪ ይህበና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) ንኣብነት: ሓደ ኻብቲ ምሳልያዊ ልብና ኸታልለና ዝኽእለሉ መገድታት ብዓለማዊ ትምኒት ኸም እንረዊ ብምግባር ኢዩ። እዚ ድማ ዘይክውንነታዊ ሓሳባት: ሕልሚ ቐትሪ: ወይ ናይ ኣእምሮ ህውተታ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ብፍላይ ርኹስ ሓሳባት ዘለዓዕል እንተድኣ ዀይኑ ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ነዚ ነገር እዚ ኻብ ኣእምሮና ፈጺምና ኸነርሕቖ ኣሎና። ከም የሱስ ዓመጻ ንጸልእ እንተድኣ ዄንና: ልብና ብዓለማዊ ትምኒት ከይረዊ ኽንሕልዎ ኢና።—እብራውያን 1:8, 9
ኣብ ርእሲ እዚ: ካብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ፈቃራት ሽማግለታት ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ካልኦት ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝምስገን እኳ እንተዀነ: ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንምሳልያዊ ልብና ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኢዩ ዝወድቕ። ‘ንዅሉ ኽንዕዘብን’ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ኽንፍትንን’ ዘሎና በብውልቅና ኢና።—1 ተሰሎንቄ 5:21፣ 2 ቈረንቶስ 13:5
ንልብኻ ሓልዎ
እቲ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓት: ንጥዕና ምሳልያዊ ልብና እውን ዝምልከት ኢዩ። (ገላትያ 6:7) መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ብሃንደበት ዘጋጠመ ዀይኑ ዝስምዓና መንፈሳዊ ውድቀት: ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ከም ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ: ብስጋዊ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ: ወይ ከኣ ዝና ወይ ስልጣን ንምርካብ ምጽዓር ዝኣመሰለ ንመንፈሳውነት ኽጐድእ ዝኽእል ሕቡእ ነገራት ዝመጸ ኢዩ።
ስለዚ: ንልብኻ ኽትሕልዎ እንተድኣ ደሊኻ: ኣብ መንፈሳዊ ኣመጋግባኻ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ንኣእምሮኻን ልብኻን ቃል ኣምላኽ መግቦ። ነቲ ብቐሊሉ ዝርከብን ንስጋ ዝማርኽን ግን ከኣ ንምሳልያዊ ልብና ዘደንዝዝ ናይ ኣእምሮ ሓሸርበሸር ንየው በሎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ” ኽብል ከሎ ኣብ ሕክምና እውን ዝውዕል ጽቡቕ ምምስሳል ኢዩ ተጠቒሙ።—መዝሙር 119:70
ንነዊሕ ዝጸንሐ ሕቡእ ጌጋታት እንተ ሃልዩካ: ነቲ ምሳልያዊ ኣርተሪታትካ ምእንቲ ኸይዓብሶ ቐልጢፍካ ኣወግዶ። ዓለም እትስሕብን ብዙሕ ሓጐስ እተምጽእን 1 ቈረንቶስ 7:29-31) ስጋዊ ሃብቲ ኽስሕበካ እንተ ጀሚሩ እውን: ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ናይ እዮብ ቃላት ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ:- “ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ: ነቲ ጽሩይ ወርቂ፤ እምንቶይ ኢኻ: ኢለ እንተ ዀይነስ: በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ: እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቐጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ።”—እዮብ 31:24, 28፣ መዝሙር 62:10፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10
እንተ መሲላትካ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ: እዚ ግና እነግር አሎኹ: እቲ ዘመን ሓጺር እዩ: . . . ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ: እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ብምባል ዝሃቦ ጥበባዊ ምኽሪ ኣስተንትነሉ። (መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ምኽርታት ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ምባል ዘምጽኦ ጕድኣት ከጠንቅቕ ከሎ “እቲ ብዙሕ ተገሲጹስ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ: መድሃኒትውን የብሉን” ይብል። (ምሳሌ 29:1) ብኣንጻሩ ግን ንምሳልያዊ ልብና ምስ እንከናኸኖ: ቀሊልን ሚዛናውን ናብራ ብምንባር ሓጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንረክብ ኢና። ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከምዚ ዓይነት ናብራ ኽነብሩ ኢዮም ዝመዓዱ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፤ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጢሞቴዎስ 6:6-8
እወ: ንገዛእ ርእስና ኣምልኾ ምስ እነላምዳ: ጥዑይን ሓያልን ምሳልያዊ ልቢ ኸም ዝህልወና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንመንፈሳዊ ኣመጋግባና ምስ እንጥንቀቕ: ናይዛ ዓለም ጐዳኢ መገድን ኣተሓሳስባን ንመንፈሳውነትና ኽጐድኦ ኣይከነፍቅደሉን ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቲ የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ዝገብረልና ምድላዋት ብምጥቃም: ብቐጻሊ ንምሳልያዊ ልብና ንምምርማር ፍቓደኛታት ንኹን። ብትግሃት ከምዚ ምግባር: መንፈሳዊ ድኻም ልቢ ኻብ ዘምጽኦ ሳዕቤን ንኽንድሕን ብዙሕ ይሕግዘና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት “ድኻም ልቢ—እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧” ዘርእስታ ኣብ ናይ 8 ታሕሳስ 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምቲ ሕማቕ ኣመጋግባ ንኣርተሪታትና ዝዓብሶን ንልብና ዝጐድኦን: ዘይጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ እውን ንምሳልያዊ ልብና ኸልምሶ ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ብመንፈሳዊ መዳይ ኮፍ ኢልካ ምንባር ከቢድ ሳዕቤናት ኣለዎ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
“ሓልዮት ሓዳር” ንምሳልያዊ ልብና ብቐሊሉ ኸቢድ ጕድኣት ከውርደሉ ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ንመንፈሳዊ ጥዕናና ዕሽሽ ምባል ናብ ብዙሕ ስቓይ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳት ምጥራይ ንመንፈሳዊ ልቢ ይሕልዎ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
AP Photo/David Longstreath