ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንተስፋ ምድሓንካ’ ብርህቲ ገይርካ ሓዛ!

‘ንተስፋ ምድሓንካ’ ብርህቲ ገይርካ ሓዛ!

‘ንተስፋ ምድሓንካ’ ብርህቲ ገይርካ ሓዛ!

‘ንተስፋ ምድሓንና ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ንከደና።’—1 ተሰሎንቄ 5:8

1. ‘ተስፋ ምድሓን’ ንምጽማም ኣበርክቶ ክህልዎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

 ናይ ምድሓን ተስፋ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝኸፍአ ኵነታት እውን ከይተረፈ ጸኒዑ ኸም ዝቕጽል ዝገብሮ ኢዩ። ኣብ መድሓን ነብሲ ዝዀነት ታንኳ ጸምበለል ዝብል ዘሎ ግዳይ ሓደጋ መርከብ ዝዀነ ሰብ: ረድኤት ይመጽእ ኸም ዘሎ እንተድኣ ፈሊጡ ነዊሕ ክጽመም ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊውን ኣብዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ኣብ እዋን ጸገማ ብእምነት እተመላለሱ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ “ምድሓን እግዚኣብሄር” ተስፋ ብምግባር ክጽመሙ ክኢሎም ኢዮም: እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ ኣየሕፈረቶምን። (ዘጸኣት 14:13፣ መዝሙር 3:8፣ ሮሜ 5:5፣ 9:33) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ንተስፋ ምድሓን’ ምስታ መንፈሳዊት ዕጥቂ ሓደ ክርስትያን ዝዀነት “ቍራዕ ርእሲ” ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:8፣ ኤፌሶን 6:17) እወ: ምንም እኳ ጸበባን ምጽራርን ፈተናታትን እንተሎ ኣምላኽ ከም ዘድሕነና ዘሎና እምንቶ ግን ጥንቁቓት ንኽንከውን ስለ ዝሕግዘና ንኣተሓሳስባና ክሕልዎ ኢዩ።

2. ‘ተስፋ ምድሓን’ መሰረት ሓቀኛ ኣምልኾ ዝኸውን በየናይ መገድታት ኢዩ፧

2 “ንመጻኢ ዝምልከት ተስፋ ኣብታ [ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንክርስትያናት ከቢባቶም ዝነበረት] ኣረማዊት ዓለም ኣይፍለጥን ኢዩ ነይሩ” ብምባል ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ይገልጽ። (ኤፌሶን 2:12፣ 1 ተሰሎንቄ 4:13) እንተዀነ ግን: ‘ተስፋ ምድሓን’ መሰረታዊ ክፍሊ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧ ቀዳማይ: ድሕነት ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ስም ኣምላኽ እተተሓሓዘ ብምዃኑ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ኣሳፍ “ዎ ኣምላኽ ምድሓንና: ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና: . . . ኣናግፈና” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 79:9፣ ህዝቅኤል 20:9) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ንምጥራይ ኣብቲ የሆዋ በረኸት ከም ዘምጽእ ኣትይዎ ዘሎ መብጽዓታት እምንቶ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጽ:- “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ።” (እብራውያን 11:6) ብተወሳኺውን ጳውሎስ: የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጽኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ዝናስሑ ሰባት ንምድሓን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። “ክርስቶስ የሱስ . . . ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ: እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ: ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ” ብምባል ብዕሊ ኣፍለጠ። (1 ጢሞቴዎስ 1:15) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ንድሕነት: ‘መደምደምታ [ወይ ውጽኢት] እምነትና’ ከም ዝዀነት ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:9) ስለዚ ንምድሓን ተስፋ ምግባር ከም ዝከኣል ንጹር ኢዩ። ድሕነት ክበሃል ከሎ ግን ብሓቂ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ንምድሓንከ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

ድሕነት ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

3. ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ዓይነት ምድሓን ኢዮም ዝረኸቡ፧

3 ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት መብዛሕትኡ ግዜ “ድሕነት” ካብ ጭቈና ወይ ካብ ዘይተሓስበ ዓመጽ ዝመልኦ ዓይነት ሞት ናይ ምንጋፍ ወይ ናይ ምውጻእ ኵነታት ንምምልካት ኢያ ኣትያ ዘላ። ንኣብነት ዳዊት ንየሆዋ ‘መድሓኒ’ ኢሉ ብምጽዋዕ ከምዚ ዝስዕብ በለ:- ‘ኣምላኽ ከውሐይ ኢዩ: መህደምየይ ኢዩ: ዎ መድሓንየይ ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ። ነቲ ኽውደስ ዝግብኦ እግዚኣብሄር እጽውዖ ኣሎኹ: ካብ ጸላእተይ ከኣ ክድሕን ኢየ።’ (2 ሳሙኤል 22:2-4) እቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ረድኤት ደልዮም ምስ ዘእውዩ ከም ዝሰምዖም ዳዊት ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።—መዝሙር 31:22, 23፣ 145:19

4. እቶም ኣብ መዋእል ቅድመ-ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ሓሳቦም ቋጺሮምዎ ዝመላለሱ ዝነበሩ ንመጻኢ ዝምልከት ተስፋ እንታይ ኢዩ፧

4 ኣብ መዋእል ቅድመ-ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንመጻኢ ህይወት ዝምልከት ተስፋ ኣብ ሓሳቦም ቋጺሮም ኢዮም ዝጓዓዙ ነይሮም። (እዮብ 14:13-15፣ ኢሳይያስ 25:8፣ ዳንኤል 12:13) አረ: መብዛሕትኡ ካብቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ብዛዕባ ካብ መዓት ምውጻእ እተዋህበ መብጽዓታትሲ ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ዝዓበየ ድሕነት ዝገልጽ ኢዩ። (ኢሳይያስ 49:6, 8፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:47፣ 2 ቈረንቶስ 6:2) ኣብ መዓልትታት የሱስ ብዙሓት ኣይሁድ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ተስፋ ንኽፍጸም ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ የሱስ ምዃኑ ንኸይቅበሉ ግን ሓንጊዶም ኢዮም። የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት “ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም: ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ” ኢልዎም ኢዩ።—ዮሃንስ 5:39

5. ናይ ምድሓን ቀንዲ ትርጕም እንታይ ኢዩ፧

5 ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ንድሕነት ምሉእ ብምሉእ ትርጕማ ገሊጽዋ ኢዩ። ካብ መግዛእቲ ሓጢኣት: ካብ ኣርዑት ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ካብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም: ካብ ፍርሂ ሰብ: ካብ ፍርሂ ሞት እውን ከይተረፈ ሓራ ንናይ ምዃን ኵነታት እተጠቓልል ኢያ። (ዮሃንስ 17:16፣ ሮሜ 8:2፣ ቈሎሴ 1:13፣ ራእይ 18:2, 4) ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ድሕነት ክበሃል ከሎ ካብ ጭቈናን ጸበባን እተናገፍካ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ ዝብል ቀንዲ ትርጕም እውን ኢዩ ዘለዎ። (ዮሃንስ 6:40፣ 17:3) ንሓደ “ሒደት መጓሰ” ድሕነት ክበሃል ከሎ ምስ ክርስቶስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ገዛእቲ ምእንቲ ክዀኑ ካብ ሞት ናብ ሰማያዊ ህይወት ምትንሳእ ማለት ኢዩ። (ሉቃስ 12:32) ንኻልኦት ደቅሰብ ድሕነት ክበሃል ከሎ ኸኣ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጥኦም ኣብ ገነት ኤደን ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ ፍጹም ህይወትን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብን እንደገና ምውናኑ ማለት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:21፣ ኤፌሶን 1:10) ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ገነታዊ ኵነታት ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት: እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ሒዝሎም ዝነበረ ናይ ፈለማ ዕላማ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ ማርቆስ 10:30) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክምለስ ዝከኣል ግን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

በጅነት—ንድሕነት ዝኸውን መሰረት

6, 7. ድሕነት ንኽንረክብ የሱስ ዘለዎ ግደ እንታይ ኢዩ፧

6 ዘለኣለማዊ ድሕነት ክርከብ ዝከኣል ብበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ኣዳም ሓጢኣት ምስ ፈጸመ: ንገዛእ ርእሱን ነቲ ንዓና ሓቚፉ ዘሎ ሰብኣዊ ዘርኡን ንሓጢኣት ከም ‘ዝሸጠ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ—በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ደቅሰብ ውሕስነት ዘለዎ ተስፋ ክረኽቡ እንተድኣ ዀይኖም በጅነት ኣድላዪ ዝዀነ። (ሮሜ 5:14, 15፣ 7:14) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ: ጽላሎት ናይቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሎም ደቅሰብ ከዳልዎ ዝነበሮ በጅነት ኢዩ። (እብራውያን 10:1-10፣ 1 ዮሃንስ 2:2) እዚ ትንቢታዊ ጽላሎት እዚ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብመስዋእቲ የሱስ ኢዩ። ቅድሚ እቲ የሱስ እተወልደሉ ግዜ: መልኣኽ የሆዋ “[የሱስ] ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ” ብምባል ኣዊጁ ነይሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 1:21፣ እብራውያን 2:10

7 የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ኢዩ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ: ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን ድማ ካብ ኣዳም ሞት ኣይወረሰን። በዚ ምኽንያት እዝን ብፍጹም ተኣማንነት ምምልላሱን: ህይወቱ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምዕዳግ እቲ ዘድሊ ዋጋ ከም ዝህልዋ ገይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:36፣ 1 ቈረንቶስ 15:22) የሱስ ከም ኵሎም ካልኦት ደቅሰብ ብሰንኪ ሓጢኣት ንሞት እተዀነነ ኣይነበረን። ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኸሕልፍ’ ብዝብል ዕላማ ኢዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። (ማቴዎስ 20:28) ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ: እዚ ትንሳኤ ረኺቡን ኣብ ዝፋን ተቐሚጡን ዘሎ የሱስ ንዅሎም እቶም ኣምላኽ ካብኣቶም ንዝሓቶ ብቕዓት ዘማልኡ ሰባት ድሕነት ከም ዝረኽቡ ክገብር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኢዩ ዘሎ።—ራእይ 12:10

ድሕነት ንምርካብ ክማላእ ዘለዎ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧

8, 9. (ሀ) የሱስ ነቲ ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ብዛዕባ ድሕነት ዘቕረበሉ ሕቶ ብኸመይ መለሰሉ፧ (ለ) የሱስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንምምሃር እተጠቕመሉ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ሓደ ግዜ ሓደ ሃብታም መንእሰይ እስራኤላዊ መራሒ ንየሱስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ: እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። (ማርቆስ 10:17) እቲ ሕቶኡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን: እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ገለ ሰናይ ግብሪ ምግባር ጥራይ ከም ዝሓትት እሞ ሓደ ሰብ ካብዚ ግብርታት እዚ በታ ዓቕሙ እንተድኣ ፈጺሙ ካብ ኣምላኽ ድሕነት ክረክብ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወግዒ ንምሕላው ዝግበር ኣምልኾ ካብ ስስዐ ዝመልኦ ድራኸ ክለዓል ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ንመዐቀኒታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክትግብሮ ዝኽእል ዘይፍጹም ወድሰብ ብርግጽ ስለ ዘየለ: ከምዚ ዝዓይነቱ ግብርታት ውሕስነት ዘለዎ ተስፋ ኣይሃበን።

9 የሱስ ንሕቶ ናይቲ ሰብ ክምልስ ከሎ ትእዛዛት ኣምላኽ ክሕሉ ከም ዘለዎ ጥራይ ኢዩ ኣዘኻኺርዎ። እቲ መንእሰይ መራሒ ነዚ ነገራት እዚ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ይሕልዎ ኸም ዝነበረ ብኡንብኡ ንየሱስ ኣረጋገጸሉ። እዚ ኸኣ የሱስ ንኽፈትዎ ደረኾ። ከምዚ ድማ በሎ:- “ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ: ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ።” እቲ መንእሰይ ግን “ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ” እናጐሃየ ኸደ። ድሕርዚ የሱስ ኣብ ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ እምብዛ ፍቕሪ ምሕዳር: ድሕነት ንኸይትረክብ ዝዕንቅጽ ምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጕሊሑ ገለጸሎም። ብናይ ገዛእ ርእሱ ጻዕሪ ክድሕን ዝኽእል ሰብ ከም ዘየለ ኸኣ ወሲኹ ገለጸ። ይኹን እምበር: ቀጺሉ “ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ እሞ: ንኣምላኽ ደኣ እምበር: ንሰብሲ ኣይከአሎን እዩ” ብምባል ኣረጋጊጽሎም ኢዩ። (ማርቆስ 10:18-27፣ ሉቃስ 18:18-23) ድሕነት ክርከብ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

10. ድሕነት ንኽንረክብ ከነማልኦ ዘሎና ቅድመ-ኵነት እንታይ ኢዩ፧

10 ድሕነት ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ህያብ ኢዩ: ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን መመሲትካ ዝዕደል ነገር ኢዩ ማለት ኣይኰነን። (ሮሜ 6:23) ነዚ ህያብ እዚ ንምውሳድ ብቑዕ ምእንቲ ክኸውን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከማልኦ ዘለዎ መሰረታዊ ዝዀነ ገለ ቅድመ-ኵነት ኣሎ። የሱስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ እውን “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና . . . ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ኢሉ ወሲኹ ተዛረበ። (ዮሃንስ 3:16, 36) ስለዚ እቲ ኣምላኽ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዘለኣለማዊ ድሕነት ክረክብ ዝደሊ ውልቀ-ሰብ ዝሓቶ ብቕዓት: እምነት ምርኣይን ምእዛዝን ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ናይ በጅነት ምድላው ንምቕባልን ኣስኣሰር የሱስ ንምስዓብን ውሳነ ክገብር ይግብኦ።

11. ሓደ ዘይፍጹም ሰብ: ስምረት የሆዋ ክረክብ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

11 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ምእዙዛት ናይ ምዃን ባህርያዊ ዝንባለ የብልናን: ኣብ ርእሲኡ ድማ ብፍጽምና ክንእዘዝ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ሓጢኣትና ንምሽፋን በጅነት ዘዳለወ። እንተዀነ ግን: ምስ መገድታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር ቀጻሊ ጻዕሪ ክንገብር ይግብኣና። ከምቲ የሱስ ነቲ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ዝነገሮ: ትእዛዛት ኣምላኽ ክንሕሉ ይግብኣና። ከምዚ ምግባርና ስምረት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ዓቢ ሓጐስ እውን ንኽንረክብ ዘኽእለና ኢዩ: ከመይሲ ‘ትእዛዛቱ ኣይከቢድን ኢዩ’፣ እኳ ድኣስ “ኣንጕዕ” ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:3፣ ምሳሌ 3:1, 8) ገና ግን ተስፋ ድሕነት ሒዝካ ምቕጻል ቀሊል ኣይኰነን።

‘ምእንቲ እምነት ተጋደሉ’

12. ተስፋ ምድሓን ንሓደ ክርስትያን ዘይስነ-ምግባራዊ ፈተናታት ናይ ምቅዋም ብርታዐ ክህቦ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

12 ወደ መዝሙር ይሁዳ ንቐዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ እታ ዝነበረቶም ‘ናይ ሓባር ድሕነት’ ክጽሕፈሎም ደለየ። ይኹን እምበር: እቲ ሽዑ ሰፊኑ ዝነበረ ሕማቕ ስነ-ምግባራዊ ሃዋህው ንኣሕዋቱ ‘ምእንቲ እምነት ክጋደሉ’ ንኽምዕዶም ገዲድዎ ኢዩ። እወ: ድሕነት ንምርካብ እምነት ምጥራይ: ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ እምነት ጠቢቕካ ምምልላስ: ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ምእዛዝ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ንፈተናታትን ዘይስነ-ምግባራዊ ጽልዋታትን ንምቅዋም ዝሕግዘና ብርታዐ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። እንተዀነ ግን: ዘይስነ-ምግባራውን ነውራምን ጾታዊ ርክባት: ንስልጣን ምንዓቕ: ምክፍፋል: ከምኡውን ምጥርጣራት ንኣእምሮኣውን ስነ-ምግባራውን ኵነታት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ የጥቅዖ ነበረ። ይሁዳ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ኵነታት ንኽዋግእዎ ንምሕጋዞም ኢሉ ንክርስትያናት ብጾት “ኣቱም ፍቁራተይ: በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም: ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ: ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” ብምባል ዕላምኦም ከይስሕቱ ተማሕጸኖም። (ይሁዳ 3, 4, 8, 19-21) እቲ ድሕነት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣብቲ ስነ-ምግባራዊ ጽፈት ንምሕላው ዝገብርዎ ዝነበሩ ቅልስ ሓይሊ ክህቦም ይኽእል ነበረ።

13. ንዕላማ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘይሰሓትናዮ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 የሆዋ ኣምላኽ: እቶም ድሕነት ዝህቦም ሰባት ሓለፍ ዝበለ ስነ-ምግባር ሒዞም ክመላለሱ ትጽቢት ይገብር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ኣብ ናይ ኣምላኽ ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት ጠቢቕካ ምምልላስ ክበሃል ከሎ ግን ንኻልኦት ምዅናን ማለት ኣይኰነን። ዘለኣለማዊ ብጽሒት ሰብኣውያን ብጾትና ናይ ምውሳን ሓላፍነት የብልናን። ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣቴና ዝነበሩ ግሪኻውያን ‘ንዓለም በቲ ዝመደቦ ሰብኣይ [የሱስ ክርስቶስ] ብጽድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ’ ብምባል ዝገለጸሎም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዘለዎ ኣምላኽ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ዮሃንስ 5:22) ኣብ በጅነት የሱስ እምነት ብምግባር ንነብር እንተድኣ ኣሊና ነታ እትመጽእ መዓልቲ ፍርዲ ምፍርሃ ኣይከድልየናን ኢዩ። (እብራውያን 10:38, 39) እቲ ኣገዳሲ ጕዳይ: ገዛእ ርእስና ብግጉይ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ክትፍተን ብምሕዳግ ‘ንጸጋ ኣምላኽ [እቲ ብበጅነት ኣቢልና ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ዕርቂ] ንኸንቱ ኸይንቕበሎ’ ምጥንቃቕ ግቡእ ምዃኑ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:1) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ካልኦት ድሕነት ንኽረኽቡ ብምሕጋዝ ንዕላማ ምሕረት ኣምላኽ ከም ዘይሰሓትናዮ ነርኢ። ብኸመይ ኢና ክንሕግዞም እንኽእል፧

ተስፋ ድሕነት ንኻልኦት ምንጋር

14, 15. የሱስ ነቲ ብዛዕባ ድሕነት ዝገልጽ ብስራት ንምስፋሕ ንመን ኢዩ መዚዙ፧

14 ጳውሎስ ንነብዪ ዮኤል ብምጥቃስ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ:- “ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ድሕሪ ገለ ሒደት ቍጽርታት: እምነት ብሓንሳኢተይ ዝመጽእ ነገር ከም ዘይኰነ ጳውሎስ ይሕብር፣ ኣብ ክንድኡስ እምነት ‘ቃል ክርስቶስ ካብ ምስማዕ’ ከም እትመጽእ ይሕብር።—ሮሜ 10:13, 14, 17፣ ዮኤል 2:32

15 ‘ቃል ክርስቶስ’ ነህዛብ ዘብጽሓሎም መን ኢዩ፧ የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ክፍጽሙ ንደቀ መዛሙርቱ ኢዩ መዚዝዎም—እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሞም ነቲ ‘ቓል’ እተማህርዎ ምዃኑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 17:20) ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክንጽመድ ከሎና: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኢሳይያስ ብምጥቃስ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ” ኢሉ ዝገለጾ ተግባር ኢና እንፍጽም። ምንም እኳ ብዙሓት ነቲ እነብጽሓሎም ብስራት ዘይቅበልዎ እንተዀኑ: ገና ግን እግርና ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ጽቡቕ” ኢዩ።—ሮሜ 10:15፣ ኢሳይያስ 52:7

16, 17. እቲ እነካይዶ ዕዮ ስብከት ነየናይ ድርብ ዕላማ ኢዩ ዝጠቅም፧

16 እዚ ተልእኾ እዚ ንኽልተ ኣገደስቲ ዕላማ ይጠቅም። ቀዳማይ: ስም ኣምላኽ ክብ ክብል እሞ እቶም ድሕነት ዝደልዩ ሰባት እዚ ፈሊጦም ናብኡ ገጾም ምእንቲ ኽጓዓዙ እቲ ብስራት ክስበኽ ይግባእ። ጳውሎስ ነዚ መዳይ ናይዚ ተልእኾ እዚ ተገንዚብዎ ነይሩ ኢዩ። “እግዚኣብሄር: ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን: ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ: ኢሉ አዚዙና እዩ” ብምባል ገለጸ። ስለዚ ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ድሕነት ዝገልጽ መልእኽቲ ንሰባት ናይ ምንጋር ዕዮ ክንሳተፍ ይግብኣና ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:47፣ ኢሳይያስ 49:6

17 ካልኣይ: ስብከት ብስራት ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ፍርዲ መሰረት ዘንብር ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።” እዚ ፍርዲ ናይ ምሃብን ምፍልላይን ተግባር እዚ “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ” ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: እቲ ዕዮ ስብከት ግን ሎሚ ንሰባት ንመንፈሳውያን ኣሕዋት ክርስቶስ ናይ ምልላይ ኣጋጣሚ ብምሃብ ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘለኣለማዊ ድሕነት ኢሎም ክድግፍዎም የኽእሎም ኣሎ።—ማቴዎስ 25:31-46

‘ንተስፋ ኣጽኒዕና’ ንሓዛ

18. ‘ንተስፋ ምድሓንና’ ብርህቲ ገይርና ክንሕዛ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ኣብቲ ዕዮ ስብከት እንገብሮ ንጡፍ ተሳትፎ ንተስፋና ብርህቲ ገይርና ኣብ ምሓዝ እውን ኣበርክቶ ኣለዎ። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና” ብምባል ጸሓፈ። (እብራውያን 6:11) ስለዚ እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ‘ነታ ተስፋ ምድሓን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና’ ንከደና: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ “ኣምላኽ: ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር: ንቝጥዓስ ኣይመደበናን” ዝብል ሓሳብ ካብ ኣእምሮና ዘይነውጽኦ ይግበረና። (1 ተሰሎንቄ 5:8, 9) ነቲ ‘ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም ብጸጋ ተስፋ ግበሩ’ ዝብል ማዕዳ ጴጥሮስ እውን ኣይንረስዓዮ። (1 ጴጥሮስ 1:13) ኵሎም እቶም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ‘ተስፋ ምድሓኖም’ ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙ ክርእዩ ኢዮም!

19. ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

19 እዚ ኽሳዕ ዝኸውን ግን ኣብዚ ነዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ክህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ምእንቲ ድሕነት ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ክንጥቀመሉ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ‘ንተስፋ ምድሓንና’ ብርህቲ ገይርና ክንሕዛ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

• ድሕነት እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

• ናይ ድሕነት ህያብ ንኽንቅበል እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

• እቲ እነካይዶ ዕዮ ስብከት ንኸመይ ዝበለ ምስ ዕላማ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ዕማም ኢዩ ዝፍጽም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ድሕነት ክበሃል ከሎ ካብ ጥፍኣት እተነሓፍካ ካብ ምዃን ንላዕሊ ኢዩ