ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ዳንኤል ተገሊጻ!

መጽሓፍ ዳንኤል ተገሊጻ!

መጽሓፍ ዳንኤል ተገሊጻ!

 እቶም ተኣከብቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ነታ ሓዳስ ዝወጸት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ 320 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ንኽረኽቡ ተሃንጥዮም ነበሩ። ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከመይ ተሰምዖም፧ ገሊኦም ዝሃብዎ ሓሳባት ርአ።

“ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ኰተቴታት ዝርአ ኣነ እውን ናይ ጥንቲ ታሪኽ ምጽናዕ ኣየሐጕሰንን ኢዩ። ስለዚ: ነታ ናይ ብሕተይ ቅዳሕ ናይታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ተቐበልኩ ንኸንብባ ብዙሕ ኣይተሃንጠኹን: እንተዀነ ግን: እስከ ክርእያ ኢለ ከንብባ ጀመርኩ። ዝገርም ኢዩ: ግጉይ ኣረኣእያ ኢዩ ነይሩኒ! እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብተን ኣብ ህይወተይ ዘጋጠማኒ ብሉጻት መጻሕፍቲ ሓንቲ ኢያ። ብሓቂ እትምስጥ ኢያ! ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት እተፈጸመ ጸብጻብ ዘንብብ ዘለኹ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ንመጀመርታ ግዜ ገዛእ ርእሰይ ኣብ ናይ ዳንኤል ቦታ ከእቱ ከም ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። ካብ ስድራቤትካ ተመንጢልካ ክትውሰድ: ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ክትከይድ: ብተደጋጋሚ ንጽህናኻ ክትፍተን ማለት እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ኣእምሮይ ክስእሎ ክኢለ ኢየ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምድላውኩም ኣዝየ ኢየ ዘመስግነኩም።”—ኣንያ

“እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝትንክፍ ነገራት ብሓቂ ከም ዝቈጻጸሮ ዝገልጽ ንጹር መልእኽቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣምላኽና ንዝመጽእ ፍጻመታት በቲ ዝዓለሞ መሰረት ከም ዝፍጽሞ ካብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ከምኡውን ካብቲ ካልኦት ዝረኣይዎ እሞ ዳንኤል ዝተርጐሞ ራእያትን ሕልምታትን ብንጹር ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ኣብቲ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢታዊ መግለጺ ንዘሎና ተስፋ የደልድሎ።”—ቸስተር

“ንዳንኤል ከምዚ ገይርኩም ህያው ብምግባርኩም ተሓጒሰ ኢየ። ብዛዕባ እቲ ዘገድሶን ዘጨንቖን ዝነበረ ነገራት ብምጕላሕኩም ዝያዳ ከም ዝፈልጦ ገይሩኒ ኢዩ። የሆዋ ኣዝዩ ፍትዊ ዝበሎ ስለምንታይ ምዃኑ ብዝያዳ ክርዳእ ክኢለ ኢየ። ኵሉ እቲ ፈተናታትን መስጐጕትን ከጋጥሞ ኸሎ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣይኰነን ዝጭነቕ ነይሩ። ብቐዳምነት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ግሩም ስሙን ኢዩ ዝሓሊ ነይሩ። ነዚ ነጥብታት እዚ ብምጕላሕኩም አመስግነኩም።”—ጆይ

“ነዚ ኢና ንጽበ ነይርና! መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ነፍሲ ወከፍና ብኸመይ ከም እትውዕል ከምዚ ናይ ሕጂ ገይሩ ተገሊጹ ኣይፈልጥን። ኣብታ ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እተቐበልኩላ ምሸት ብዙሕ ገጻት ምስ ኣንበብኩ: ንባበይ ሓንሳእ ደው ኣቢለ ንየሆዋ ብጸሎት ኣመስገንክዎ።”—ማርክ

“እዛ መጽሓፍ ኣብ ደቅና ዘሕደረቶ ጽልዋ ዘይተጸበናዮ ኢዩ። ደቅና ደቂ ሓሙሽተን ሰለስተን ዓመት ኢዮም። . . . እቲ ኣብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ናይ ዳንኤል: ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ ታሪኽ ሓደ ካብቲ ኣዝዮም ዝፈትዉዎ እኳ እንተዀነ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ኣቀራርባ ግን ብዘይተጸበናዮ መልክዕ ጸልይዎም ኢዩ። ዋላ እኳ ንኣሽቱ እንተዀኑ ነቶም ቅኑዓት መንእሰያት ግን ክድግፍዎም ከኣሉ። እዚኣቶምስ ንደቅና ኣየ ከመይ ዝበሉ ኣብነት ኰን ኢዮም ዝዀኑዎም! ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መሳርሒ ኢኹም ሂብኩምና! ኣዝየ ኢየ ዘመስግነኩም!”—ቤትኤል

“እቶም እብራውያን መንእሰያት ኣብ እምነቶም ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎ ምስኦም ዘለኹ ኰይኑ ተሰምዓኒ፣ እዚ ድማ እምነተይ ንኽምርምር ኣተባቢዑኒ ኢዩ። እቲ ‘እንታይ ተረዲእካ፧’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ናይ ድግማ ሕቶታት ዝሓዘ ሳጹን ነቲ ኣብታ ምዕራፍ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ልብና ከም ዝስረጽ ዝገብሮ ኢዩ። ተወሳኺ ብሉጽ ጽሑፍ ስለ ዘዳለኹም እንደገና አመስግነኩም።”—ሊድያ