ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መን እዩ ተሓታቲ፧

መን እዩ ተሓታቲ፧

መከራ ኻብ ኣምላኽ ዚወርድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጠንቂ ብርቱዕ ጥሜትን ሕሱም ድኽነትን ውግእን ሕማምን ባህርያዊ ሓደጋን ደኣ እንታይ እዩ፧ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰለስተ ቐንዲ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ይገልጸልና እዩ።

  1. ጥቕሚ ርእሲ ምድላይን ስስዐን ጽልእን። ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ይገዝኦ ኣሎ።’ (መክብብ 8:9) ብዙሕ ግዜ፡ ዘይፍጹማትን ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩን ጨካናትን ሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት መከራ የምጽኡ እዮም።

  2. ግዜን ኣጋጣምን። ካልእ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ከኣ፡ “ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም” ብዚብል ቃላት ተገሊጹ ኣሎ። (መክብብ 9:11) ሰባት ሓደጋታት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሖም፡ ወይ ሸለልተኛታት ብምዃኖም፡ ወይ ጌጋታት ብምግባሮም ጠንቂ መከራ ይዀኑ እዮም።

  3. እቲ እኩይ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ። መጽሓፍ ቅዱስ ብቐዳምነት ዚስራዕ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ መን ምዃኑ ብንጹር ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ፈለማ መልኣኽ ኣምላኽ ዝነበረ እሞ፡ ‘ኣብ ሓቂ ዘይጸንዐ’ ሰይጣን ድያብሎስ ዚብሃል ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። (ዮሃንስ 8:44) ካልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ከኣ ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ደድሕሪ ኽፉእ ትምኒታቶም ንምስዓብ ካብ ኣምላኽ ዓልዮምን ኣጋንንቲ ዀይኖምን እዮም። (ዘፍጥረት 6:1-5) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ዚዓልዉ ንነጀው፡ ኣብ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ሓያልን ሕማቕን ጽልዋ ኺገብሩ ይጽዕሩ እዮም። ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ኸኣ ጽልዋኦም ኣሐይሎም ኣለዉ። ሕጂ እቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዘለዎ ድያብሎስ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ’ ስለ ዘሎ፡ ንምድሪ ‘ወይለኺ’ ተባሂሉላ ኣሎ። (ራእይ 12:9, 12) ሰይጣን ብሓቂ ጨካን ውልቀ መላኺ እዩ። ብመከራ ደቂ ሰብ ከኣ ዕግበት ይረክብ እዩ። እምበኣር፡ ንሰባት መከራ ዜውርደሎም፡ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሰይጣን እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ርሕራሐ ዘይብሉን ሕሱምን ገባር ክፉእ ጥራይ እዩ ንንጹሃት ሰባት ኬሳቒ ዚኽእል። ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ፈቃር ብምዃኑ ድማ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!”—እዮብ 34:10

ኰይኑ ግና፡ ‘እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክሳዕ መዓስ እዩ እዚ ዜስካሕክሕ ግዝኣት ሰይጣን ኪቕጽል ዚፈቅድ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣምላኽ እከይ ዘበለ ይጸልእ እዩ፣ መከራና ኸኣ ብዙሕ የሳቕዮ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ቃሉ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም ዚግለጽ፡ ኣምላኽ የፍቅረና እዩ፡ ንዅሉ መከራን ዘይፍትሓውነትን ንምውጋድ ዜኽእል ሓይሊ ድማ ኣለዎ። *

^ ሕ.ጽ. 7 ብዛዕባ መከራ ዝበዝሓሉ ምኽንያት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 26 ርአ። ካብ www.jw.org/ti ብናጻ ኸተራግፋ ትኽእል ኢኻ።