ገበር | ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ትቕበል ዲኻ፧
መወዳድርቲ ዘይብሉ ውህበት
እዛ ጃልባ እትመስል መጽረብ ርሳስ ብርቂ ነገር ኣይትመስልን እያ። ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ኻብተን ጆርዳን ኣብሊጹ ዚርእየን ንብረቱ እያ። ጆርዳን፡ “እቲ ራስል ዚብሃል ብዕድመ ዝደፍአ ፈታው ስድራ ቤትና፡ ቈልዓ ኸለኹ ዝሃበኒ እያ” ይብል። ራስል ምስ ሞተ፡ ጆርዳን፡ ራስል ንኣባሓጎኡን ንወለዱን ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ይድግፎም ከም ዝነበረን ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ ተራ ኸም ዝነበሮን ፈለጠ። ጆርዳን፡ “ሕጂ ብዛዕባ ራስል ዝያዳ ስለ ዝፈለጥኩ፡ እዛ ንእሽቶ ውህበት እዚኣ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንዓይ ኣዝያ ኽብርቲ እያ” ይብል።
ካብ ተመክሮ ጆርዳን ከም እንርእዮ፡ ሓደ ውህበት ንገሊኦም ሰባት ብዙሕ ዋጋ ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ መማሰዊ ዝዀነ ተቐባሊ ግና ኣዝዩ ኽቡር፡ አረ ብዋጋ ዘይሽነን ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት በዘን ፍሉጣት ቃላት ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።”—ዮሃንስ 3:16።
ካብዚ ንተቐባሊኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረክብ ዚገብሮ ውህበት ንላዕሊ ዋጋ ዘለዎ ኻልእ ውህበት ኪህሉ ይኽእልዶ፧ ገሊኦም ንዋጋ እዚ ውህበት ዘይፈልጥዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና “ኣዝዩ ኽቡር” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (መዝሙር 49:8፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንህይወት ወዱ ኸም ውህበት ገይሩ ንዓለም ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ በዘን ዚስዕባ ቓላት ገይሩ ነቲ ምኽንያት ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ . . . ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።” (ሮሜ 5:12) እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ማለት ኣዳም ደይመደይ ኢሉ ንኣምላኽ ብዘይምእዛዙ ሓጥአ፣ ብሞት ከኣ ተቐጽዐ። ብኣዳም ኣቢሉ ሞት ናብ ኵሎም ዘርኡ፡ ማለት ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ ሓለፈ።
ሮሜ 6:23) ኣምላኽ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሓራ ንምግባር፡ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ዓለም መስዋእቲ ኺገብራ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ብመሰረት እዚ “በጃ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ መስዋእቲ፡ ኵሎም እቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ሮሜ 3:24።
“ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፣ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።” (ጳውሎስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚህቦም ኵሉ በረኸት፡ “ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ናጻ ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 9:15) እወ፡ እቲ በጃ ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ካብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብጸጋኡ ዝሃቦም ውህበታት፡ እቲ በጃ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከም ዝዀነ ኻልእ ውህበታት ኣምላኽ ዘይኰነ በየናይ መገዲ እዩ፧ * እንታይ ምላሽ ኢናኸ ኽንህበሉ ዘሎና፧ ኣብዘን ዚቕጽላ ኽልተ ዓንቀጻት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ሕቶታት ዚህቦ መልሲ ኽትምርምሮ ንዕድመካ።
^ ሕ.ጽ. 8 የሱስ ብፍቓዱ፡ ‘ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ።’ (1 ዮሃንስ 3:16) ኰይኑ ግና፡ እቲ መስዋእቲ ኽፍሊ ዕላማ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት እዚአን ኣብቲ ኣምላኽ ከም ኣዳላዊ እቲ በጃ ዘለዎ ግደ ዘተኰራ እየን።