ቅኑዕን ጌጋን፦ ብዙሓት ብምንታይ ይምርሑ፧
ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ገሊኡ ተግባራት ብንጹር ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ይሰማምዓሉ እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ንቕትለትን ንጾታዊ ዓመጻን ንጾታዊ ህስያ ቘልዑን ይዅንኑ እዮም። ንፍትሓውነትን ንለውሃትን ንድንጋጽን ከኣ ይንእዱ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት፡ እንተላይ ምስ ጾታ፡ ምስ ቅንዕና፡ ወይ ምስ ኣተዓባብያ ቘልዑ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያት፡ ብንጹር ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዚብሃል ኣማራጺ ኸም ዘየልቦ እዮም ዚኣምኑ። ዳርጋ ዅሉ ኣማራጺ ተቐባልነት ከም ዘለዎ እዮም ዚሓስቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስምዒቶምን ኣብ ስምዒት እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ሰባትን ጥራይ ተመርኲሶም ይውስኑ። እሞ ደኣ እዝስ ወትሩ ዜተኣማምን ድዩ፧
ስምዒትና
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብስምዒትና፡ ማለት በቲ ውሽጥና ቕኑዕ ወይ ጌጋ ኢሉ ዚነግረና ንምራሕ ኢና። እዚ ኸኣ ብልምዲ ሕልና ተባሂሉ ይጽዋዕ። (ሮሜ 2:14, 15) ቈልዑ ኻብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ፍትሓውን ዘይፍትሓውን ተግባር ኬለልዩ ይኽእሉ እዮም፣ ናይ በደለኛነት ስምዒት እውን ኪስምዖም ይኽእል እዩ። እናሓደረ ኸኣ ሕልናና በቲ ኻብ ስድራ ቤትናን መዛኑናን መምህራንናን ማሕበረ ሰብናን ሃይማኖትናን ባህልናን እንምሃሮ መትከላት ይቕረጽ እዩ። ስለዚ፡ ውሳነታት ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ እዚ ምስቲ መትከላትና ዚሳነ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ሕልናና ይነግረና።
ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለትና፡ ንሰባት ከም እንድንግጸሎም፡ ከም እነመስግኖም፡ ብፍትሓዊ መገዲ ኸም እንሕዞም፡ ከምኡ እውን ከም እንርሕርሓሎም ኪገብረና ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንእንሓልየሎም ሰባት ኪጐድእ ካብ ዚኽእል ነገር፡ ወይ ድማ ንዓና ኻብ ዜሕፍረናን ካብ ዜዋርደናን ካብ ዜጣዕሰናን ነገራት ከም እንቝጠብ ይገብረና እዩ።
ስምዒትና ወትሩ ዜተኣማምን መምርሒ ድዩ፧ ጋሪክ ዚብሃል መንእሰይ፡ “ናይ ርእሰይ መለክዒታት ከቕውም እኽእል እየ” ዚብል መትከል ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ንዕኡ ቕኑዕ ኰይኑ እተሰምዖ ነገራት ምግባር፡ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዘየፍርየሉ ረኣየ። ነቲ ሽዑ ዝነበሮ ኣነባብራ ኸኣ፡ “ዘይስነ ምግባራውነትን ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ መስተን ዓመጻን ዝመልኦ ጸልማት ጐደና” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።
ስምዒት ካልኦት ሰባት
ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ኣብ ስምዒትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስምዒት ካልኦት ሰባት እውን ንምርኰስ ኢና። እዚ
ድማ ካብ ተመክሮኦምን ካብ ጥበቦምን ክንጥቀም የኽእለና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ንሳቶም ቅኑዕ ኢሎም ዚኣምኑሉ ስለ እንገብር፡ ካብ ቤተ ሰብናን ካብ ፈተውትናን ካብ ማሕበረ ሰብናን ኣኽብሮት ንረክብ ኢና።ስምዒት ካልኦት ሰባት ወትሩ ዜተኣማምን መምርሒ ድዩ፧ ፕሪሲላ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መዛኑኣ ዝገበርዎ ትገብር፡ ከይተመርዓወት እውን ጾታዊ ርክብ ትገብር ነበረት። እንተዀነ ግና፡ ካልኦት ቅኑዕ ዝበልዎ ምግባር፡ ሓጐስ ከም ዘየምጽኣላ ተገንዘበት። ነዚ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ትገልጾ፦ “ኵሉ ዚገብሮ ምግባር፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ኣይገበረን። ናይ ዕሽነት ተግባርን ሓደገኛ ውሳነን ከም ዝገብር እዩ ገይሩኒ።”
ዝሓሸ መገዲዶ ኣሎ፧
ኣብ መንጎ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ኽንውስን ከለና፡ ስምዒትናን ስምዒት ካልኦትን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። እዚ ጥራይ ግና ወትሩ ጽቡቕ ፍረ ኣየፍርን እዩ። ውሳነታትና ኣባና ዀነ ኣብ ካልኦት ዜስዕቦ ጕድኣት ከይርኣየና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 14:12) መትከላትና ወይ መትከላት እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት ብሓቂ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍርየልና ወይ ውዒሉ ሓዲሩ ኺልወጥ ከም ዘየድልዮ ውሕስነት የብልናን። ስለምንታይሲ፡ ቀደም ጌጋ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ተግባር ሕጂ ቕቡል ኰይኑ ኣሎ፣ ቀደም ቅቡል ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ተግባር ከኣ ሕጂ ጌጋ ዀይኑ ኣሎ።
እሞ ደኣ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ንምውሳን ዚሕግዝ ዝሓሸ መምርሒዶ ኣሎ፧ ድሕሪ ዓመታት እኳ ዘይንሓፍረሉ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ክንረክብ ንኽእልዶ፧
እቲ ዜሐጕስ፡ ኣብ ኵሉ ዓድታት ንዚነብሩ ዅሎም ሰባት ብማዕረ ዚዓዪ ዜተኣማምን ስነ ምግባራዊ መምርሒ ኣሎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ቅኑዕን ጌጋን ንምውሳን ዜኽእል ዜተኣማምን መምርሒ ኣበይ ክንረክብ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።