ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰባት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይብሉ፧

ሰባት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይብሉ፧

“ክጽሊ ኸለኹ ኣምላኽ ኣብ ጐድነይ ከም ዝዀነ፡ ከም ዝጠፋእኩ ዀይኑ ኺስመዓኒ ኸሎ ኸኣ፡ ብኢደይ ሒዙ ኸም ዚመርሓኒ ዀይኑ ይስመዓኒ።”—ማርያ።

“ሰበይተይ ን13 ዓመት ዚኣክል ብመንሽሮ ምስ ተሳቐየት ሞይታ። መዓልቲ መዓልቲ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ትዝ ይብለኒ፣ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ስምዒታዊ ስቓየይ ተረዲኡ ብሓቂ ይሰምዓኒ ኸም ዝነበረ ይስምዓኒ ነይሩ። ሽዑ ሰላም ተሰሚዑኒ።”—ራውል።

“ጸሎት ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ዜደንቕ ውህበት እዩ።”—ኣርነ።

ንማርያን ንራውልን ንኣርነን ንብዙሓት ካልኦትን ጸሎት ፍሉይ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። ብጸሎት ኣቢሎም ንኣምላኽ ኪዛረብዎን ኬመስግንዎን ሓገዙ ኺደልዩን ከም ዚኽእሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ፡ “እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ” ብምባል ዚህበና መረጋገጺ፡ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኑሉ እዮም።—1 ዮሃንስ 5:14

ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት ዚብሎ ኪቕበልዎ ይኸብዶም እዩ። ስቲቭ፡ ብዛዕባ ጸሎት እተሰምዖ ስምዒት ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ሰለስተ ፈተውተይ ብኽልተ እተፈላለየ ሓደጋታት ሞይቶም። እቲ ሓደ ብሓደጋ ማኪና ሞይቱ፣ እተን ክልተ ኸኣ ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞይተን።” ሽዑ ስቲቭ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ኣስዒቡ ኸምዚ ይብል፦ “እዚ ዅሉ ስለምንታይ ከም ዘጋጠመ መልሲ ኺህበኒ ናብ ኣምላኽ ጸልየ፡ መልሲ ግና ኣይረኸብኩን። ስለዚ፡ ንርእሰይ ‘ስለምንታይከ እየ ዚጽሊ፧’ ኢለ ኽሓትት ጀሚረ።” ብዙሓት ሰባት፡ ጸሎቶም ከም ዘይተመለሰ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ‘ጸሎት እምበርዶ ብሓቂ ትርጉም ኣለዎ እዩ፧’ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ይገብሮም።

ሰባት ጸሎት ዘለዎ ጥቕሚ ብኻልእ ምኽንያታት እውን ይጠራጠሩሉ እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ‘ኣምላኽ ኵሉ ዚፈልጥ ስለ ዝዀነ፡ እንታይ ከም ዜድልየናን ጸገማትና እንታይ ምዃኑን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባኡ ኽንነግሮ ትርጉም የብሉን’ ይብሉ።

ካልኦት ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ጌጋታት፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኪሰምዖ ኸም ዘይደሊ ዀይኑ ይስምዖም። ጀኒ ኸምዚ ትብል፦ “እቲ ዝዓበየ ጸገመይ ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ዚስማዓኒ ስምዒት እዩ። ዜጣዕሰኒ ነገራት ስለ ዝገበርኩ ጸሎተይ ኪስማዕ ዘይበቅዕ ኰይኑ እዩ ዚስማዓኒ።”

ንስኻ እውን ብዛዕብ ጸሎት ከምኡ ዓይነት ስምዒት ወይ ምጥርጣር ዚስማዓካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ስለ ዚህበና ኽትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ጸሎት ዚገልጽ ሓበሬታ ምንጩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። a ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ከኣ ኪምልሰልካ ይኽእል እዩ፦

  • ኣምላኽ ብሓቂዶ ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ፧

  • ገሊኡ ጸሎት ዘይምለስ ስለምንታይ እዩ፧

  • ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ ብኸመይ ክትጽሊ ትኽእል፧

  • ጸሎት ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

a ናይ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጸሎት፡ እንተላይ ናይ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ልዕሊ 150 ጸሎት ተመዝጊቡ ኣሎ።